ሕቶታት ኣንበብትና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት ዚሰብኩ ስለምንታይ እዮም፧
▪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኸም ዝኣዘዞም ነንብብ ኢና። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዚ ትእዛዝ እዚ ንዅሎም ክርስትያናት ዚምልከት ድዩ፧ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ከምኡ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “[የሱስ] ክንሰብኽን ክንምስክርን አዘዘና” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ . . . ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ . . . ወይለይ” ኢሉ ነበረ።—1 ቈረንቶስ 9:16።
ጳውሎስን ጴጥሮስን ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብሓፈሻ ንትእዛዝ የሱስ የኽብርዎ ነበሩ። ንስብከት ቀንዲ ዕዮኦም ገበርዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:28-32, 41, 42) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምኡ ኺገብሩ እዮም ዚጽዕሩ። ነቲ የሱስ ዚሰብኮ ዝነበረ ብዛዕባ “መንግስተ ሰማያት” ዚገልጽ መልእኽቲ እዮም ዚሰብኩ።—ማቴዎስ 10:7።
መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንመን እዩ ኺስበኽ ዘለዎ፧ የሱስ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዚርከቡ ዅሎም ሰባት ኪስበኽ ከም ዘለዎ እዩ ሓቢሩ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምምጻኡ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ . . . ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንፈተውቶም ወይ ከኣ ነቶም ሃይማኖት ዘይብሎም ውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ሰባት ኪሰብኩሎም እዮም ዚጽዕሩ ነይሮም። (ቈሎሴ 1:23፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብተመሳሳሊ፡ ንዅሎም ሰባት ኪሰብኩሎም እዮም ዚጽዕሩ።a
ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትዝርግሓሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ብኸመይ ንብዙሓት ሰባት ከተዘራርብ ከም እትኽእል ዚፈልጥ ዝነበረ የሱስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ከተማታትን ኣቝሻትን ኣባይትን ለኣኾም። (ማቴዎስ 10:7, 11, 12) የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ እውን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ በቤት” ይሰብኩ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) ልክዕ ከም የሱስ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚታትን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ይሰብኩ ነበሩ። (ዮሃንስ 4:7-26፣ 18:20፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:17) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ በዚ መገዲ እዚ ተጠቒሞም ንዅሎም ሰባት ይሰብኩሎም እዮም።
የሱስ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበሎ ዅሉ ሰብ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 10:14፣ 24:37-39) እሞኸ እዚ ምላሽ እዚ ንክርስትያናት ካብ ስብከቶም ይዓናቕፎም ድዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ንጽጽር እስከ ርአ፦ ኣብ ሓደ ኸቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ቦታ ምስ ዚሰርሑ ንሰባት ዜድሕኑ ጕጅለ ትዓዪ ኣለኻ ንበል፣ ኣብ ፈለማ ሒደት ሰባት ጥራይ ስለ ዝረኸብካ፡ ተስፋ ብምቝራጽ ዕዮኻ መቋረጽካዶ፧ ኣይፋልካን፣ ሓደ ሰብ እውን እንተ ዀነ ኺድሕን ከም ዚኽእል ዚሕብር ነገር ክሳዕ ዝረኸብካ፡ ዕዮኻ ትቕጽል ኢኻ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ምላሽ ዚህበሉ ሰብ ክሳዕ እተረኽበ፡ ስብከቶም ኪቕጽሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 10:23፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:16) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ህይወት ሰባት ኣብቲ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰሚዖም ዚህብዎ ምላሽ እተመርኰሰ ኸም ዝዀነ ስለ ዚፈልጡ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ፡ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘለዎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ።—ማቴዎስ 22:37-39፣ 2 ተሰሎንቄ 1:8።
እዛ እተንብባ ዘለኻ መጽሔት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘት እያ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትካ ምስ መጹ ኸተዘራርቦም ወይ ከኣ ናብ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ 236 ሃገራት ይሰብኩ ኣለዉ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዕዮ ስብከት 1.7 ቢልዮን ሰዓት ኣሕሊፎምን 8.5 ሚልዮን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖምን እዮም።