ክብሪ የሆዋ ተንጸባርቕዶ ኣለኻ፧
“ክብሪ የሆዋ ኸም መስትያት እናኣንጸባረቕና።”—2 ቈረ. 3:18፡ NW።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ሓጥኣን እኳ እንተ ዀንና፡ ብኸመይ ኢና ንየሆዋ ኸነኽብሮ እንኽእል፧
ጸሎትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን፡ ክብሪ ኣምላኽ ንኸነንጸባርቕ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
ወትሩ ንየሆዋ ንኸነኽብሮ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
1, 2. ንባህርያት የሆዋ ኽንቀድሖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
ኵላትና ብእተፈላለየ መገዲ ንወለድና ንመስል ኢና። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ንሓደ ቘልዓ፡ ‘ናይ ኣቦኻ ኢኻ ሒዝካ’ ኺብሎ ኸሎ፡ ወይ ከኣ ንሓንቲ ጓል፡ ‘ንኣዴኺ ኢኺ እተዘኻኽርኒ’ ኺብላ ኸሎ እንተ ሰማዕና፡ ኣይንግረምን ኢና። ቈልዑ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ወለዶም ዚገብርዎ ነገራት እዮም ዚቐድሑ። ንሕናኸ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኽንቀድሖ ንኽእልዶ፧ ብዓይንና እኳ እንተ ዘይረኣናዮ፡ ንቓሉ ብምጽናዕ፡ ንፍጥረት ብምርኣይ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ቓላትን ተግባራትን እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምስትንታን፡ ነቲ ኽቡር ባህርያቱ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 1:18፣ ሮሜ 1:20) እወ፡ ክብሪ የሆዋ ኸነንጸባርቕ ንኽእል ኢና።
2 ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ደቂ ሰብ ፍቓዱ ኺፍጽሙን ባህርያቱ ኼንጸባርቑን ክብሪ ኼምጽኡሉን ከም ዚኽእሉ ይተኣማመን ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:26, 27 ኣንብብ።) ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘሎና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ንባህርያት ገባሪና ኽንቀድሖ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ባህልናን ደረጃ ትምህርትናን ዓሌትናን ብዘየገድስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ፍሉይ መሰል ክንረክብ ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ‘ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን።’—ግብ. 10:34, 35።
3. ክርስትያናት ንየሆዋ ኼገልግልዎ ኸለዉ፡ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧
3 ቅቡኣት ክርስትያናት ክብሪ የሆዋ የንጸባርቑ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ብመንፈስ እተቐብአ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኵላትና ብዘይተጐልበበ ገጽ፡ ክብሪ የሆዋ ኸም መስትያት እናኣንጸባረቕና . . . ካብ ሓደ ደረጃ ክብሪ ናብ ካልእ ደረጃ ክብሪ ናብቲ ምስሊ እቲ ንልወጥ ኢና” በለ። (2 ቈረ. 3:18፡ NW) ነብዪ ሙሴ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት እተጻሕፈን ጽላት ሒዙ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ፡ ምስ የሆዋ ይዛረብ ስለ ዝነበረ፡ ገጹ የንጸባርቕ ነበረ። (ዘጸ. 34:29, 30) ክርስትያናት ከምኡ ዓይነት ተመክሮ እኳ እንተ ዘየሕለፉ፡ ገጾም ከኣ ዘየንጸባርቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ባህርያቱን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዜደንቕ ዕላማን ኪነግርዎም ከለዉ፡ ገጾም ብሓጐስ ይበርህ እዩ። ልክዕ ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ እተወልወለ ሓጺን፡ ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ኣብ ህይወቶምን ኣብ ኣገልግሎቶምን ክብሪ የሆዋ የንጸባርቑ እዮም። (2 ቈረ. 4:1) ንስኻኸ ኣምላኻዊ ባህርያት ብምርኣይን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲርካ ብምክፋልን ክብሪ የሆዋ ተንጸባርቕዶ ኣለኻ፧
ክብሪ የሆዋ ኸነንጸባርቕ ንደሊ
4, 5. (ሀ) ልክዕ ከም ጳውሎስ፡ ምስ ምንታይ ኢና እንቃለስ፧ (ለ) ሓጢኣት ዝጸለወና ብኸመይ እዩ፧
4 ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ንፈጣሪና ብዅሉ ነገራት ከነኽብሮ ንደሊ ኢና። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ እዋን ከምቲ ድሌትና ኣይኰነልናን እዩ። ጳውሎስ እውን ወትሩ ምስ ከምዚ ዓይነት ጸገም ይቃለስ ነበረ። (ሮሜ 7:21-25 ኣንብብ።) ንምኽንያት እቲ ቓልሲ ኺገልጾ ኸሎ ኸኣ፡ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” በለ። (ሮሜ 3:23) እወ፡ ንሕና እውን ነቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት ስለ ዝወረስናዮ፡ ‘ሓጢኣት ከም ንጉስ’ ይገዝኣና ኣሎ።—ሮሜ 5:12፣ 6:12።
5 ሓጢኣት እንታይ እዩ፧ ዝዀነ ይኹን ምስ ባህርያትን መገድታትን ስርዓታትን ፍቓድን የሆዋ ዚጻረር ዘበለ፡ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት ነቲ ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ የበላሽዎ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ቐስተኛ ፍላጻ ወርዊሩ ነቲ ዕላማ ኺስሕቶ ዚኽእል፡ ሓጢኣት እውን ንዓና፡ ክብሪ ኣምላኽ ንኸይነንጸባርቕ ኪዓግተና ይኽእል እዩ። ደይመደይ ኢልና ወይ ከይፈለጥና ንሓጥእ ኢና። (ዘሁ. 15:27-31) ሓጢኣት ኣብ ደቂ ሰብ ሓያል ጽልዋ ኼሕድርን ካብ ፈጣሪኦም ኪፈላልዮምን ይኽእል እዩ። (መዝ. 51:5፣ ኢሳ. 59:2፣ ቈሎ. 1:21) ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ስለ ዚነብሩ፡ ክብሪ ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ፍሉይ መሰል ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ብሓቂ እምበኣር፡ ካብ ሓጢኣት ዚኸፍእ ነገር የልቦን።
6. ሓጥኣን እኳ እንተ ዀንና፡ ክብሪ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ሓጥኣን እኳ እንተ ዀንና፡ የሆዋ “ናይ ተስፋ ኣምላኽ” ኰይኑልና እዩ። (ሮሜ 15:13) ንሓጢኣት ዜጥፍእ መሰናድዎ፡ ማለት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ገበረ። ኣብዚ መስዋእቲ እዚ ንኣምን እንተ ዄንና፡ ‘ንሓጢኣት ኣይንግዛእን ኢና፣’ የግዳስ፡ ክብሪ የሆዋ ኸነንጸባርቕ ኢና። (ሮሜ 5:19፣ 6:6፣ ዮሃ. 3:16) ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ዓቂብናዮ እንተ ቐጺልና፡ ሕጂ ኺባርኸና፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ፍጽምናን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ኪህበና እዩ። ገና ሓጥኣን ከለና፡ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንኽብሩ ናይ ምንጽብራቕ ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበና፡ ኣዚና ተባሪኽና ኢና።
ክብሪ ኣምላኽ ነንጸባርቕ
7. ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እንታይ ኢና ኸነለሊ ዚግብኣና፧
7 ክብሪ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ እንተ ደሊና፡ ነቲ ሓጥእ ዝንባለና ኸነለልዮ ኣሎና። (2 ዜና 6:36) ብሓቂ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነኽብሮ፡ ነቲ ዘሎና ሓጥእ ዝንባለ ኸነለልዮን ንኽንቈጻጸሮ ኽንጽዕርን ኣሎና። ንኣብነት፡ ስእለ ጽዩፍ ብምርኣይ ንሓጥእ እንተ ኣሊና፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ከም ዜድልየና ኽንግንዘብን ሓገዝ ንምርካብ ክንጽዕርን ኣሎና። (ያእ. 5:14, 15) ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ዜኽብር ህይወት ኪህልወና እንተ ደሊና፡ ፈለማ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኽንገብር ኣሎና። ኣምለኽቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ምስቲ ጻድቕ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ኣሊና ንምፍላጥ፡ ወትሩ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። (ምሳ. 28:18፣ 1 ቈረ. 10:12) እቲ ዘሎና ሓጥእ ዝንባለ ብዘየገድስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ፡ ምስቲ ድኽመትና ኻብ ምቅላስ ከነቋርጽ የብልናን።
8. ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
8 ወትሩ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ነገራት ኪገብርን ክብሪ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኬንጸባርቕን ዝኸኣለ፡ የሱስ ጥራይ እዩ ነይሩ። ከም የሱስ ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ንኣብነቱ ኽንቀድሖ ንኽእል ኢና፣ ከምኡ እውን ኢና ኽንገብር ዘሎና። (1 ጴጥ. 2:21) የሆዋ ነቲ ንዕኡ ኽብሪ ኣብ ምምጻእ ዝገበርናዮ ዕቤት የስተብህለሉን ነቲ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ይባርኾን እዩ።
9. መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ምስ ብቕዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ዚጽዕሩ ክርስትያናት ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧
9 ቃል የሆዋ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ምንጽብራቕ ብኸመይ ከነመሓይሽ ከም እንኽእል ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣዕሚቚና ኸነጽንዖን ከነስተንትነሉን ኣሎና። (መዝ. 1:1-3) በብመዓልቱ ቕዱሳት ጽሑፋት ምንባብ እውን፡ ምምሕያሽ ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 1:22-25 ኣንብብ።) ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መሰረት እምነትና ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ኻብ ከቢድ ሓጢኣት ንኽንርሕቕን ንየሆዋ ንኸነሐጕሶን ዝገበርናዮ ቘራጽነት እውን ኬደልድለልና ይኽእል እዩ።—መዝ. 119:11, 47, 48።
10. ጸሎት ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኸነገልግሎ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
10 ክብሪ ኣምላኽ ንምንጽብራቕ፡ ‘ጸሎት ከነዘውትር ኣሎና።’ (ሮሜ 12:12) የሆዋ ብቕቡል መገዲ ንኸነገልግሎ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ናብኡ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና፣ ከምኡ እውን ኢና ኽንገብር ዘሎና። መንፈስ ቅዱሱ ንኺህበና፡ እምነትና ንኺውስኸልና፡ ንፈተና ኽንቃወሞ ንኺሕግዘና፡ ከምኡውን ‘ንቓል ሓቂ ብቕንዕና ኸነማቕል’ ዜኽእለና ኽእለት ምእንቲ ኺህበና፡ ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 2:15፣ ማቴ. 6:13፣ ሉቃ. 11:13፣ 17:5) ልክዕ ከምቲ ሓደ ቘልዓ ኣብ ኣቦኡ ዚውከል፡ ንሕና እውን ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኽንውከል ኣሎና። ምሉእ ብምሉእ ንኸነገልግሎ ኺሕግዘና እንተ ለሚንናዮ፡ ከምቲ ዝለመንናዮ ኸም ዚገብረልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ነሸግሮ ኸም ዘለና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብጸሎት ኣቢልና ኽንውድሶን ከነመስግኖን፡ ብፍላይ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ መምርሒ ኽንደልን ንስሙ ኽብሪ ብዜምጽእ መገዲ ንኸነገልግሎ ምእንቲ ኺሕግዘና ኽንልምኖን ኣሎና።—መዝ. 86:12፣ ያእ. 1:5-7።
11. ኣኼባታት ጉባኤ፡ ክብሪ ኣምላኽ ንኸነንጸባርቕ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
11 የሆዋ ነተን ክቡራት ኣባጊዑ ን“እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብሕድሪ ሂብዎ እዩ። (ማቴ. 24:45-47፣ መዝ. 100:3) እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ድማ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ንኽብሪ የሆዋ ብኸመይ የንጸባርቕዎ ኸም ዘለዉ ኺፈልጥ ይደሊ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰፋይ ክዳን ንኽዳንና ብምትዕርራይ ንትርኢትና ዜመሓይሾ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ምትዕርራይ ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (እብ. 10:24, 25) ስለዚ፡ ኣብ ኣኼባታት ኣይንደንጒ፣ ንድንጒ እንተ ዄንና፡ እቲ ኸም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ንኸነመሓይሽ ዚሕግዘና ገሊኡ መንፈሳዊ ‘ምትዕርራይ’ ኬምልጠና ይኽእል እዩ።
ንኣምላኽ ንምሰሎ
12. ንኣምላኽ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 ክብሪ የሆዋ ኸነንጸባርቕ እንተ ደሊና፡ “ሰዓብቲ ኣምላኽ” ክንከውን ወይ ንኣምላኽ ክንመስሎ ኣሎና። (ኤፌ. 5:1) ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ፡ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ብምጥራይ እዩ። ኣንጻር ኣረኣእያ ኣምላኽ ምኻድ ግና፡ ንዕኡ ኽብሪ ኣየምጽኣሉን፡ ንዓና ኸኣ ይጐድኣና። እዛ ኣብ ዙርያና ዘላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እቲ እኩይ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ስለ ዝዀነት፡ ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ንኽንጸልኦ፡ ነቲ ዚፈትዎ ኸኣ ንኽንፈትዎ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና። (መዝ. 97:10፣ 1 ዮሃ. 5:19) ንኣምላኽ ከነገልግሎ እንኽእለሉ ግቡእ መገዲ፡ ንዅሉ ነገራት ንኽብሩ ብምግባር ምዃኑ ኻብ ልብና ኽንኣምን ኣሎና።—1 ቈረንቶስ 10:31 ኣንብብ።
13. ንሓጢኣት ክንጸልኦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዚኸ እንታይ ንኽንገብር እዩ ዚድርኸና፧
13 የሆዋ ንሓጢኣት ይጸልኦ እዩ፣ ንሕና እውን ክንጸልኦ ኣሎና። ብእተኻእለና መጠን ካብ ዝዀነ ይኹን ኣበሳ ኸም እንፍጽም ኪገብረና ዚኽእል ነገራት ኣዚና ኽንርሕቕ ኣሎና። ንኣብነት፡ ካብቲ ንኣምላኽ ክብሪ ኸም ዘይነምጽኣሉ ኺገብረና ዚኽእል ክሕደት ክንርሕቕ ኣሎና። (ዘዳ. 13:6-9) ናብ ሓደ ኸሓዲ ወይ ከኣ ናብ ሓደ ሓው ከም ዝዀነ ዚዛረብ ግናኸ ንኣምላኽ ዘየኽብሮ ሰብ ክንቀርብ የብልናን። ዋላ እውን ኣባል ስድራ ቤትና ይኹን፡ ካብኡ ኽንርሕቕ ኣሎና። (1 ቈረ. 5:11) ንኸሓድትን ነቶም ንውድብ የሆዋ ዚነቕፍዎ ሰባትን ብምርታዕ እንረኽቦ ጥቕሚ የልቦን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ነቲ ብጽሑፍን ብኢንተርነትን ኣቢሎም ዚዝርግሕዎ ሓበሬታ ምክትታል፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ሓደጋ ኼውድቐና ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 5:20፣ ማቴዎስ 7:6 ኣንብብ።
14. ክብሪ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ ኣብ እንጽዕረሉ እዋን፡ ኣየነይቲ ባህርይ እያ ጐሊሓ ኽትርአ ዘለዋ፧ ስለምንታይከ፧
14 ሓደ ኻብቲ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽንመስል እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ፍቕሪ ብምርኣይ እዩ። እወ፡ ልክዕ ከምኡ ፈቃራት ክንከውን ኣሎና። (1 ዮሃ. 4:16-19) ከመይሲ፡ በታ ኣብ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ኢና ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ኣገልገልቲ የሆዋን ምዃንና እንልለ። (ዮሃ. 13:34, 35) ሓድሓደ ግዜ እቲ ዝወረስናዮ ሓጥእ ዝንባለ ኺዕንቅፈና ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዕኡ ብምስጋር ወትሩ ፈቃራት ንኽንከውን ክንጽዕር ኣሎና። ፍቕርን ካልእ ኣምላኻዊ ባህርያትን ምዅስኳስ፡ ክፉእ ብምግባር ንኸይንሓጥእ ኪዓግተና ይኽእል እዩ።—2 ጴጥ. 1:5-7።
15. ፍቕሪ ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ እትጸልዎ ብኸመይ እያ፧
15 ፍቕሪ ንኻልኦት ሰባት ሰናይ ንኽንገብረሎም ትድርኸና እያ። (ሮሜ 13:8-10) ንኣብነት፡ ንመጻምድትና ዘላትና ፍቕሪ፡ ነቲ መደቀስ ኣሚን ንኸይነርክሶ ትሕግዘና እያ። ንሽማግለታት ዘላትና ፍቕርን ንዕዮኦም ዘሎና ኣኽብሮትን፡ ነቲ ዚህቡና መምርሒ ንኽንእዘዞን ንኽንግዝኦን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንወለዶም ዜፍቅሩ ውሉዳት፡ ንወለዶም ይእዘዝዎምን የኽብርዎምን እዮም፣ ብዛዕባኦም እውን ኣሉታዊ ነገራት ኣይዛረቡን እዮም። ንኻልኦት ሰባት ነፍቅሮም እንተ ዄንና፡ ኣትሒትና ኣይንርእዮምን ወይ ኣይነዋርዶምን ኢና። (ያእ. 3:9) ንኣባጊዕ ኣምላኽ ዜፍቅሩወን ሽማግለታት ድማ፡ ብለውሃት እዮም ዚሕዝወን።—ግብ. 20:28, 29።
16. ፍቕሪ ኣብ ኣገልግሎትና እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
16 ኣብ ኣገልግሎትና እውን እንተ ዀነ፡ ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና። ንየሆዋ ኣዚና ስለ እነፍቅሮ፡ በቲ ዜጋጥመና ዘይተገዳስነት ወይ በቲ ሰብ ቤት ዚህብዎ ኣሉታዊ ምላሽ ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይምቝራጽ ክንሰብኮ ኢና። ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ፡ ብግቡእ ንኽንዳሎን ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽንጽዕርን ክትድርኸና ትኽእል እያ። ንኣምላኽን ንሰባትን ነፍቅሮም እንተ ዄንና፡ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜሰልኪ ወይ ከም ግዴታ ጌርና ኣይክንርእዮን ኢና። የግዳስ፡ ከም ፍሉይ መሰል ጌርና ብምርኣይ ብሓጐስ ክንፍጽሞ ኢና።—ማቴ. 10:7።
ወትሩ ንየሆዋ ኣኽብሮ
17. ክብሪ ኣምላኽ ከም ዚጐድለና ምግንዛብና ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
17 ዓለም ብሓፈሻ ንርዝነት ሓጢኣት ዘይትግንዘቦ እኳ እንተ ዀነት፡ ንሕና ግና ንግንዘቦ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ሓጥእ ዝንባለና ኽንቃለሶ ኸም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። ሓጥኣን ምዃንና እንተ ተገንዚብና፡ ንሕልናና ብግቡእ ንኸነሰልጥኖ እዩ ዚድርኸና፣ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሓጢኣት ናብ ኣእምሮናን ናብ ልብናን ኪመጽእ ከሎ፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኢና። (ሮሜ 7:22, 23) ድኹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ቅኑዕ ዘበለ ምእንቲ ኽንገብር፡ ኣምላኽ ኬበርትዓና ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 12:10።
18, 19. (ሀ) ኣብቲ ምስ መናፍስቲ እከይ እንገብሮ ቓልሲ ንኽንዕወት ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
18 ንየሆዋ ኸነኽብሮ እንተ ደሊና፡ ምስ መናፍስቲ እከይ እውን ክንቃለስ ኣሎና። ኣጽዋር ኣምላኽ ድማ ንኽንዕወት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 6:11-13) ሰይጣን ነቲ ንየሆዋ ጥራይ ዚግብኦ ኽብሪ ንርእሱ ንኺወስዶ ሒዅ እዩ ዚብል። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምብታኽ እውን ዘይፍንቅሎ እምኒ የልቦን። ይኹን እምበር፡ ንሕና ዀንና ኻልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ዘይፍጹማት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፡ ንጽህናና እንተ ሓሊናን ንኣምላኽ እንተ ኣኽቢርናዮን፡ ንሰይጣን ከነሕፍሮ ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ልክዕ ከምቶም ሰማያውያን ፍጡራት ንየሆዋ ወትሩ ንወድሶ፣ ንሳቶም፡ “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” በሉ።—ራእ. 4:11።
19 ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ንየሆዋ ነኽብሮ። ብዙሓት እሙናት ውልቀ ሰባት ንዕኡ ንኺመስልዎን ንኽብሩ ንኼንጸባርቕዎን ዚከኣሎም ኪገብሩ ኸለዉ፡ ይሕጐስ እዩ። (ምሳ. 27:11) ንሕና እውን ከምቲ፡ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ . . . ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ” ኢሉ ዝዘመረ ዳዊት ዝነበሮ ስምዒት ይሃልወና። (መዝ. 86:12) ነቲ ፍጹማት ኴንና ንየሆዋ እነኽብረሉን ንዘለኣለም እንውድሰሉን እዋን ብሃረርታ ኢና እንጽበዮ። እቶም እዙዛት ደቂ ሰብ ተሓጒሶም ነዚ ኺምከርዎ እዮም። እሞኸ ነቲ ኣብ መጻኢ ንኽብሪ የሆዋ ኣምላኽ ንዘለኣለም እተንጸባርቐሉ እዋን እናተጸበኻ፡ ሕጂ ኸምኡ ትገብርዶ ኣለኻ፧
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ኣብዚ መዳያት እዚ፡ ክብሪ የሆዋ ተንጸባርቕዶ ኣለኻ፧