ንደቅኻ ምሃሮም
እተገለልካ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧
እተገለለ ዚበሃል ሰብ፡ ካልኦት ኣብ ጕጅለኦም ዘየእትውዎ ሰብ እዩ። ብሕብሪ ቘርበቱ፡ ብዜግነቱ፡ ብኣዘራርባኡ፡ ወይ ብተግባራቱ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻኸ እተገለልካ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧—a
ከምኡ ብዛዕባ እተሰምዖ ሰብኣይ እስከ ንዘራረብ። ስሙ መፊቦሸት ይበሃል። መን ከም ዝነበረን ስለምንታይ ከምኡ ከም እተሰምዖን እስከ ንርአ። እተገለልካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብ መፊቦሸት ብዙሕ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።
መፊቦሸት ወዲ ዮናታን እዩ ነይሩ፣ ዮናታን ከኣ ናይ ቀረባ ዓርኪ ዳዊት እዩ ነይሩ። ዮናታን ኣብ ውግእ ቅድሚ ሙማቱ፡ ንዳዊት፡ ‘ንደቀይ ሓደራኻ’ ኢልዎ ነበረ። ዳዊት ንጉስ ኰነ። ድሕሪ ዓመታት ከኣ ቃል ዮናታን ዘከረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ መፊቦሸት ብህይወት ነበረ። ንሱ ቘልዓ ኸሎ፡ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጠሞ። ድሕርዚ፡ ኣብ ምሉእ ህይወቱ፡ ብእግሩ ኪኸይድ ኣይከኣለን። ስለምንታይ እተገለለ ዀይኑ ይስምዖ ኸም ዝነበረስ ተረዲኡካዶ፧—
ዳዊት ንወዲ ዮናታን ጽቡቕ ኪገብረሉ ደለየ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንመፊቦሸት ኣብ ጥቓኡ፡ ኣብ የሩሳሌም ከም ዚነብር ገበሮ፣ ወትሩ ድማ ኣብ መኣዱ ኸም ዚቕመጥ ገበረ። ጺባ ዚበሃል ሰብኣይን ደቁን ኣገልገልቱን፡ ንመፊቦሸት ኬገልግልዎ ተመደቡ። ዳዊት ንወዲ ዮናታን ብሓቂ እዩ ኣኽቢርዎ። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመስ ትፈልጥዶ፧—
ዳዊት ኣብ ቤቱ ጸገማት ኣጋጠሞ። ኣቤሴሎም ዚበሃል ወዱ፡ ኣንጻሩ ተላዒሉ፡ ንጉስ ኪኸውን ፈተነ። ዳዊት፡ ህይወቱ ንምድሓን ኪሃድም ነበሮ። ብዙሓት ምስ ዳዊት ኪኸዱ ኸለዉ፡ መፊቦሸት እውን ምስኡ ኪኸይድ ደለየ። እቶም ፈተውቲ ዳዊት፡ ንሱ ጥራይ ሕጋዊ ንጉስ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። መፊቦሸት ብእግሩ ኪኸይድ ይኽእል ስለ ዘይነበረ ግን፡ ምስኡ ኪኸይድ ኣይከኣለን።
ሽዑ ጺባ ንዳዊት፡ መፊቦሸት ንጉስ ኪኸውን ስለ ዝደለየ፡ ከም ዘይመጸ ነገሮ። ዳዊት ነቲ እተነግሮ ሓሶት ኣመኖ። ስለዚ፡ ንጺባ፡ ኵሉ ንብረት መፊቦሸት ሃቦ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዳዊት ኣብቲ ምስ ኣቤሴሎም ዝገበሮ ውግእ ተዓዊቱ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። ሽዑ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገራት፡ ካብ መፊቦሸት ሰምዐ። መፊቦሸትን ጺባን ነቲ ንብረት ኪማቐልዎ ድማ ወሰነ። ድሕሪኡ፡ መፊቦሸት እንታይ ዝገበረ ይመስለካ፧—
በቲ ዳዊት ዝገበሮ ውሳነ ተበዲለ ኢሉ ኣየማረረን። እቲ ንጉስ ስራሑ ብግቡእ ንኺሰርሕ፡ ሰላም ከም ዜድልዮ፡ መፊቦሸት ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ጺባ ንዅሉ እቲ ንብረት ኪወስዶ ኸም ዚኽእል ተዛረበ። ንመፊቦሸት ዜገድሶ ዝነበረ ነገር፡ እቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ ዳዊት፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሱ ንጉስ ምዃኑ እዩ ነይሩ።
መፊቦሸት ብዙሕ እዩ ተሳቕዩ። ብዙሕ ግዜ፡ ከም እተገለለ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ። የሆዋ ግን ንመፊቦሸት የፍቅሮን ይከናኸኖን ነበረ። ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧— ዋላ እውን ቅኑዕ ዘበለ እናገበርና፡ ገሊኦም ብዛዕባና ሓሶት ይዛረቡ ይዀኑ። የሱስ፡ “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ” ኢሉ እዩ። ገሊኦም ሰባት ሕሉፍ ሓሊፎም ንየሱስ ቀቲሎምዎ እዮም! ቅኑዕ ዘበለ ንገብር እንተ ዄንና፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ወዱ የሱስን ከም ዜፍቅሩና፡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።