ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/6 ገጽ 4-6
  • ድኽነት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድኽነት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዅሉ የሀብትም ተባሂሉ ዚሕሰብ ክልሰ ሓሳብ
  • መደብ ማርሻል ንድኽነት ኬጥፍኦ ኽኢሉዶ፧
  • ረድኤት ወጻኢ ዝፈሸለሉ ምኽንያት
  • ጠንቂ ድኽነት
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንድኻታት ዚኸውን ብስራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ድኽነት
    ንቕሑ!—2015
  • ንድኽነት ነባሪ ፍታሕ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/6 ገጽ 4-6

ድኽነት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ

ሃብታማት ካብ ድኽነት ተገላጊሎም እዮም። ንዅሎም ደቂ ሰብ ካብ ድኽነት ናጻ ንምግባር ዚግበር ጻዕርታት ግን፡ ኵሉ ሳዕ እዩ ዚፈሽል። ስለምንታይ፧ ሃብታማት ብሓፈሻኡ፡ ሃብቶም ወይ ክብሮም ኪትንከፎም ስለ ዘይደልዩ እዩ። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን፡ “እንሆ ኸኣ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ” ኢሉ ጸሓፈ።​—መክብብ 4:1።

ተሰማዕነትን ሓይልን ዘለዎም ሰባት ንሕብረተሰብ ብምቕያር፡ ድኽነት ኬጥፍኡ ይኽእሉዶ፧ ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “እንሆ ኸኣ፡ ኵሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ። ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 1:14, 15) ድኽነት ንምጥፋእ እተገብረ ዘመናዊ ጻዕርታት፡ ነዚ ብዚግባእ እዩ ዜብርሆ።

ንዅሉ የሀብትም ተባሂሉ ዚሕሰብ ክልሰ ሓሳብ

ኣብ መበል 19 ዘመን፡ ሒደት ሃገራት ብንግድን ብኢንዱስትርን ኣቢለን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ይድልባ ኣብ ዝነበራሉ እዋን፡ ገሊኦም ተሰማዕነት ዘለዎም ሰባት ንጕዳይ ድኽነት ኣርዚኖም ኪርእይዎ ጀመሩ። ጸጋታት ምድሪ ንዅሉ ሰብ ብማዕረ ኺበጽሖ ይኽእል ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ብሶሻሊዝምን (ማሕበርነት) ብኮምዩኒዝምን (ዴስነት) ኣቢልካ፡ ሃብቲ ብማዕረ ዚከፋፈለሉን ደርባዊ ኣፈላላይ ዘይብሉን ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ኪፍጠር ከም ዚኽእል ይሓስቡ ነበሩ። ልክዕ እዩ፡ ሃብታማት ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይፈተውዎን። ኰይኑ ግን፡ እቲ፡ “ኵሉ ኸከም ክእለቱ የበርክት፡ ኵሉ ኸኣ ከከም ዜድልዮ ይጠቐም” ዚብል ጭርሖ፡ ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ ነበረ። ብዙሓት ሰባት፡ መላእ ዓለም ብሩህ መጻኢ ምእንቲ ኺህልዋ፡ ኵለን ሃገራት ንሶሻሊዝም ኪቕበላኦ ተጸብዮም ነበሩ። ሒደት ሃብታማት ሃገራት ንእተወሰነ መዳይ ሶሻሊዝም ተቐቢለን፡ ንዅሎም ዜጋታት “ተወሊዶም ክሳዕ ዝሞቱ” ዚኣልያ መንግስትታት መስረታ። ነቲ ንህይወት ዜጋታተን ዜስግእ ድኽነት ከም ዘወገዳኦ ገይረን ከኣ ተዛረባ።

ይኹን እምበር፡ ሶሻሊዝም፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ዘየተኵር ሕብረተሰብ ኪፈጥር ኣይከኣለን። ዜጋታት ካብ ንጥቕሞም፡ ንጥቕሚ ማሕበረሰብ ኪሰርሑ ተዓሊሙ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ግን ሕልሚ ዀይኑ ተረፈ። ገሊኦም ሰባት፡ ረድኤት ንድኻታት መሊሱ ዜስንፎም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ኪህቡ ኣይደለዩን። እዚ ኸኣ ንሓቅነት እተን ከምዚ ዚስዕብ ዚብላ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጽ እዩ፦ “ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን። እንሆ፡ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፡ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።”​—መክብብ 7:20, 29።

ካልእ ተስፋ እተገብረሉ ኸኣ፡ ዘ ኣመሪካን ድሪም (ሕልሚ ኣመሪካ) ዚበሃል እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣበርቲዑ ኺሰርሕ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ሃብታም ኪዀነሉ ብዛዕባ ዚኽእል ቦታ ዚገልጽ ሕልሚ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ብዙሓት ሃገራት፡ ነቲ ንሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሃብታም ከም ዝገበራ ዚሕሰብ ፖሊሲታት፡ ማለት ንዲሞክራስን ንናጻ ዋኒንን ንናጻ ንግድን ተቐቢለናኦ እየን። ኰይኑ ግን፡ ሃብቲ ሰሜን ኣመሪካ ብቐንዱ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ስርዓት ዝመጸ ስለ ዘይኰነ፡ ኵለን ሃገራት ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ሕልሚ ኺደግማኦ ኣይክእላን እየን። ሰሜን ኣመሪካ ብቐንዱ ኽትህብትም ዝኸኣለት፡ ማእለያ ዘይብሉ ባህርያዊ ጸጋታት ስለ ዘለዋን ምስ ዓለምለኻዊ መስመር ንግዲ ብቐሊሉ ኽትራኸብ ብምኽኣላን እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ውድድር ዝበዝሖ ቚጠባዊ ስርዓት ዓለም፡ ከሰብቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከሰርቲ እውን የፍሪ እዩ። እሞኸ እተን ሃብታማት ሃገራት ነተን ድኻታት ንኺሕግዛአን ይተባብዓ ደዀን ይዀና፧

መደብ ማርሻል ንድኽነት ኬጥፍኦ ኽኢሉዶ፧

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኤውሮጳ ዓንያ ነበረት፣ ሓያሎ ተቐማጦኣ ኸኣ ብጥሜት ተጠቒዖም ነበሩ። ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኮምዩኒዝም ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሮ ህቡብነት ኣተሓሳሲብዋ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነተን ንፖሊሲታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተቐበላ ሃገራት፡ ኣብ ኢንዱስትርን ኣብ ሕርሻን ንዘጋጠመን ዕንወት ንምሕዋይ፡ ንኣርባዕተ ዓመት ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ሃበተን። እቲ መደብ ምሕዋይ ኤውሮጳ ተባሂሉ ዚፍለጥ መደብ ማርሻል፡ ዕዉት ከም ዝነበረ ጌርካ እዩ ተራእዩ። ሳላ እዚ መደብ እዚ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ዝነበራ ጽልዋ ወሰኸ፡ ንህይወት ዜስግእ ድኽነት ከኣ ኣዝዩ ነከየ። ዓለምለኻዊ ድኽነት ግን በዚ ኸምዚ ድዩ ዚጠፍእ፧

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ መደብ ማርሻል ከም እተዓወተ ምስ ረኣየት፡ ንድኻታት ሃገራት ኣብ ሕርሻን ክንክን ጥዕናን ትምህርትን መጐዓዝያን ክትሕግዘን ጀመረት። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ባዕላ ብንጹር ዝገለጸቶ፡ ንጥቕማ ኢላ እያ ኸምኡ እትገብር። ካልኦት ሃገራት እውን፡ ረድኤት ብምሃብ፡ ጽልዋ ኼሕድራ ፈቲነን እየን። ኰይኑ ግን፡ ስሳ ዓመት ጸኒሑ፡ መደብ ማርሻል ንምትግባር ኣብ ጥቕሚ ኻብ ዝወዓለ ገንዘብ ንላዕሊ ምስ ወጸ እተረኽበ ውጽኢት፡ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ቀደም ድኻታት ዝነበራ፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ምብራቕ እስያ ዚርከባ ሃገራት ብዜደንቕ መገዲ ሃብቲመን እየን። ዋላ እኳ ረድኤት ወጻኢ ንሒደት ሕጻናት ካብ ሞት እንተ ኣድሓነ፡ ንብዙሓት ከኣ ዕድል ትምህርቲ እንተ ኸፈተ፡ ገና ግን ኣብ ክቱር ድኽነት ዚርከባ ሓያሎ ሃገራት ኣለዋ።

ረድኤት ወጻኢ ዝፈሸለሉ ምኽንያት

ንሃብታማት ሃገራት ድሕሪ ውግእ ካብ ምህናጸን ንላዕሊ፡ ንድኻታት ሃገራት ካብ ድኽነት ኪወጻ ምሕጋዝ ይኸብድ። ኤውሮጳ ድሮ ኢንዱስትርን ንግድን መጐዓዝያን ነይርዋ እዩ። ቍጠባኣ ጥራይ እዩ ኺሓዊ ነይርዎ። ድኻታት ሃገራት ሳላ ረድኤት ወጻኢ፡ መገድታትን ኣብያተ ትምህርትን ክሊኒካትን እኳ እንተ ተሰርሓለን፡ ተቐማጦአን ግን ስራሕ ስለ ዚስእኑ፡ ባህርያዊ ጸጋታት ስለ ዘይብሎም፡ ከምኡውን መስመር ንግዲ ስለ ዘይረኽቡ፡ ብኽቱር ድኽነት ይሳቐዩ እዮም።

ጠንቂ ድኽነትን ሳዕቤኑን፡ እተሓላለኸን ብቐሊሉ ዘይፍታሕን እዩ። ንኣብነት፡ ብሰንኪ ሕማም፡ ድኽነት ይመጽእ፣ ብሰንኪ ድኽነት ከኣ ሕማም ይመጽእ እዩ። እተመጣጠነ ምግቢ ዘይረኽቡ ሕጻናት፡ ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ስለ ዚደኽሙ፡ ወለዲ ምስ ኰኑ ንደቆም ኪኣልዩ ኣይክእሉን እዮም። ብዘይካዚ፡ ሃብታማት ሃገራት ንዝተረፈን ምግቢ ብመልክዕ “ረድኤት” ናብ ድኻታት ሃገራት ኪልእካኦ ኸለዋ፡ ሓረስቶትን ሸቀጥትን ስራሕ እዮም ዚስእኑ፣ እዚ ኸኣ ናብ ዝገደደ ድኽነት እዩ ዚመርሕ። ናብ ድኻታት ሃገራት ገንዘብ ምልኣኽ፡ ካልእ ጸገም እውን ይፈጥር እዩ፣ ረድኤት ብቐሊሉ ኺስረቕ ስለ ዚኽእል፡ ናብ ብልሽውና እዩ ዚመርሕ፣ ብልሽውና ኸኣ ናብ ዝገደደ ድኽነት እዩ ዚመርሕ። እምበኣር፡ ረድኤት ወጻኢ ንመሰረታዊ ጠንቂ ድኽነት ስለ ዘይፈትሖ፡ ድኽነት ኬጥፍእ ኣይክእልን እዩ።

ጠንቂ ድኽነት

ክቱር ድኽነት ዜጋጥም፡ ሃገራትን መንግስትታትን ውልቀ-ሰባትን ደድሕሪ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ኪጐዩ ኸለዉ እዩ። ንኣብነት፡ ሰበ-ስልጣን ሃብታማት ሃገራት ብዲሞክራስያዊ መገዲ ስለ ዚምረጹን ንደገፍቶም ኬሐጕሱ ስለ ዘለዎምን፡ ንምጥፋእ ድኽነት ኣርዚኖም ኣይርእይዎን እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዘለዉ ሓረስቶት ስራሕ ምእንቲ ኸይስእኑ፡ ኣብ ድኻታት ሃገራት ንዘለዉ ሓረስቶት፡ ምህርቶም ኣብ ሃብታማት ሃገራት ንኸይሸጡ ይኽልክልዎም። ብዘይካዚ፡ መራሕቲ ሃብታማት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ዓዶም ዘለዉ ሓረስቶት ካብቶም ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘለዉ ሓረስቶት ንላዕሊ ምእንቲ ኺሸጡ፡ ብብዙሕ መጠን ይድጕምዎም እዮም።

ብንጹር እምበኣር፡ ጠንቂ ድኽነት፡ ሰባትን መንግስትታትን ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩ ምዃኖም እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሰሎሞን፡ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ።​—መክብብ 8:9።

እሞኸ ድኽነት ይጠፍእ ደዀን ይኸውን፧ ንባህርይ ደቂ ሰብ ክትቅይር እትኽእል መንግስቲ ኣላ ድያ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ንድኽነት ክትዋጽኣሉ ዜኽእል ሕጊ

የሆዋ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ካብ ድኽነት ኬዕቍቦም ዚኽእል ሕጊ ሂብዎም ነበረ፣ ኰይኑ ግን፡ ኪእዘዝዎ ነበሮም። ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ፡ ብዘይካ እቶም ካህናት ዝነበሩ ነገድ ሌዊ፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ርስቲ ነበራ። ርስቲ እታ ስድራ ቤት ንሓዋሩ ኺሽየጥ ስለ ዘይከኣል፡ ዜተኣማምን ነበረ። ኣብ መበል 50 ዓመት፡ ኵሉ መሬት ናብ ናይ ቀደም ዋናኡ ይምለስ ነበረ። (ዘሌዋውያን 25:10, 23) ሓደ እስራኤላዊ ብምኽንያት ሕማም፡ ሓደጋ፡ ወይ ትህኪት፡ መሬቱ ኺሸይጥ እንተ ተገዲዱ፡ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመት ብዘይ ክፍሊት ኪምለሰሉ ነበሮ። በዚ ኸምዚ፡ ዝዀነት ትኹን ስድራ ቤት ኣብ ድኽነት ኣይትወድቕን ነበረት።

ኣብቲ ሕጊ፡ ሓደ ጸገም ዘጋጠሞ እስራኤላዊ ንርእሱ ናብ ባርነት ኣሕሊፉ ኺሸይጥ ዚፈቅድ፡ ምሕረት ዝመልኦ መሰናድዎ ነበረ። እቲ እስራኤላዊ፡ ዕዳኡ ምእንቲ ኪኸፍል፡ ነቲ እተሸጠሉ ዋጋ ኣቐዲሙ ይቕበል ነበረ። በታ ሻብዐይቲ ዓመት ንርእሱ እንተ ዘይተበጅይዋ፡ ሓራ ኺወጽእ ነበሮ፣ እንደገና ሕርሻ ንኺጅምር ዜድልዮ ዘርእን ማልን ድማ ኪወሃቦ ነበሮ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ድኻ እስራኤላዊ ገንዘብ ኪልቃሕ እንተ ተገዲዱ፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ እስራኤላውያን ብጾቱ ብዘይ ሓረጣ ኼለቅሕዎ ነበሮም። እቲ ሕጊ፡ ድኻታት ምእንቲ ኪቕርሙ፡ ወሰን ግራት ከይዕጸድ እውን ይእዝዝ ነበረ። እምበኣር፡ ዝዀነ ይኹን እስራኤላዊ ኺልምን ኣየድልዮን እዩ ነይሩ።​—ዘዳግም 15:1-14፣ ዘሌዋውያን 23:22።

ይኹን እምበር፡ ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ ገሊኦም እስራኤላውያን ኣብ ድኽነት ወዲቖም እዮም። ስለምንታይ፧ ንሕግታት የሆዋ ስለ ዘይተኣዘዝዎ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚርአ፡ ገሊኦም ሰባት ሃብታማት ወነንቲ መሬት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ድማ መሬት ዘይብሎም ድኻታት ኰኑ። እስራኤላውያን ኣብ ድኽነት ኪወድቁ ዝኸኣሉ፡ ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ንሕጊ ኣምላኽ ዕሽሽ ስለ ዝበልዎን ካብ ጥቕሚ ኻልኦት ንላዕሊ ንጥቕሚ ርእሶም ስለ ዘቐደሙን እዩ።​—ማቴዎስ 22:37-40።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ