ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 2 ገጽ 14-15
  • ብህይወት ምንባር ስለምንታይ ከም ዚሓይሽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብህይወት ምንባር ስለምንታይ ከም ዚሓይሽ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ይሓልየልካ እዩ
  • ህይወትካ ትርጉም ኣለዋ
  • ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚኸውን ተስፋ ኣሎ
  • የሆዋ ን“ጸጕሪ ርእስኹም” እኳ ቘጺርወን እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ዋጋ ኸም ዘሎና ዚርኢ ተዓዛቢ ሉቃስ 12:6, 7
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሞተይ እምነ ኣለኹ—መጽሓፍ ቅዱስ ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል የልቦን
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 2 ገጽ 14-15
ሓንቲ መንእሰይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ

ብህይወት ምንባር ስለምንታይ ከም ዚሓይሽ

ፈይዘል ካብቲ ሰበይቱ ዝሞተትሉ ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ከቢድ መጥባሕቲ ልቢ ኺገብር ኣድለዮ። ድሕሪኡ፡ “መጽሓፍ እዮብ ምስ ኣንበብኩ፡ የሆዋ ነታ መጽሓፍ ብምኽንያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘስፈረልና ፈሊጠ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኵነታትና ዚመሳስል ኣብነት ክንረክብ ከለና፡ ንስቓይ ልብና የህድኣልና እዩ” ብምባል ሓሳቡ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ሕጂ እውን ብህይወት ምንባር ይሓይሽ” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።

ታርሻ ብንእስነታ እያ ኣዲኣ ሞይታታ። ንሳ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ብዙሕ ጸገማት እናኣሕለፍና ኽነሱ፡ ንፈጣሪና ምፍላጥ፡ ንህይወት ዕላማን ተስፋን ሓጐስን ይህቦ እዩ። የሆዋ ንዓና መዓልቲ መዓልቲ ምብርታዕን ምሕጋዝን ኣይጨንቆን እዩ።”

ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጻት፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥም እተፈላለየ ዜሰምብድ ነገራት፡ ህይወት ንምጻራ ዘይትከኣል ኬምስል ከም ዚኽእል ርኢና ኔርና። ጸገማት ጾይርካ ኽትመላለስ ከለኻ፡ ብህይወት ምንባር ዚሓይሽ እንተ ዀይኑ ወይ ብዛዕባኻ ዚሓሊ እንተ ኣልዩ ትሓስብ ትኸውን። ኣምላኽ ብዛዕባ ጭንቅኻ ብርግጽ ይሓሊ እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ኽቡር ኢኻ።

ጸሓፍ መዝሙር 86 ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምንቶ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንስኻ ኽትምልሰለይ ኢኻ እሞ፡ ብመዓልቲ ጭንቀይ ክጽውዓካ እየ” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 86:7) ንስኻ እዚ ድሕሪ ምፍላጥካ ግና፡ ‘“ብመዓልቲ ጭንቀይ” ከመይ ገይሩ እዩ ኣምላኽ ዚምልሰለይ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ኣምላኽ ንጸገማትካ እኳ ብኡብኡ እንተ ዘየወገዶ፡ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንጸገማትካ ኽትጾሮ ዜኽእል ውሽጣዊ ሰላም ከም ዚህበካ ኸምዚ ብምባል የረጋግጽ እዩ፦ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7፡ እግረ ጽሑፍ) እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓልዮት ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኸም ዜረጋግጸልና ርአ።

ኣምላኽ ይሓልየልካ እዩ

“ሓንቲ [ጭሩ] እኳ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕሽሽ ኣይትብሃልን እያ። . . . ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም።”—ሉቃስ 12:6, 7፡ እግረ ጽሑፍ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ዋጋ ዘይብለን ዚመስላ ጨራሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘየገድሳ ኣይኰናን። ኣምላኽ ንሓንቲ ደቃቕ ጭሩ እኳ የስተብህለላ እዩ፣ ኵላተን ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ህያዋን ፍጥረታት እየን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ሰባት ካብ ጨራሩ ኣጸቢቖም ይበልጹ እዮም። ደቂ ሰብ “ብመልክዕ” ኣምላኽ እተፈጥሩ ብምዃኖም ካብ ምድራዊ ፍጥረቱ ብሉጻት እዮም፣ ነቲ ኽብ ዝበለ ባህርያት ኣምላኽ ናይ ምምዕባልን ናይ ምንጽብራቕን ክእለት እውን ኣለዎም።—ዘፍጥረት 1:26, 27።

“ኦ የሆዋ፡ ውሽጠይ ፈቲሽካንን ፈሊጥካንን። . . . ንሓሳባተይ . . . ተስተውዕሎ። . . . መርምረኒ፡ ዜጨንቐኒ ሓሳባተይ ድማ ፍለጥ።”—መዝሙር 139:1, 2, 23።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣምላኽ ብብሕቲ ይፈልጠካ እዩ። ውሽጣዊ ስምዒታትካን ሓሳባትካን ይፈልጦ እዩ። ካልኦት ንጭንቅኻ እኳ እንተ ዘይተረድእዎ፡ ኣምላኽ ግና ይሓልየልካን ኪሕግዘካ ይደልን እዩ። እምበኣር፡ ብህይወት ምንባር ይሓይሽ።

ህይወትካ ትርጉም ኣለዋ

“ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ ኣውያተይ ከኣ ኣባኻ ይብጻሕ። . . . እዝንኻ ኣድንነለይ፣ ክጽውዓካ ኸለኹ፡ ቀልጢፍካ መልሰለይ። ንጸሎት ነዳያት ኬቕልበሉ እዩ።”—መዝሙር 102:1, 2, 17።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ የሆዋ ንንብዓት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዝመዝገቦ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 56:8) ስለዚ፡ ንንብዓትካ እውን መዝጊብዎ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኽቡር ስለ ዝዀንካ፡ ንዅሉ መከራኻን ንብዓትካን ይዝክሮ እዩ።

“ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡ . . . ክሕዘካ እየ። . . . ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 41:10, 13።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣምላኽ ኪረድኣካ ድሉው እዩ። እንተ ወዲቕካ፡ ኬተንስኣካ እዩ።

ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚኸውን ተስፋ ኣሎ

“ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።”—ዮሃንስ 3:16።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዚኻ ኽቡር ብምዃንካ፡ ንሱ ብፍታዉ ተላዒሉ ወዱ የሱስ ምእንታኻ በጃ ኪኸውን ሂቡ እዩ። እዚ መስዋእቲ እዚ ድማ፡ ሓጐስን ዕላማን ዘለዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ኣጋጣሚ ኸፊቱልካ ኣሎ።a

ዋላ እኳ ዝጨነቐካን ህይወት እተጸልኣካን እንተ ዀንካ፡ ንቓል ኣምላኽ ተጠንቂቕካ ኣጽንዓዮ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ዘሎካ እምነት እውን ኣደልድል። እዚ ድማ ሕጉስ ኪገብረካን ብህይወት ምንባር ከም ዚሓይሽ ኬእምነካን እዩ።

a ብዛዕባ መስዋእቲ የሱስን ካብኡ ኸመይ ጌርካ ኽትጥቀም ከም እትኽእልን ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ www.pr2711.com/ti ኣቲኻ ነታ ሞት የሱስ ዘክር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ኣብ ትሕቲ ብዛዕባና > በዓል ዝኽሪ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ