ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/4 ገጽ 19
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • የሆዋ ‘ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • የሆዋ ‘ፍትሒ ኼውጽእ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/4 ገጽ 19

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• ካብቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ዘይሕለል ተቐባል ጋሻ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ሉቃስ 11:5-10)

እዛ ምሳሌ እዚኣ ኽንጽሊ ኸለና ኸመይ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኸም ዘለዎ ትገልጽ። ብፍላይ ከኣ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ኸይተሓለልና ወይ ብቐጻሊ ኽንልምን ኣሎና። (ሉቃስ 11:11-13)—15/12 ገጽ 20-2

• እታ የሱስ ብዛዕባ ሓንቲ መበለትን ሓደ ፈራድን ዝመሰላ ምሳሌ እንታይ ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ ሒዛ ኣላ፧ (ሉቃስ 18:1-8)

ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኸም ዘሎና እተጕልሕ እያ። የሆዋ ኸምቲ ፈራዲ ዘይኰነስ: ጻድቕን ኪሕግዘና ዚደልን እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኣብታ ምሳሌ ተጠቒሳ ዘላ መበለት ዝነበረታ ዓይነት እምነት ክትህልወና ኣለዋ።—15/12 ገጽ 26-8

• ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት “ልብኹም ኣግፍሑ” ዝበሎም ስለምንታይ እዩ፧ (2 ቈረንቶስ 6:11-13)

ገለ ኣባላት እታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ልቦም ጸቢብን ንፉጋትን ብምንባሮም ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣኽብሮት ይጐድሎም ነበረ። ንሕና ግን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸነኽብሮም: ካብዚ ሓሊፉ እውን ሓደስቲ ፈተውቲ ንምፍራይ ክንመጣጠር ኣሎና።—1/1 ገጽ 9-11

• እቲ ኣብ ራእይ 7:3 እተገልጸ ምሕታም እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንክርስትያናት ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ምስ ቀብኦም: ንፈለማ ግዜ ተሓቲሞም እዮም። ራእይ 7:3 ግን ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ምሕታም እያ እትገልጽ፣ እዚ ኸኣ እቶም ቅቡኣት ተኣማንነቶም ምሉእ ብምሉእ ከም ዘርኣዩ ዚሕብር እዩ።—1/1 ገጽ 30-1

• ወለዲ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ሳሙኤል ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

ብቐዳምነት: ከምቲ ወለዲ ሳሙኤል ዝገበርዎ: ንውሉዳቶም ቃል ኣምላኽ ኪምህርዎም ኣለዎም። ብተወሳኺ እውን ንየሆዋ ምግልጋል ከም ሞያኦም ንኺገብርዎ ኼተባብዕዎም ኣለዎም።—15/1 ገጽ 16

• ብሓጐስ ንኣምላኽ ከም እንጽበ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ነቲ እቶም ‘ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባት ምስ ጠፍኡ’ እንረኽቦ ዕረፍቲ ብናፍቖት እናተጸበና: ‘ንመዓልቲ የሆዋ ንጽበ’ ኢና ዘለና። (2 ጴጥሮስ 3:7, 12) የሆዋ እውን ንዅሉ እኩይ ነገራት ኬጥፍኦ ሃንቀው እዩ ዚብል፣ ይኹን እምበር: ንስሙ ኽብሪ ብዜምጽእ መገዲ ንክርስትያናት ኬድሕኖም ስለ ዚደሊ ትዕግስቲ የርኢ ኣሎ። የሆዋ ንህዝቡ ዜድሕነሉ ግቡእ ግዜ ኸም ዚፈልጥ እምነት ኪህልወና ኣለዎ፣ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና ድማ ንኣምላኽ ብንጥፈት ክንውድሶ ኣሎና። (መዝሙር 71:14, 15)—1/3 ገጽ 17-18

• ኖህ ናብታ መርከብ ካብ ነፍሲ ወከፍ ንጹሃት እንስሳታት ሸውዓተ ድዩ ኣእትዩ ወይስ ሸውዓተ ጽምዲ፧

ኖህ ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳ “ሸሾብዓተ . . . ውሰድ” እዩ ተባሂሉ። (ዘፍጥረት 7:1, 2) እታ “ሸሾብዓተ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ከም ዘላ ኽትንበብ ከላ “ሸውዓተ ሸውዓት” ማለት እያ። ከምዚ ዓይነት ኣዘራርባ: ከምቲ ኻልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ሸውዓተ ጽምዲ ማለት ኣይኰነን። ኖህ ካብ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ሸውዓተ: ማለት ሰለስተ ጽምድን ደሓር መስዋእቲ ገይሩ ኬቕርቦ ዚኽእል ሻውዓይን እዩ ወሲዱ። (ዘፍጥረት 8:20)—15/3 ገጽ 31

• ክርስትያናት ንእምነት እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ሽማግለታት ‘ኺቋመቱ’ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ጳውሎስ ነቲ ሽማግለታት ብተኣማንነት ዚነብርዎ ናብራ መወዳእታ ዜፍርዮ ፍረ ‘ኽንቋመት’ ወይ ክንዕዘብ ከምኡውን ኣስኣሰር እምነቶም ክንስዕብ ዓዲሙና ኣሎ። (እብራውያን 13:7) ከምዚ እንገብረሉ ምኽንያት: ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንእዘዞም መምርሒ ስለ እተዋህበና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ንረብሓና ኸም ዚሓስቡ ስለ እንኣምን እዩ።—1/4 ገጽ 28

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ