ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/2 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣርማጌዶን ዜሐጕስ መጀመርታ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/2 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዚግበር ‘ውግእ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ እንታይ እዩ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧—ራእይ 16:14, 16

ውግእ ኣርማጌዶን ብቐሊል ኣገላልጻ: እቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንጸላእቲ ኣምላኽ ዚድምስሰሉ ዓለምለኻዊ ውግእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ጸላእቲ ዝዀኑ “ነገስታት ኵላ ዓለም” በቲ “ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ” ተደሪኾም ከም ዚወጹ: ከምኡውን “በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ . . . ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚበሀል ቦታ” ኸም ዚእከቡ ይገልጽ።—ራእይ 16:14, 16

እቲ እቶም ተዋጋእቲ ጕጅለታት ዚእከቡሉ ቦታ ቓል ብቓሉ ኣይኰነን። እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ስም: ከረን መጊዶ ማለት እያ። (ራእይ 16:16) ከምዚ ዓይነት ስም ዝሓዘ ኸረን ቀደም ኣይነበረን: ሕጂ እውን የልቦን። ብዘይካዚ: “ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን” ቃል ብቓሉ ኣብ ሓደ ቦታ ኺእከቡ ኣይክእሉን እዮም። (ራእይ 19:19) የግዳስ: እቲ “ቦታ” ነቲ እቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ምድርን ደገፍቶምን ዚምርሑሉ ዅነት የመልክት። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኸምኡውን ነቶም በቲ “ንጉሰ ነገስትን: ጐይታ ጐይተትውን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚምርሑ “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት” ምጽራሮም እዩ ዜመልክት።—ራእይ 19:14, 16

እቲ ዜገርም: እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ምስታ ጥንቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረት ከተማ መጊዶ እተተሓሓዘት እያ። እዛ ኻብ ከረን ቀርሜሎስ ብወገን ምብራቕ ዝነበረት ከተማ: ብግዜኣ ነቲ ንግዳውን ወተሃደራውን መገድታት ትቈጻጸር ነበረት። ወሳኒ ዂናት እተኻየደላ ቦታ እውን እያ ነይራ። ንኣብነት: እቲ እስራኤላዊ ፈራዲ ዝነበረ ባራቅ ነቲ ብሲሰራ ዚምራሕ ሓያል ሰራዊት ከነኣናውያን: “ኣብ ማያት መጊዶ” እዩ ስዒርዎ። (መሳፍንቲ 4:12-24፣ 5:19, 20) እቲ ፈራዲ ዝነበረ ጊዴዎን እውን ንሚድያናውያን ኣብቲ ኸባቢ እቲ እዩ ምሉእ ብምሉእ ዝሰዓሮም። (መሳፍንቲ 7:1-22) መጽሓፍ ቅዱስ ንመጊዶ ምስቲ ዚመጽእ ውግእ ምትሕሓዙ: ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ንዅሎም ተጻረርቲ ሓይልታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዚስዕሮም እዩ ዜረጋግጸልና።

ውጽኢቱኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ውግእ ኣርማጌዶን ንምድሪ ኻብ ኵሉ ብልሽውናን እከይን ኬጽርያ እዩ። ነቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብሉጽ ዝዀነ መዋእል መገዲ ኺጸርግ እዩ። (ራእይ 21:1-4) ምድሪ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕራዊ ሓለዋ መንግስቲ ኣምላኽ: ናብ ገነት ክትቅየርን ጻድቃን ንዘለኣለም ኪነብሩላን እዮም።—መዝሙር 37:29

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ