ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/10 ገጽ 16-17
  • ቀኒእካዶ ትፈልጥ፧ ኣሕዋት ዮሴፍ ቀኒኦም እዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀኒእካዶ ትፈልጥ፧ ኣሕዋት ዮሴፍ ቀኒኦም እዮም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮሴፍ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • “ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • የሆዋ ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/10 ገጽ 16-17

ንደቅኻ ምሃሮም

ቀኒእካዶ ትፈልጥ፧ ኣሕዋት ዮሴፍ ቀኒኦም እዮም

ቀናእ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ እስከ ንመያየጥ። ነቲ ኻልኦት ሰባት ጥዑይ፡ መልክዐኛ፡ ንፉዕ ዚብልዎ ሰብ ምፍታው ከቢዱካዶ ይፈልጥ፧a— ብኻልእ ሰብ ትቐንእ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ከምዚ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ።

ወለዲ ንሓደ ውሉዶም ካብቲ ኻልእ ኣብሊጾም ዚርእይዎ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት እውን ቅንኢ ኺፍጠር ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅንኢ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ብዛዕባ ዘስዓቦ ዓብዪ ጸገም ይነግረና። እዚ ቕንኢ እዚ፡ ናበይ ገጹ ኸም ዝመርሐ፡ ንሕና ድማ ካብቲ ዘጋጠመ ዅነታት እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ዮሴፍ መበል 11 ወዲ ያእቆብ እዩ ነይሩ፡ እቶም ብኣደ ኣሕዋቱ ዝዀኑ ድማ ብእኡ ቐንኡ። ስለምንታይ ከም ዝቐንኡ ትፈልጥዶ፧— ኣቦኦም ያእቆብ ካብ ኵሎም ኣብሊጹ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ እዩ። ንኣብነት፡ ያእቆብ ጽቡቕ ክዳን ንዮሴፍ ገበረሉ። ዮሴፍ፡ “ወዲ እርግናኡ” ኸምኡውን ናይ መጀመርያ ውላድ እታ ዚፈትዋ ሰበይቱ ራሄል ስለ ዝነበረ፡ ያእቆብ ኣዝዩ ይፈትዎ ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ፡ “ኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኸም ዝፈተዎ ርእዮም፡ ጸልእዎ” ይብለና። ድሕሪኡ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ዮሴፍ ኵሎም ኣሕዋቱን ኣቦኡን ኪሰግዱሉ ኸለዉ ብሕልሚ ኸም ዝረኣየ ንስድራ ቤቱ ነገሮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣሕዋቱ ኸኣ ቀንእሉ” ይብለና፡ ወረግ ኣቦኡስ ከምዚ ዓይነት ሕልሚ ብምሕላሙ ገኒሕዎ እዩ።—ዘፍጥረት 37:1-11

ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ዮሴፍ ወዲ 17 ዓመት ከሎ፡ እቶም ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ስድራ ቤቶም ኪጓስዩ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ኣርሒቖም ከይዶም ነበሩ። ስለዚ፡ ያእቆብ ሃለዋቶም ምእንቲ ኺፈልጥ ንዮሴፍ ለኣኾ። መብዛሕትኦም ኪመጽእ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ እንታይ ኪገብርዎ ኸም ዚደለዩ ትፈልጥዶ፧— ኪቐትልዎ ደለዩ! ሮቤልን ይሁዳን ዚበሃሉ ኽልተ ኣሕዋቱ ግን፡ ኪቕተል ኣይደለዩን።

ይሁዳ፡ ነጋዶ ናብ ግብጺ ኪኸዱ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ “ንሽጦ” በለ። ንሳቶም ድማ ሸጥዎ። ጤል ሓሪዶም ከኣ ንኽዳን ዮሴፍ ኣብ ደም ኣጥለቕዎ። ድሕሪኡ፡ እቲ ኽዳን ንኣቦኦም ምስ ኣርኣይዎ፡ ‘ንዮሴፍ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ’ በለ።—ዘፍጥረት 37:12-36

ድሕሪ ግዜ፡ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛኢ ግብጺ ዝነበረ ፈርኦን ሞገስ ረኸበ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ነቲ ፈርኦን ዝሓለሞ ኽልተ ሕልምታት ኪትርጕም ስለ ዝኸኣለ እዩ። ኣብቲ ፈርኦን ዝሓለሞ ናይ መጀመርታ ሕልሚ፡ ፈለማ ሸውዓተ ስቡሓት ኣሓ፡ ደድሕሪአን ድማ ሸውዓተ ዓባሩ ኣሓ ረኣየ። ኣብቲ ኻልኣይ ሕልሙ ድማ፡ ሸውዓተ ጽቡቓት ሰዊት፡ ደሓር ከኣ ሸውዓተ ቐጠንቲ ሰዊት ረኣየ። ክልቲኡ ሕልምታት፡ ነተን ጽቡቕ ምህርቲ ዚህልወለን ሸውዓተ ዓመት ስዒቡ፡ ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ከም ዚኸውን ዜመልክት ምዃኑ ዮሴፍ ተዛረበ። ካብተን ጽጋብ ዝመልአን ዓመታት፡ ነቲ እዋን ጥሜት ዚኸውን እኽሊ ኺእክብ ድማ ካብ ፈርኦን ሓላፍነት ተቐበለ።

ጥሜት ምስ ኰነ፡ እቶም ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቖም ዚነብሩ ዝነበሩ ስድራ ቤት ዮሴፍ እኽሊ ኣድለዮም። ያእቆብ ድማ ነቶም ዓበይቲ ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ምግቢ ንኼምጽኡ ናብ ግብጺ ለኣኾም። ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ እኳ እንተ ቐረቡ፡ ከለልይዎ ግን ኣይከኣሉን። ዮሴፍ መንነቱ ኸይገለጸ ንኣሕዋቱ ፈተኖም፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዕኡ ሕማቕ ብምግባሮም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓዘኑ ፈለጠ። ድሕሪኡ መንነቱ ነገሮም። ሽዑ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ብታሕጓስ ተሓቓቒፎም ኪዀኑ ዚኽእሉ!—ዘፍጥረት ምዕራፍ 40 ኽሳዕ 45

ካብዚ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብዛዕባ ቕንኢ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧— ቅንኢ፡ ሓደ ሰብ ንገዛእ ሓዉ ኽሳዕ ዚጐድእ ኪገብሮ ናብ ዚኽእል ከቢድ ጸገም ኬብጽሖ ይኽእል እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 5:17, 18 ከምኡውን ግብሪ ሃዋርያት 7:54-59 እሞ ነንብብ፡ ሰባት ብቕንኢ ተደሪኾም ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ከም ዝገበርዎም ከኣ ንርአ።— ነዚ ድሕሪ ምንባብካ፡ ስለምንታይ ቀናኣት ክንከውን ከም ዘይብልና ኽትፈልጥ ኪእልካዶ፧—

ዮሴፍ 110 ዓመት ብህይወት ጸንሐ። ውሉዳት ነበርዎ፡ ንሳቶም ንደቂ ደቁ ወለድዎም፡ ደቂ ደቁ ዝወለድዎም ውሉዳትን እውን ረኣየ። ዮሴፍ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ቅንኢ ኼወግዱን ብዙሕ ግዜ ኸም ዝመሃሮም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዘፍጥረት 50:22, 23, 26

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

  • ❍ ቀናእ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

  • ❍ ቅንኢ ንኣሕዋት ዮሴፍ እንታይ ንኺገብሩ እዩ ደሪኽዎም፧

  • ❍ ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ይቕረ ዝበለሎም ስለምንታይ እዩ፧

  • ❍ ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ