ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/2 ገጽ 16-17
  • ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧
  • የሆዋ መን እዩ፧
  • ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ እዩ፧
  • ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
  • ብዛዕባ ኣምላኽ ክንመሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
  • ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ሓጐስ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/2 ገጽ 16-17

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ

ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧

የሱስ: ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ምሂሩ እዩ። “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” በለ። (ማቴዎስ 6:9) መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ: የሆዋ ምዃኑ ይነግረና እዩ። (መዝሙር 83:18 NW) የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ: “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” በለ።—ዮሃንስ 17:26

የሆዋ መን እዩ፧

የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ: የሱስ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 17:3) የሱስ: “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም” እውን በለ። (ማቴዎስ 19:4) ብተወሳኺ እውን “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ኢሉ ተዛረበ። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ: ንኣምላኽ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና።—ዘጸኣት 33:17-20

ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ እዩ፧

ሓደ ሰብኣይ ንየሱስ ካብ ኵለን ትእዛዛት እታ ዝዓየበት ኣየነይቲ ምዃና ምስ ሓተቶ: ንሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ:- “እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፤ እስራኤል: ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይቲ እትመስላ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ።”—ማርቆስ 12:28-31

ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

የሱስ: ‘ኣነ ነቦ አፍቅሮ’ በለ። የሱስ ንኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮ ብኸመይ እዩ ዘርኣየ። ‘ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ ኸምኣ እገብር’ በለ። (ዮሃንስ 14:31) የሱስ: ‘ኵሉ ሳዕ ኣቦኡ ባህ ዜብሎ’ ነገር ከም ዚገብር እውን ገሊጹ እዩ። (ዮሃንስ 8:29) ብዛዕባኡ ትምህርቲ ብምቕሳም ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺጽልየሎም ከሎ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:4

ብዛዕባ ኣምላኽ ክንመሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ እንመሃረሉ ሓደ መገዲ ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ነገራት ብምዕዛብ እዩ። ንኣብነት: የሱስ “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧” በለ። እንታይ እዩ ኺምህረና ደልዩ፧ ብዛዕባ እቲ ብስጋ ዜድልየና ነገር እነሕድሮ ጭንቀት: ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ንኸነቋርጽ ከነፍቅደሉ የብልናን።—ማቴዎስ 6:26-33

እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንመሃረሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ: ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እዩ። የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት: “ቃል ኣምላኽ” ኢሉ ጸውዖ። (ሉቃስ 8:21) የሱስ ንኣምላኽ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” በሎ።—ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21

የሱስ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪመሃሩ ይሕግዞም ነበረ። ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ የሱስ ኣመልኪቱ: “እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” በለ። (ሉቃስ 24:32) ብዛዕባ ኣምላኽ ክንመሃር እንተ ዄንና: ትሑታትን ንኽንመሃር ፍቓደኛታትን ክንከውን ይግባኣና። የሱስ: “እንተ ዘይተመለስኩም: ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትአትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማቴዎስ 18:3

ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ሓጐስ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧

ዕላማ ህይወት እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ንደሊ ኢና: ኣምላኽ እውን ነዚ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW) የሆዋ ንህይወትና ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኽንመርሕ ከም እንኽእል ይምህረና እዩ። የሱስ: “ብጹኣንሲ [ወይ ሕጉሳትሲ] እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም” በለ።—ሉቃስ 11:28፣ ኢሳይያስ 11:9

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 1 ርአ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

“ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” —ዮሃንስ 17:26

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ፍጥረትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ የሆዋ ኽንመሃር ንኽእል ኢና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ