ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/4 ገጽ 29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምልኾበዓልንኣልባብ እስራኤላውያንዘጋጠሞ ብድሆ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/4 ገጽ 29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:8 እቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዝወደቑ 23,000 ምዃኖም ኪገልጽ ከሎ: ኣብ ዘሁልቍ 25:9 ግን 24,000 ምዃኖም እተገልጸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ኽልተ ጥቕስታት እተፈላለየ ኣሃዝ ንኺጥቀስ ኣበርክቶ ዝገበረ እተፈላለየ ረቛሒታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ዝቐለለ ምኽንያት: እቲ ኣሃዝ ብልክዕ ኣብ መንጎ 23,000ን 24,000ን ኪኸውን ስለ ዚኽእል: ናብ ክልቲኡ ሸነኽ ተጸጋጊዑ ዚብል እዩ።

ካልእ ምኽንያት እውን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንእስራኤላውያን ኣብ ሽጢም ዘጋጠሞም ነገራት ነቶም ኣብታ ብብዕሉግ ኣነባብራ ዕልልቲ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከም መጠንቀቕታ እዩ ዚጠቕሰሎም ነይሩ። ስለዚ: “ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ: ኣይንመንዝር” ኢሉ ጸሓፈሎም። ጳውሎስ ነቶም ብምምንዛሮም የሆዋ ዝቐተሎም ፈልዩ 23,000 ምዃኖም ጠቐሰ።—1 ቈረንቶስ 10:8

ዘሁልቍ ምዕራፍ 25 ግን “እስራኤል ከኣ ምስ በዓል-ጴዖር ሐበረ። ኵራ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ” ብምባል ትገልጸልና። ድሕሪኡ የሆዋ ንሙሴ “ንዅሎም ሓላቑ ህዝቢ” ኪቐትሎም ኣዘዞ። ሙሴ ብግዴኡ ድማ ነቶም ፈራዶ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኺፍጽሙ ኣዘዞም። ኣብ መወዳእታ: ፊንሃስ ነቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ሰፈር ዘምጽአ እስራኤላዊ ሰብኣይ ተቐላጢፉ ምስ ቀተሎ: “እቲ መዓት . . . ዛረየ።” እቲ ዛንታ ቀጺሉ “እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኰኑ” ብምባል ይዛዝም።—ዘሁልቍ 25:1-9

እቲ ኣብ ዘሁልቍ ተጠቒሱ ዘሎ ቝጽሪ ነቶም ብፈራዶ እተቐትሉ “ዅሎም ሓላቑ ህዝቢ” ከምኡውን ነቶም ቀጥታ ብየሆዋ እተቐትሉ ኸም ዜጠቓልል ንጹር እዩ። እቶም ብፈራዶ እተቐትሉ ሓላቑ ሓደ ሽሕ ኣቢሎም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ቝጽሪ 24,000 በጽሔ። እዞም ሓላቑ ወይ መራሕቲ ጕጅለ ምንዝር ዝፈጸሙ ይኹኑ: ኣብቲ በዓላት እተሳተፉ ይኹኑ: ወይ ነቶም እተሳተፉ ዚፈቐዱሎም: ‘ምስ በዓል-ጴዖር ብምሕባሮም’ ገበነኛታት እዮም ነይሮም።

ሓደ መወከሲ ጽሑፍ እታ “ሐበሩ” ተባሂላ ዘላ ቓል “ንርእስኻ ምስ ካልእ ኣካል ምትእስሳር” ዚብል ትርጕም ኪህልዋ ኸም ዚኽእል ገለጸ። እስራኤላውያን ንየሆዋ እተወፈዩ ህዝቢ እዮም ነይሮም: ‘ምስ በዓል-ጴዖር ምስ ሓበሩ’ ግን ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ጠሓሱ። ድሕርዚ 700 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: የሆዋ ብነብዪ ሆሴእ ኣቢሉ ብዛዕባ እስራኤላውያን “ንሳቶም ናብ በዓል-ጲኦር አተዉ: ንነውሪ ኸኣ ተፈልዩ: ከምቲ ዝፈተውዎ ድማ ፍንፉናት ኰኑ” በለ። (ሆሴእ 9:10) ኵሎም እቶም ከምዚ ዚገብሩ ኸቢድ ፍርዲ ኣምላኽ ዚግብኦም እዮም ነይሮም። ስለዚ ሙሴ ንደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ብናይ በዓል-ጴዖር ዝገበሮ: እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቶም ንበዓል-ጴዖር ዝስዐቡ ዅሎም ሰባት ካብ ማእከልካ ኸም ዘጥፍኦም: ኣዒንትኹም ርእየን” ብምባል ኣዘኻኸሮም።—ዘዳግም 4:3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ