ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/8 ገጽ 16-17
  • የሱስ መዓስ እዩ ነጊሱ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ መዓስ እዩ ነጊሱ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1914—ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲት ዓመት
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያታ ብልጽቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ ትጅምር
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ይሕብር፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/8 ገጽ 16-17

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

የሱስ መዓስ እዩ ነጊሱ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. የሱስ ኣበየነይቲ መንግስቲ ኸም ዚነግስ እዩ መብጽዓ እተኣትወሉ፧

ኣምላኽ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ውሉድ ኣብ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከም ዚቕመጥ ተመባጺዑ እዩ። እቲ መብጽዓ እተኣተወሉ ውሉድ ድማ የሱስ እዩ። ሕጂ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ።—መዝሙር 89:4፣ ሉቃስ 1:32, 33 ኣንብብ።

ዳዊት ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ኪነግስ መረጾ። ዳዊት ምስ ሞተ፡ እቲ የሆዋ ዝመረጾ ሰሎሞን ኣብ ‘ዙፋን የሆዋ’ ተቐመጠ። (1 ዜና መዋእል 28:4, 5፣ 29:23) ድሕሪ ሞት ሰሎሞን፡ ኣብ የሩሳሌም ብዙሓት ነገስታት እኳ እንተ ገዝኡ፡ መብዛሕትኦም ዘይእሙናት እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንሰራዊት ባቢሎን ንየሩሳሌም ኣጥፊኦም ንንጉሳ ኼልግስዎ ፈቐደሎም። እዚ ኸኣ ብ607 ቅ.ክ. እዩ ተፈጺሙ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዝዀነ፡ ኣብ ምድራዊት ከተማ የሩሳሌም ኰይኑ ዝገዝአ ንጉስ የለን።—ህዝቅኤል 21:27 ኣንብብ።

2. እታ ብዳዊትን ብየሩሳሌምን እትውከል ዝነበረት መንግስቲ፡ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እያ ኣቋሪጻ፧

ድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም፡ የሆዋ ንነብዪኡ ዳንኤል፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዚገዝእ ንጉስ ከም ዚመርጽ ነገሮ። ግዝኣቱ ዚጅምርከ መዓስ እዩ፧—ዳንኤል 7:13, 14 ኣንብብ።

ዳንኤል ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዓብዪ ኦም ኪቝረጽ ከም ዝኣዘዘ ዚገልጽ ራእይ ክትርጕሞ ኸሎ፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት መንግስቲ ተቘሪጻ ንኽትጠፍእ ኣምላኽ ከም ዝኣዛዘ ዚሕብር ምዃኑ ገለጸ። ሱር እታ ኦም ግና ድሕሪ “ሾብዓተ ግዝያት” ኪጥጥዕ፡ ኣብቲ መሬት ተሓድገ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰለስተ “ዘመንን” ፈረቓ “ዘመንን” ወይ ግዜያትን፡ 1,260 መዓልቲ ምዃኑ ስለ ዚሕብር፡ “ሾብዓተ ግዝያት፡” 2,520 መዓልቲ ኪኸውን ኣለዎ። (ራእይ 12:6, 14) ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዓልትታት መብዛሕትኡ ግዜ ንዓመታት እዩ ዜመልክት። (ዘሁልቍ 14:34) ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ን2,520 ዓመት፡ ኣብ ምድሪ ብሰባት ተወኪላ ኣይገዝአትን።—ዳንኤል 4:10-17 ኣንብብ።

3. የሱስ መዓስ እዩ ነጊሱ፧

ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ ሰማይ ዘንገሶ ብ1914 እዩ። እዚ ኸኣ ብድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም ልክዕ 2,520 ዓመት ጸኒሑ እዩ። የሱስ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ብምድርባይ፡ ከም ንጉስ መጠን ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ወሰደ። (ራእይ 12:7-10) እቲ ፍጻመ እቲ ብዓይኒ ሰባት እኳ እንተ ዘይተራእየ፡ ንደቂ ሰብ ዚርአ ቕልውላው እዩ ኣስዒቡሎም። (ራእይ 12:12) ካብ 1914 ኣትሒዙ ዚፍጸም ዘሎ ፍጻመታት፡ የሱስ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸም ዝነገሰ ዚሕብር እዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ ሉቃስ 21:10, 11, 31 ኣንብብ።

4. ንግስነት የሱስ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

እቲ ብዛዕባ ንግስነት የሱስ ዚገልጽ ትንቢታት ምፍጻሙ፡ ንቓል ኣምላኽ ክንተኣማመነሉ ኸም እንኽእል የረጋግጽ። የሱስ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ብመንግስቱ ገይሩ ንዅሉ መከራ ደቂ ሰብ ኬወግዶ እዩ።—መዝሙር 72:8, 12, 13፣ ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ገጽ 215-218 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ሰሌዳ]

(For fully formatted text, see publication)

ጥቅምቲ ጥቅምቲ

607 ቅ.ክ. 1914 ድ.ክ.

← 2,520 ዓመት →

1000 ቅ.ክ. 1 ቅ.ክ. 1 ድ.ክ. 1000 C.E. 2000 ድ.ክ.

← 606.25 ዓመት →← 1,913.75 ዓመት →

እታ ኣብ የሩሳሌም ቀማሪትካ ተጠቐም፦ ኣምላኽ ንየሱስ፡

ዝነበረት መንግስቲ 606.25 ኣብ ልዕሊ ህዝብታት

ጠፊኣ እያ + 1,913.75 ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ገበሮ

= 2,520

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ