ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/10 ገጽ 26
  • ኣብ ሓርቢ ዘሎ ንብዓት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ሓርቢ ዘሎ ንብዓት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቈርበት ተመን
    ንቕሑ!—2014
  • የሆዋ ን“ጸጕሪ ርእስኹም” እኳ ቘጺርወን እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ዜደንቕ ምስጢር ንብዓትካ
    ንቕሑ!—2014
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/10 ገጽ 26

ኣብ ሓርቢ ዘሎ ንብዓት

እቲ መንእሰይ ይሃድም ነበረ። ብጭንቂ ተዋሒጡን ኣዒንቱ ንብዓት ቅጽርጽር እናበሎን ነቲ ሕያዋይን ደንጋጽን የሆዋ ኣምላኹ፡ “ንንብዓተይ ኣብ ጭልፋኻ [“ሓርብኻ፡” NW] ኣክቦ” ኢሉ ለመኖ። (መዝሙር 56:8 ትርጕም 1990) እዚ መንእሰይ እዚ፡ እቲ ጸኒሑ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ ዳዊት እዩ። እቲ ኣብዚ ጠቒስዎ ዘሎ ሓርቢ ግን እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣምላኽከ ንንብዓትና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓርቢ ዚእክቦ ብኸመይ እዩ፧

ዳዊት ብዛዕባ ሓርቢ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከም መትሓዚ ማይ፡ ዘይቲ፡ ወይኒ፡ ወይ ጠስሚ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ሎሚ እውን ከም ትዋረግ ዝኣመሰሉ ኣብ ሰሃራ ዚርከቡ ዘላን፡ ካብ ቈርበት ጤል ወይ በጊዕ እተሰርሐ ሓርቢ ይጥቀሙ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሕርብቲ ኸከም ግዝፊ ቘርበት እቲ እንስሳ ብዙሕ ማይ ኪሕዝ ይኽእል እዩ። ሓርቢ፡ ሓያል ሃሩር ኣብ ዘለዎ ምድረ በዳ እውን ከይተረፈ፡ ማይ ዝሑል ኰይኑ ኸም ዚጸንሕ ይገብር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ኣብ ኣድግን ገመልን ገይሮም የጐዓዕዝዎ ነበሩ። ሎሚ እውን፡ ኣብ ቅድሚት እተን ኣብ ዘይጥጡሕ ቦታ ኺጐዓዛ ዚኽእላ ገሊአን ማካይን ኪርአ ይከኣል እዩ።

እቲ ዳዊት ብዛዕባ ሓርቢ እተዛረቦ ልቢ ዚትንክፍ ቃላት ንዓና እውን ትርጕም ኣለዎ። ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ሰይጣን ተቘጻጺርዋ ኸም ዘሎን “ብብርቱዕ ቍጥዓ” ኸም ዝወረደን ይገልጽ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንምድሪ ብርቱዕ ወዮ የጋጥማ ኣሎ። (ራእይ 12:12) ስለዚ ድማ እዩ እቶም ከም ዳዊት ዝኣመሰሉ ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚጽዕሩ ሰባት፡ ስምዒታዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ወይ ኣካላዊ ጸገማት ዜጋጥሞም። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ጸገም የጋጥመካ ድዩ፧ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት፡ ብትብዓት፡ ዋላ እውን “ብብኽያት” ንጽህናኦም ሓልዮም ካብ ምንባር ፈጺሞም ድሕር ኣይብሉን። (መዝሙር 126:6) ሰማያዊ ኣቦኦም ነቲ ዜጋጥሞም ፈተናታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ፈተናታት ዜሕድሮ ስምዒታዊ ጽልዋ እውን ከም ዜስተውዕሎ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብሓቂ ነቲ ኣገልገልቱ ዜጋጥሞም ስቓይ ይርድኦን ንመከራኦምን ንንብዓቶምን ብድንጋጽ ይዝክሮን፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንንብዓቶም ኣብ ሓርቡ ይእክቦ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ