ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር
ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእልዶ፧
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።
1. ህይወትና ሓጻር እትመስል ስለምንታይ እያ፧
ገሊኦም ኣባጐብየ ን150 ዓመት ይነብሩ፣ ገሊኡ ኣእዋም ከኣ ን3,000 ዓመት ይነብር። ዕምሪ ደቂ ሰብ ግና፡ ኣዝዩ ሓጺር እዩ። ይኹን እምበር፡ ህይወትና ኻብ ህይወት ኣባጐብየ ወይ ካብ ህይወት ኦም ንላዕሊ ትርጕም ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ብሙዚቃን ብስፖርትን ብምግብን ብትምህርትን ብጕዕዞን ምስ ካልኦት ሰባት ብምልላይን ኪሕጐሱ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ኣብ ልቦም ድማ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ኣንቢሩሎም እዩ።—መክብብ 3:11 ኣንብብ።
2. ብሓቂ ንዘለኣለም ክንነብር ንኽእል ዲና፧
የሆዋ ንዘለኣለም እዩ ዚነብር። ኣይመውትን እዩ። ምንጪ ህይወት ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ንኻልኦት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ይኽእል እዩ። (መዝሙር 36:9፣ ኣንባቆም 1:12፡ ትርጕም 1990) ብዘይካዚ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህቦም ተመባጺዑ ኣሎ። ንእርጋን ድማ ኬወግዶ እዩ።—እዮብ 33:24, 25፣ ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24 ኣንብብ።
የሱስ በቲ ሓያል ግብርታቱ ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ነቲ ምሉእ ጥዕና ሃልዩና ንዘለኣለም ከም እንነብር ዝኣተወልና መብጽዓ ኺፍጽሞ ምዃኑ ኽንተኣማመን ከም እንኽእል ኣርኣየ። ንሱ እተፈላለየ ዓይነት ሕማም ኣሕውዩን ንሰባት ካብ ሞት ኣተንሲኡን እዩ።—ሉቃስ 7:11-15, 18, 19, 22 ኣንብብ።
3. ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚፍጸም መዓስ እዩ፧
ኣምላኽ ኣብዛ ብግፍዕን ብዓመጽን ዝመልአት ዓለም ዘይኰነስ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር እዩ ዚደልየና። ድሕንነት ኪስምዓና እውን ይደሊ እዩ። (መዝሙር 37:9, 29፣ ኢሳይያስ 65:21, 22) ምድሪ ገነት ምስ ኰነት፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ሞት ኪትንስኡ እዮም። እቶም ንኣምላኽ ኬምልኽዎን ኪእዘዝዎን ዚመርጹ ኸኣ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ሉቃስ 23:42, 43፣ ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።
4. ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ንኣምላኽ ምፍላጥ ጻማ ኣለዎ
ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና ዚኽእል፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባኡ ብምፍላጥ ክንቀርቦ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ንፍልጠት ኣምላኽ፡ ምግቢ ምስ ምብላዕ የመሳስሎ እዩ። (ማቴዎስ 4:4) ምግቢ ምብላዕ ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ምግቢ ምርካብን ምኽሻንን ግና ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ምምጋብ እውን ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ናብ ኣምላኽ ካብ ምቕራብን ናይ ዘለኣለም ህይወት ካብ ምርካብን ንላዕሊ ኺጸዓረሉ ዘለዎ እሞ ኻልእ እንታይ ኣሎ፧—ሉቃስ 13:23, 24፣ ዮሃንስ 6:27፣ 17:3 ኣንብብ።