መእተዊ
ኣምላኽ ይሓልየልካ ድዩ፧
ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ወይ ሰባት ኪሳቐዩን ኪሞቱን ከለዉ፡ ኣምላኽ ነዚ ይርእዮ ወይ ብዛዕባኡ ይግድሶ እንተ ዀይኑ የተሓሳስበና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦
“ምኽንያቱ፡ ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ እውን ንምህለላኦም ይሰምዓ እየን፣ ገጽ የሆዋ ግና ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።”—1 ጴጥሮስ 3:12።
እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሕግዘናን ንዅሉ መከራ ንምውጋድ እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ትገልጽ።