ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w18 ሕዳር ገጽ 32
  • ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ዋጋ እተን “ክልተ ሰናቲም”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚምወል፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ስለቲ ፍቕርኹም ንየሆዋ ነመስግኖ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
w18 ሕዳር ገጽ 32
donate.jw.org

ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧

ሓደ ግዜ፡ የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ግብ. 20:35) እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እውን ይዓዪ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ የሆዋ ብዙሕ ዜሐጕሰና ውህበታት ሂቡና እዩ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ውህበት ብምሃብ፡ ብዝያዳ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና። ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧ ምሳሌ 3:9፡ “ንየሆዋ ብጥሪትካን ብበዅሪ ፍርያትካን ኣኽብሮ” ትብል። እዚ “ጥሪት” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንግዜናን ንኽእለትናን ንጕልበትናን ንስጋዊ ሃብትናን የጠቓልል። ንጥሪትና ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ንየሆዋ ውህበት ንህቦ ኢና ዘለና፣ ከምኡ ምግባርና ኸኣ፡ ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።

ምስ ስጋዊ ሃብትና ብእተተሓሓዘ፡ ንየሆዋ ውህበት ካብ ምሃብ ዕሽሽ ከይንብል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ውጽኢት ዚገብርዎ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም ኬቐምጡ’ ምዒድዎም ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 16:2) ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ወፈያ ኽትህበሉ እትኽእል ሜላታት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ንምፍላጥ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሳጹን ግዳ ርኣዮ።

ኣብ ኵሉ ሃገራት ኣይኰነን ብኦንላይን ወፍያ ኺግበር ዚከኣል። ኰይኑ ግና፡ ብኻልእ መገዲ ወፈያ እትገብረሉ መገድታት ኣብቲ ገጽ ወብ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ነቲ ብዛዕባ ወፈያታት ዘሎ ዝውቱር ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ኣብቲ ገጽ ሓበሬታ ኣሎ።

ብኦንላይን ወፈያ እትገብረሉ ቐሊል መገዲ

ንምርካቡ ቐሊል

  • መድለዪ ወብ

    ኣብ መድለዪ ወብ donate.jw.org ጽሓፍ

  • JW Library

    ኣብ JW Library® ኣብ ቀንዲ ገጽ፡ ኣብታ ሊንክ “ወፈያ” ጠውቕ

ንምጥቃሙ ቐሊል

ሓንሳእ ወፈያ ግበር፡ ወይ በብግዜኡ ወፈያ ግበር፦

  • ዓለምለኻዊ ዕዮ

  • ጉባኤኻ

  • ኣኼባ ዞባ

  • ኣኼባ ወረዳ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ