ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/7 ገጽ 3
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ገነት ካብ ምድሪ ጠፍአት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • እከይ ዝቐጸለ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/7 ገጽ 3

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ሰብኣዊ ታሪኽ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን: ደቅሰብ ከመይ ዝበለ መሪር መዓት ኰን እዩ ዘጋጠሞም! ሓደ መልኣኽ ካብ ስልጣን እቲ ዝፈጠሮ ዓለወ። እዚ ዓለወኛ እዚ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ካብታ እተኸልከለት ፍረ ንኽትበልዕ ኣስደዓ። እቲ መልኣኽ ንዓኣን ንሰብኣያ ኣዳምን: “ኣይፋልኩም: ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር: ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በሎም። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:1-5) በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ዓለወኛ መልኣኽ: ድያብሎስን ሰይጣንን ተባሂሉ ኺጽዋዕ ጀመረ።—ራእይ 12:9

ሄዋን ብቓላት ሰይጣን ተሳሒባ ደዀን ትኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “እታ ሰበይቲ ድማ: እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ: ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ: ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ: ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት: ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ: ንሱውን በልዔ።” (ዘፍጥረት 3:6) እወ: እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ንሰይጣን ኣብቲ ዕልወቱ ሓበርዎ። ብሰንኪ እዚ ድማ ነታ ንዓታቶምን ንዘርኦምን እትኸውን ገነት ኣጥፍእዋ። እቶም ፍጹማት ኰይኖምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጋጣሚ ሒዞምን ኪውለዱ ዝነበሮም ውሉዳት: ሓጢኣትን ሞትን ወረሱ።—ሮሜ 5:12

እቲ ናይዚ ዅሉ ፍጥረት ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ብኸመይ ምላሽ ሃበሉ፧ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ሓደ መሰናድዎ ገበረ። (ሮሜ 5:8) ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ዘጋጠመ ቕልውላው ንምቍጽጻር ኢሉ መንግስታዊ ስርዓት ሰርዐ። እዚ ስርዓት እዚ ድማ “መንግስቲ ኣምላኽ” ይበሃል። (ሉቃስ 21:31) መንግስቲ ኣምላኽ ደጋፊት እቲ ዩኒቨርሳዊ ግዝኣት ኣምላኽ ስለ ዝዀነት: ፍሉይ ዕላማ ኣለዋ።

ዕላማ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ገለ እዛ መንግስቲ እተጠቓልሎ መዳያት እንታይ እዩ፧ ምስ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኺወዳደር ከሎ ኸመይ ይመስል፧ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ግዝኣታ ጀሚራ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ