ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/8 ገጽ 27
  • የሆዋ ግፍዒ ይጸልእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ግፍዒ ይጸልእ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣገልግሎትና ምእንቲ ኽንፍጽም፡ የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • “ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ”
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ‘ህዝብታት፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/8 ገጽ 27

ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ ግፍዒ ይጸልእ

“ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ።” (መክብብ 8:9) እዛ ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር እተጻሕፈት ጥቕሲ፡ ነዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ጽቡቕ ገይራ እያ እትገልጻ። ሰባት መንነቶም ወይ ዓዶም ብዘየገድስ፡ ንስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ኪጥቀሙሉ እዮም ዚደልዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንመሳኪንን ንውጹዓትን ሰባት ይብድልዎም እዮም። የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ብኸመይ ይምልከቶ፧ መልሱ ኣብ ህዝቅኤል 22:6, 7, 31 ንረኽቦ ኢና።—ኣንብብ።

የሆዋ ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ንስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ኪጥቀሙሉ ኸም ዘይብሎም ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። እቶም መራሕቲ ነቶም መሳኪንን ድኻታትን ዘበሉ ለውሃትን ሓልዮትን ኬርእይዎም ከለዉ ጥራይ እዩ፡ ነቲ ህዝቢ ዚባርኾ ነይሩ። (ዘዳግም 27:19፣ 28:15, 45) ብመዓልትታት ህዝቅኤል ግና፡ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ መሳፍንቲ ስልጣኖም ንእከይ ይጥቀሙሉ ነበሩ። እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧

እቶም መሳፍንቲ፡ ነፍሲ ወከፎም ‘ከከም ሓይሎም፡ ደም የፍስሱ’ ነበሩ። (ፍቕዲ 6) እታ ‘ሓይሊ’ እትብል ቃል ንስልጣን እያ እተመልክት። እቶም ባዕላቶም ሕጊ ኬኽብሩን ንኪኽበር ከተባብዑን ዝነበሮም መራሕቲ፡ ንስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ብምጥቃም ደም ንጹሃት ሰባት የፍስሱ ኻብ ነበሩ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ፍትሒ ኺህሉ ዚኽእል፧

ህዝቅኤል ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ነቶም መራሕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ሕጊ የሆዋ ብምፍራስ ዝሰዓብዎም ሰባት እውን ወቒስዎም እዩ። ብዛዕባኦም፡ “ነቦን ነደን ነዐቑ” በለ። (ፍቕዲ 7) እቶም ህዝቢ ንስልጣን ወለዲ ዕሽሽ ብምባሎም፡ ነተን ቀንዲ ኣካል እቲ ህዝቢ ዝነበራ ስድራ ቤታት ኣፍረስወን።—ዘጸኣት 20:12።

እቶም ብልሹዋት ህዝቢ ነቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ መሳኪን መዝመዝዎም። ነፍሲ ወከፍ ተግባሮም ከኣ ንመንፈስ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝሃቦም ሕጊ ኸም ዝነዓቕዎ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ሕጊ ንእስራኤላውያን ነቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣህዛብ ፍሉይ ሓልዮት ንኼርእይዎም ይእዝዞም ነበረ። (ዘጸኣት 22:21፣ 23:9፣ ዘሌዋውያን 19:33, 34) እቶም ህዝቢ ግና፡ ንመጻእተኛ “ገፍዑ።”—ፍቕዲ 7።

እቶም ህዝቢ ነቶም ዘራይ ዘይነበሮም፡ ማለት “ንዘኽታምን ንመበለትን” እውን ከይተረፈ ጨቈንዎም። (ፍቕዲ 7) የሆዋ ብፍላይ ነቶም ወላዲ ወይ መጻምድቲ ዝሞቶም ሰባት ኣዝዩ ይድንግጸሎም እዩ። ነቶም ንዘኽታም ወይ ንመበለት ዚገፍዑ ሰባት፡ ባዕሉ ኺፈርዶም ምዃኑ ቓል ኣትዩ እዩ።—ዘጸኣት 22:22-24።

እቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ እስራኤላውያን በዝን ብኻልእ መገድታትን ንሕጊ ኣምላኽ ኣፍረስዎ፡ ነቲ ፍቕሪ ዚንጸባረቐሉ መንፈስ እቲ ሕጊ ድማ ረገጽዎ። የሆዋኸ እንታይ ገበረ፧ “ኵራይ ኣብ ልዕሊኦም ከፍስስ እየ” በለ። (ፍቕዲ 31 ትርጕም 1990) ከምቲ ዝበሎ ኸኣ፡ ብ607 ቅ.ክ. ንባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኣጥፊኦም ንህዝባ ኺማርኹ ፈቐደሎም።

ቃላት ህዝቅኤል ነዚ ዚስዕብ ብዛዕባ የሆዋን ግፍዕን ዚገልጽ ክልተ ትምህርቲ ይህበና፦ ቀዳማይ፡ የሆዋ ግፍዒ ይጸልእ እዩ። ካልኣይ፡ ነቶም እተገፍዑ ንጹሃት ሰባት ይድንግጸሎም እዩ። ኣምላኽ ሕጂ እውን ኣይተቐየረን። (ሚልክያስ 3:6) ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ንግፍዕን ንገፋዕትን ኬጥፍኦም እዩ። (ምሳሌ 2:21, 22) ብዛዕባ እቲ ‘ፍትሒ ዚፈቱ’ ኣምላኽን ብኸመይ ክትቀርቦ ኸም እትኽእልን ተወሳኺ ፍልጠት ንምርካብ ንምንታይ ዘይትመሃር፧—መዝሙር 33:5፡ ትርጕም 1990።

ንነሓሰ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

◼ ህዝቅኤል 21-38

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ንስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ኪጥቀሙሉ ኸም ዘይብሎም ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ