ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦
• ኦሊቬታን መን እዩ ነይሩ፧ እቲ ዝዓየዮ ዕዮ ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧
ፈረንሳዊ ፒየር ሮበርት በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስም እውን ይፍለጥ ነበረ። ንሱ ኣብ እዋን እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን እተገብረ ተሓድሶ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ፈረንሳይኛ ተርጐሞ። ኪትርጕም ከሎ፡ ኣብ ክንዲ “ኣቡን፡” “ሓላዊ” ኸምኡውን ኣብ ክንዲ “ቤተ ክርስትያን፡” “ጉባኤ” ዚብል ቃላት ይጥቀም ነበረ። ንስም ኣምላኽ ድማ፡ “የሆዋ” ኢሉ ተርጐሞ።—1/9፡ ገጽ 18-20።
• ኣምላኽ ንሌዋውያን ‘ግዴኹም ኣነ እየ’ ኺብሎም ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
ካልኦት ነገዳት እስራኤል ነፍሲ ወከፎም ርስቲ መሬት ነበሮም፡ ንሌዋውያን ግና ‘ግዲኦም’ የሆዋ እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 18:20) ርስቲ እኳ እንተ ዘይተዋህቦም፡ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ግና ተዋሂብዎም እዩ። የሆዋ ድማ ብስጋ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት የማልኣሎም ነበረ። ሎሚ እቶም ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ፍሉይ መሰል ዝረኸቡ ኣሕዋት፡ ንህይወት ዜድልዮም ነገራት ከም ዚማልኣሎም ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም።—15/9፡ ገጽ 7-8, 13።
• ጥንታዊት የሩሳሌም ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ዝወደቐትሉ እዋን መዓስ ከም ዝዀነ ብኸመይ ንፈልጥ፧
ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ነገስታት ባቢሎንን ብዛዕባ ዝነገሱሉ እዋንን እተሓላለኸን ንሓድሕዱ ዚጋጮን ሓበሬታ እዮም ዚህቡ። እንተዀነ ግና፡ ምሁራት፡ ዳግማዊ ቂሮስ ንባቢሎን ዝሰዓረሉ እዋን፡ ብ539 ቅ.ክ. ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም፣ እዚኣ ኸኣ ኣዝያ ኣገዳሲት ዕለት እያ። ኣይሁድ ሓራ ምስ ወጹ፡ ብ537 ቅ.ክ. ኣብ ዓዶም በጽሑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣብ ምርኮ ዝጸንሕሉ እዋን 70 ዓመት ከም ዝነበረ ይገልጽ። ስለዚ እምበኣር፡ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ጠፊኣ ኽትከውን ኣለዋ። (2 ዜና 36:21, 22፣ ኤር. 29:10፣ ዳን. 9:1, 2)—1/10፡ ገጽ 26-31።
• ሓደ ክርስትያን ገሊኡ ዓይነት መዘናግዒ ዚጠቅም ወይ ዘይጠቅም እንተ ዀይኑ ንኺውስን እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧
ሓደ ዓይነት መዘናግዒ ዚጠቅምን ንኣምላኽ ዜሐጕስን እንተ ዀይኑ ንምውሳን፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምሕታት ኣገዳሲ እዩ፦ ትሕዝቶኡ እንታይ እዩ፧ መዓስ እየ ዝዘናጋዕ፧ ምስ መን እየ ዝዘናጋዕ፧—15/10፡ ገጽ 9-12።
• ምንጻል ጥንሲ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ኣምላኽ ንህይወት ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮ፡ ንድቂ እውን እንተ ዀነ፡ ከም ህያው ሰብ ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። (መዝ. 139:16) ሕጊ ሙሴ፡ ንሓደ ዘይተወልደ ሕጻን ዝጐድአ ውልቀ ሰብ ኪቕጻዕ ከም ዘለዎ ስለ ዚሕብር፡ ምንጻል ጥንሲ ኸም ቅትለት ጌርካ እዩ ዚርአ። (ዘጸ. 21:22, 23)—1/11፡ ገጽ 6።
• እቲ ኣብ ምሳሌ 7:6-23 ዚርከብ ጸብጻብ፡ ስእለ ጽዩፍ ካብ ምርኣይ ንኽንርሕቕ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
እታ ጥቕሲ፡ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ናብ እትነብረሉ ጐደና ብዛዕባ ዝኸደ መንእሰይ ትነግረና። እታ ሰበይቲ ድማ ኣስሓተቶ። ሎሚ፡ ኣብ ኢንተርነት ኣቲና፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ስእልታት ንኸይንርኢ ኽንጥንቐቕ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ኢንተርነት ኣቲና ስእልታት ቅድሚ ምርኣይና፡ ሓገዝ ኣምላኽ ንኽንረክብ ክንጽሊ ኣሎና።—15/11፡ ገጽ 9-10።
• ምድሪ ድሕሪ 2012 ክትቅጽል እንተ ዀይና ብኸመይ ንፈልጥ፧
ገሊኣቶም ብመሰረት ጥንታዊ ዓውደ ኣዋርሕ ማያ፡ ዓለም ኣብ ዓመተ 2012 ከም እትጠፍእ እዮም ዚኣምኑ። እዚ ግና ፈጺሙ ዘይከውን ነገር እዩ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠራ ደቂ ሰባት ምእንቲ ኺነብሩላ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር እዩ ዚገልጽ። (መክ. 1:4፣ ኢሳ. 45:18)—1/12፡ ገጽ 10።
• ካብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣየኖት እዮም፧
ካብ ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እቶም ሽዱሽተ ኣብኡ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ሰለስተ ኻብ ሃዋርያት፡ ማለት ማቴዎስ፡ ዮሃንስ፡ ጴጥሮስ ኣብኡ ተኣኪቦም ነይሮም እዮም። እቶም ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ዝዀኑ ያእቆብን ይሁዳን እውን ተኣኪቦም ነይሮም እዮም። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ማርቆስ እውን ኣብኡ ተኣኪቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1/12፡ ገጽ 22።