ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/9 ገጽ 32
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ዘይተሃወኸሉ ምኽንያት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • እቶም እተፍቅሮም ምዉታት ዘለዎም ናይ ሓቂ ተስፋ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እንተ ሞይትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/9 ገጽ 32

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 11:35 ተገሊጹ ዘሎ፡ የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ቅድሚ ምትንሳኡ ዝነብዐ ስለምንታይ እዩ፧

እነፍቅሮ ሰብ ኪመውት ከሎ፡ ብሙማቱ ስለ እንሓዝን ንነብዕ ኢና። የሱስ ንኣልኣዛር ይፈትዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሙማቱ ግና ኣይኰነን ነቢዑ። ከምቲ ኣብቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ተገሊጹ ዘሎ፡ የሱስ ነቶም ሓዘንተኛታት ስለ ዝደንገጸሎም እዩ ነቢዑ።—ዮሃ. 11:36።

የሱስ፡ ኣልኣዛር ከም ዝሓመመ ምስ ሰምዐ፡ ምእንቲ ኼሕውዮ ብኡብኡ ተንሲኡ ኣይከደን። እቲ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ “[የሱስ፡ ኣልኣዛር] ምሕማሙ ምስ ሰምዐ . . . ኣብታ ዝነበራ ቦታ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ።” (ዮሃ. 11:6) ስለምንታይ እዩ ቐልጢፉ ዘይከደ፧ ዕላማ ስለ ዝነበሮ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “እዚ ሕማም እዚ፡ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን” በለ። (ዮሃ. 11:4) ውጽኢት ሕማም ኣልኣዛር “ንሞት” ኣይኰነን ነይሩ። የግዳስ፡ የሱስ ንሞት ኣልኣዛር ተጠቒሙ ‘ንኣምላኽ ኬኽብሮ’ እዩ ሓሲቡ። ብኸመይ፧ ነቲ ዚፈትዎ ዓርኩ ኻብ ሞት ብምትንሳእ፡ ዜደንቕ ተኣምራት ኪገብር እዩ ሓሲቡ።

የሱስ፡ ኣልኣዛር ኣብ ዝሞተሉ እዋን ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝገበሮ ምይይጥ፡ ንሞት ምስ ድቃስ ኣመሳሰሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ “ኣነ [ንኣልኣዛር] ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ” ዝበሎም። (ዮሃ. 11:11) የሱስ፡ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ምትንሳእ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ኻብ ድቃስ ዜተንስኦ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ስለዚ፡ ብሞት ኣልኣዛር ዚጕህየሉ ምኽንያት ኣይነበሮን።

ንየሱስ ከም ዚነብዕ ዝገበሮ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ይምልሰልና እዩ። የሱስ ምስ ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር ምስ ተራኸበ፡ ንሳን ካልኦት ሰባትን ድማ ኪበኽዩ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ “ብውሽጡ እህህ በለ፡ ተረበሸ ኸኣ።” እወ፡ ንስቓዮም ምስ ረኣየ፡ ብውሽጡ ስለ ዝጐሃየ፡ ‘ብመንፈሱ እህህ በለ።’ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ‘ዝነብዐ።’ ፈተውቱ ብሓዘን ተዀምቲሮም ምስ ረኣየ፡ ኣዝዩ ሓዘነ።—ዮሃ. 11:33, 35።

እዚ ጸብጻብ እዚ፡ የሱስ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ነቶም ዝሞቱ እነፍቅሮም ሰባት ናብ ህይወት ኪመልሶም ዜኽእሎ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ብሰንኪ እቲ ኣዳም ዘምጸኦ ሞት፡ ዜፍቅርዎም ሰባት ዝሰኣኑ ሰባት ከም ዚርድኣሎም እውን ዚሕብር እዩ። እቲ ጸብጻብ ካልእ ትምህርቲ እውን ይምህረና እዩ፣ ነቶም ብምኽንያት ሞት ዜፍቅርዎ ሰብ ዚሓዝኑ ሰባት ክንድንግጸሎም ኣሎና።

የሱስ ንኣልኣዛር ከም ዜተንስኦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ በታ ዝነበረቶ ፍቕርን በቲ ንፈተውቱ ዝነበሮ ድንጋጸን ተደሪኹ፡ ነቢዑ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ብድንጋጽ ተደሪኽና ‘ምስቶም ዚበኽዩ ንበኪ’ ንኸውን። (ሮሜ 12:15) በዚ መገዲ እዚ ሓዘንካ ምግላጽ፡ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ እምነት ከም ዘይብልካ ዜርኢ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ፡ ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ምዃኑ እናፈለጠ፡ ካብ ልቡ ሓዚኑ ዝነብዐን ንድንጋጽ ዚምልከት ኣብነት ዝሰርዐን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ