ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/1 ገጽ 3
  • ንኣንበብትና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣንበብትና
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተገብረ ዜሐጕስ ለውጥታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ሓዳስ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/1 ገጽ 3

ንኣንበብትና

ካብዛ ሕታም እዚኣ ጀሚሩ: ኣብ ቅርጺ ግምቢ ዘብዐኛ ሓድሓደ ለውጥታት ከም ዚህሉ ኽንሕብረኩም ከለና ባህ ይብለና። ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ቕርጺ ፍልይ ዜብላ ነገራት ቅድሚ ምርኣይና ግን: ነቲ ኸም ዘለዎ ዚቕጽል ነገራት ክንገልጸልኩም።

እቲ መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ዚብል ስም ኣይኪቕየርን እዩ። ስለዚ: ግምቢ ዘብዐኛ ንየሆዋ ኸም ናይ ሓቂ ኣምላኽ መጠን ክብሪ ምሃባ ኸምኡውን ንኣንበብቲ በቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢላ ምጽንናዓ ኽትቅጽል እያ። እቲ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ኻብ ገጽ 5 ኽሳዕ 9 ዘሎ ዓንቀጻት: መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን መዓስ ከም እትመጽእን ዚገልጽ እዩ። ብዘይካዚ: ግምቢ ዘብዐኛ ኸምቲ ንብዙሕ ግዜያት እትገብሮ ዝነበረት: ኣብ የሱስ እምነት ከነሕድር ምትብባዕ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ምድጋፍ: ከምኡውን ንትርጕም ፍጻመታት ዓለም ብትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይራ ምግላጽ ክትቅጽል እያ።

ፍልይ ዝበለት ዚገብራ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ኣብታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 1 ዚብል ዕለት ሒዛ እትወጽእ ሕታም ዚህሉ ዜደንቕ ሓድሽ መዳያት እስከ ንርአ።a

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ: እተወሰነ ዜመራምር ዓንቀጻት ኪህሉ እዩ። እታ “ትፈልጥዶ፧” እትብል ዓንቀጽ: ገሊኡ እተመርጸ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ትርጕም ዜብርህ ሓበሬታ ኽትህብ እያ። እታ “ንኣምላኽ ቅረቦ” እትብል ዓንቀጽ: ነቲ ኻብ እተወሰነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኽንመሃሮ እንኽእል ትምህርቲ ኸተጕልሕ እያ። እታ “ሕቶታት ኣንበብትና” ዘርእስታ ዓንቀጽ ድማ: ነቲ ብብዝሒ ዚሕተት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት መልሲ ኽትህበሉ እያ። ንኣብነት: ብዙሓት ሰባት “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧” ኢሎም ይሓቱ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ገጽ 13 ክትረኽቦ ኢኻ።

ንስድራ ቤታት ኪጠቅም ተባሂሉ ወትሩ ዚወጽእ ዓንቀጻት እውን ኣሎ። እታ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ሳዕ እትወጽእ “መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ነቲ ኣብ ስድራ ቤት ዜጋጥም ጸገም ዚሕብር ናይ ሓቂ ፍጻመን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ነዚ ጸገማት ንምፍታሕ ብኸመይ ከም ዚሕግዝን ክትገልጽ እያ። እታ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኰይኖም ንኼንብብዋ እተዳለወት “ንደቅኻ ምሃሮም” እትብል ዓንቀጽ: ሓንቲ ወርሒ እናዘለለት ክትወጽእ እያ። እዛ ዓንቀጽ ኣብ ዘይትወጸሉ ሕታማት ድማ: ንመንእሰያት ተባሂሉ እተዳለወ ፕሮጀክትታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘት “ንመንእሰያትና” እትብል ዓንቀጽ ክትህሉ እያ።

ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ሳዕ ዚወጽእ ተወሳኺ ዓንቀጻት እውን ኪህሉ እዩ። እታ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” እትብል ዓንቀጽ: ኣስኣሰር እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ክንስዕብ ከተተባብዓና እያ። ንኣብነት: ካብ ገጽ 18 ክሳዕ 21 እዛ ሕታም እዚኣ: ብዛዕባ ኤልያስ ዚገልጽ ጸብጻብ ከምኡውን ኣስኣሰር እምነቱ ብኸመይ ክንስዕብ ከም እንኽእል ዜርኢ ትምህርቲ ኣሎ። እታ “ካብ . . . እተላእከት ደብዳበ” እትብል ዓንቀጽ: ነቲ ኻብ ሚስዮናውያንን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዚነብሩ ሰባትን እተላእከ ጸብጻባት ዝሓዘት እያ። እታ “ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልል ዝበለ መልክዑ ኸተቕርቦ እያ።

ግምቢ ዘብዐኛ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜኽብሩን እዚ መጽሓፍ እዚ እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጡ ዚደልዩን ሰባት ከም እትስሕቦም ርግጸኛታት ኢና። እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ንምፍላጥ ዘሎካ ጽምኢ ኸተርውየልካ ተስፋ ንገብር።

ሓተምቲ

[እግረ-ጽሑፍ]

a ካብ ሕጂ ንደሓር: ግምቢ ዘብዐኛ ኽልተ ሕታማት ኪህልዋ እዩ። እታ 1 ዚብል ዕለት ዘለዋ ሕታም: ንህዝቢ ተባሂላ እያ እትዳሎ። እታ 15 ዚብል ዕለት ዘለዋ ሕታም ድማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ንዅሉ ኽፉት ዝዀነ ኣኼባታት ጉባኤ ዚጥቀሙላ ሕታም መጽናዕቲ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ