ሕቶታት ኣንበብትና
እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ገነት ኣበይ ትርከብ፧
▪ የሱስ ንሓደ ኣብ ኣጋ ሞቱ ኣብኡ ዘለዎ እምነት ብትብዓት ዝገለጸ ሰብኣይ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ ተመባጽዓሉ። (ሉቃስ 23:43) የሱስ፡ እቲ ሰብኣይ ኣበይ ከም ዚኸውን እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ገነት ኣበይ እያ እትርከብ፧ ኣብ ሰማይ፧ ኣብ ምድሪ፧ ወይስ ሰባት ንፍርዲ ኣብ ዚጽበዩሉ ኻልእ ቦታ፧
እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣብ ገነት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን ኣቐመጦ” ኢሉ ይነግረና።—ዘፍጥረት 2:8, 15።
ከምቲ ሰብ ሓዳር ምስ ሰደሩ ቤቶም ዜግፍሑ፡ ደቂ ሰብ እናበዝሑ ኣብ ዚኸዱሉ እዋን እውን፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ነታ ገነት ካብ ኤድን ወጻኢ ኼስፍሕዋ ትጽቢት ይግበረሎም ነይሩ እዩ። ኣምላኽ፡ “ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ኢልዎም ነይሩ እዩ።—ዘፍጥረት 1:28።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፈጣሪና ዝነበሮ ዕላማ፡ ደቂ ሰብ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ እትርከብ ዝነበረት ገነት ኪነብሩን ውሉዳት ኪወልዱን እዩ ነይሩ። ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ሓሲቡ ነይሩ፣ መቓብር እውን ኣይመድለዮምን። ምድሪ ንዅሎም ደቂ ሰብ ቀዋሚት መንበሪት ክትከውን እዩ ተወጢኑ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እቲ ኣብ ፕላነትና እንርእዮ ተፈጥሮ ብዙሕ ባህ ዚብለና። ኣብ ውቅብቲ ምድሪ ኽንነብር ኢና ተፈጢርና።
ዕላማ ኣምላኽ ተቐዪሩ ድዩ፧ ኣይተቐየረን። የሆዋ፡ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ . . . እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ። (ኢሳይያስ 55:11) ካብቲ ሰብ እተፈጥረሉ ልዕሊ 3,000 ዓመት ጸኒሑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን” ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” በለ። (ኢሳይያስ 45:18) ፍቓድ ኣምላኽ ኣይተቐየረን። ምድሪ ገነት ክትከውን እያ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ገነት ዚገልጽ ሓሳባት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ህይወት እዩ ብተደጋጋሚ ዚገልጽ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ፡ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 65:21) ኣባይቲ ኣበይ እዩ ዚስራሕ፧ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣበይ እዩ ዚትከል፧ ፍረታትከ ኣበይ እዩ ዚብላዕ፧ ኣብ ምድሪ። ምሳሌ 2:21፡ “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ” ኢላ ብንጹር ትገልጽ እያ።
የሱስ እውን ብዛዕባ ምድራዊት ገነት ተዛሪቡ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ብዛዕባ ሰማያዊት ገነት እውን ተስፋ ሂቡ እዩ፣ እቲ ተስፋ እቲ ግን ንሒደት ሕሩያት ሰባት እዩ። (ሉቃስ 12:32) ንሳቶም ምስ ሞቱ፡ ናብ ሰማያዊት ገነት ኪትንስኡን ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ኣብ ልዕሊ ምድራዊት ገነት ኪገዝኡን እዮም። (ራእይ 5:10፣ 14:1-3) እቶም ሰማያውያን ገዛእቲ እቲኣቶም፡ እታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ብግቡእ ከም እትመሓደርን ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት ክንክን ከም ዚግበረላን ኪከታተሉ እዮም።
የሱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ፍቓድ ከምዚ ኣቐዲሙ እተገልጸ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ገነት ኤድን ክትፍጠር ከላ እውን፡ ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦኡ ነይሩ እዩ። ኵሎም እቶም ሎሚ እምነት ዜርእዩ ሰባት፡ ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት፡ ህይወት ኪረኽቡ እዮም። (ዮሃንስ 3:16) እቲ የሱስ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እውን ይምልከቶም እዩ።—ሉቃስ 23:43።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© FORGET Patrick/SAGAPHOTO.COM/Alamy