ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/6 ገጽ 30-31
  • ንዝዀነ ይኹን ፈተና ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዝዀነ ይኹን ፈተና ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ”
  • ጸጋ ኣምላኽ ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ ይሕግዘና
  • “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ”
  • ነቲ እተቐበልካዮ ጸጋ ኣምላኽ ኣማስወሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ፈተናታት እኳ እንተሎ ኣብ እምነትካ ጽናዕ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ‘መገብቲ ጸጋ ኣምላኽ’ ዲኹም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/6 ገጽ 30-31

ንዝዀነ ይኹን ፈተና ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና!

ፈታኒ ዅነታትዶ የጋጥመካ ኣሎ እዩ፧ ክትዋጽኣሉ ዘይትኽእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓካ: ተስፋ ቘሪጽካዶ ኢኻ፧ ሓድሓደ እዋን እቲ ዜጋጠመካ ሽግር ፍሉይ ብምዃኑ መፍትሒ ዘይብሉ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ ከምኡ ይስምዓካ እንተደኣ ኣልዩ: ኣጆኻ! ዝዀነ ይኹን ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመና: ኣምላኽ ንኽንዋጽኣሉ ኸም ዚሕግዘና መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘በበይኑ ዝዀነ ፈተና ኸም ዚበጽሖም’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ያእቆብ 1:2) ነታ “በበይኑ” (ብግሪኽ ፒኪሎስ) እትብል ቃል ኣስተብህለላ። ብመሰረት ጥንታዊ ኣጠቓቕማ እንተ ርኢና: እታ በዅሪ ቓል “ብዙሕ ዝዓይነቱ” ማለት እያ: “ንእተፈላለየ ዓይነት እቲ ፈተናታት” ድማ ተጕልሕ። ስለዚ: “በበይኑ ዝዀነ ፈተና” ኺበሃል ከሎ: ፈተናታት ብዙሕ ዝዓይነቱ ምዃኑ እዩ ዚሕብር። ይኹን እምበር: የሆዋ ነዚ ፈተናታት እዚ ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና እዩ። ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

“ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ”

ሃዋርያ ጴጥሮስ: ክርስትያናት ‘ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ኸም ዚጕህዩ’ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 1:6) ጸኒሑ ድማ ኣብዛ መንፈስ ዝነፈሳ መልእኽቱ ብዛዕባ እቲ “ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ” ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 4:10) እዛ “ብዙሕ ዝዓይነቱ” እትብል ሓረግ ምስታ ኣቐዲምና ዝረኣናያ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል ሕደ እያ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ ርእይቶ ኺህብ ከሎ “እዚ ድንቂ ሓሳብ እዩ። . . . ጸጋ ኣምላኽ ፒኪሎስ እዩ ኢልካ ምዝራብ: ንዝዀነ ይኹን ዜጓንፈና ነገራት ኪፈትሖ ኸም ዚኽእል የርኢ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ጸጋ ኣምላኽ ኪፈትሖን ብዓወት ኪሰግሮን ዘይክእል ኵነታት: ቅልውላዋት: ከምኡውን ህጹጽ ኵነታት የልቦን። ጸጋ ኣምላኽ ከም እትዋጽኣሉ ኺገብረካ ዘይከኣሎ ነገር ኣብ ህይወት የልቦን። እዛ ፒኪሎስ እትብል ንጽርቲ ቓል እዚኣ እቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ዜጓንፈና ነገር ክንዋጽኣሉ እንኽእል ምዃንና ተረጋግጸልና” በለ።

ጸጋ ኣምላኽ ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ ይሕግዘና

ብመሰረት ቃላት ጴጥሮስ: ሓደ ኻብቲ ጸጋ ኣምላኽ ዚግለጸሉ መገዲ: በቶም ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜቝሙ እተፈላለዩ ሰባት ኣቢሉ እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:11) ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ የሆዋ ነቶም ፈተና ዚበጽሖም ሰባት ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀነሉ ዚኽእል ነናቱ ተውህቦ ወይ ከኣ ክእለት ኣለዎ። (ሮሜ 12:6-8) ንኣብነት: ሓድሓደ ኣባላት እታ ጉባኤ ኽኢላ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ኪዀኑ ይኽእሉ። እቲ ምስትውዓል ዝመልኦ ቓላቶም ንኻልኦት የነቓቕሖምን የበራትዖምን እዩ። (ነህምያ 8:1-4, 8, 12) ገሊኦም ድማ ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት በብግዜኡ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ይገብሩሎም። መብዛሕትኡ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ከኣ ምትብባዕን ናይ ‘ልቢ ምጽንናዕን’ ዚወሃበሉ ኣጋጣሚታት እዩ። (ቈሎሴ 2:2) ተዓዘብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ እምነት ዜደልድል ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ: ብሓቂ መንፈሳዊ ውህበት እዮም ዚልግሱ ዘለዉ። (ዮሃንስ 21:16) ገሊኦም ኣባላት ጉባኤ ድማ ነቶም ብምኽንያት ፈተና ዝሓዘኑ ኣመንቲ ብጾት ብፍቕርን ድንጋጽን ሕያውነትን ይሕዝዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:36፣ ሮሜ 12:10፣ ቈሎሴ 3:10) እዞም ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዜርእይዎ ሓልዮትን ዚገብርዎ ቕልጡፍ ሓገዝን ጸጋ ኣምላኽ ዜርኢ መግለጺ እዩ።—ምሳሌ 12:25፣ 17:17

“ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ”

የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ምጽንናዕ ይህብ እዩ። “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ከምኡውን “ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና” እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) እቲ ንኺሕግዘና ኢልና ናብኡ እነቕርቦ ጸሎት: በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ጥበብን በቲ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ዚህበና ሓይልን ኣቢሉ እዩ ዚምልሰልና። (ኢሳይያስ 30:18, 21፣ ሉቃስ 11:13፣ ዮሃንስ 14:16) በቲ ጳውሎስ “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ብምባል እተዛረቦ መንፈስ ዝነፈሶ መብጽዓ ኽንጸናናዕ ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 10:13

እወ: ዋላ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና የጋጥመና ብዘየገድስ: ማዕሪኡ ድማ እቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና እዩ። (ያእቆብ 1:17) ዓይነት እቲ ዜጓንፈና ፈተና ወይ ጸገም ብዘየገድስ: እቲ ኻብ የሆዋ እንረኽቦ እዋናውን ምዱብን ሓገዝ መርትዖ ናይታ “ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበቡ” እዩ። (ኤፌሶን 3:10) ነዝስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ