ዓንቀጽ መጽናዕቲ 24
ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ሓሳባት ነፍርስ!
“ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ልዕል ዝበለን ነፍርስ ኣለና።”—2 ቈረ. 10:5።
መዝሙር 124 እሙናት ንኹን
መላለዪa
1. ሃዋርያ ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ጽሒፉሎም፧
“ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ።” (ሮሜ 12:2) ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ጽሒፍዎ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከኣ እዩ ኸምኡ ኢሉ ተዛሪብዎም። ነቶም ንኣምላኽ ርእሶም ዝወፈዩን ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡን ሰብኡትን ኣንስትን ከምዚ ዝበለ ብርቱዕ ምዕዶ ዝሃቦም ስለምንታይ እዩ፧—ሮሜ 1:7።
2-3. ሰይጣን ከመይ ገይሩ እዩ ኻብ የሆዋ ኼርሕቐና ዚፍትን፧ ግናኸ ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ኣብ ኣእምሮና “ጽኑዕ ዕርዲ” ዝሰርሐ ኣተሓሳስባ ኻብ ሱሩ ኽንምሕዎ እንኽእል፧
2 ገሊኦም ክርስትያናት በቲ ዘይጥዑይ ሓሳባትን ፍልስፍናታትን እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ይጽለዉ ስለ ዝነበሩ እዩ ጳውሎስ ተሻቒሉ ነይሩ። (ኤፌ. 4:17-19) እዚ ንዅላትና ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። እቲ ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ ዝዀነ ሰይጣን ካብ የሆዋ ኼርሕቐና ኢሉ ብበበይኑ ዓይነት ስልትታት ገይሩ ህርድግ ይብል እዩ። ሓደ ኻብኡ፡ ነቲ ንርእስና ኽብ ንምባል ዘሎና ዝንባለ ብምምዝማዝ እዩ። ከም ናቱ ዓይነት ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኺህልወና ኢሉ፡ ገሊኡ መዳያት ድሕረ ባይታና፡ ባህልና፡ ወይ ትምህርትና ኺጥቀም ይኽእል እዩ።
3 እሞኸ ነቲ ኣብ ኣእምሮና “ጽኑዕ ዕርዲ” ዝሰርሐ ኣተሓሳስባ ኻብ ሱሩ ኽንምሕዎ ንኽእል ዲና፧ (2 ቈረ. 10:4) ጳውሎስ ነዚ ብኸመይ ከም ዝመለሶ እስከ ንርአ፦ “ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ልዕል ዝበለን ነፍርስ ኣለና፣ ኵሉ ሓሳብ ንክርስቶስ ምእንቲ ኺእዘዝ ድማ፡ ንማርኽ ኣለና።” (2 ቈረ. 10:5) እወ፡ ብሓገዝ የሆዋ ንግጉይ ሓሳባትና ኽንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። ከምቲ ፈውሲ ነቲ መርዚ ዜሕድሮ ጕድኣት ዜበርዕኖ፡ ቃል ኣምላኽ ከኣ ነቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ዜሕድሮ መርዛም ጽልዋ ኼበርዕኖ ይኽእል እዩ።
“ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ”
4. ሓቂ ምስ ተቐበልና፡ ኣብ ፈለማ መብዛሕትና እንታይ ለውጥታት ኢና ኽንገብር ኣድልዩና፧
4 ነቲ ፈለማ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልካን ንየሆዋ ኸተገልግሎ ምስ ወሰንካን ክትገብሮ ዘድለየካ ለውጥታት እሞ ምልስ ኢልካ ሕሰበሉ። መብዛሕትና፡ ገሊኡ ዓይነት ግጉይ ኣካይዳ ኽንሓድግ ነይሩና እዩ። (1 ቈረ. 6:9-11) ነቲ ሓጥእ ተግባራት ምእንቲ ኽንሓድጎ የሆዋ ስለ ዝሓገዘና፡ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና!
5. እቲ ኣብ ሮሜ 12:2 ተገሊጹ ዘሎ ኽልተ ስጕምቲ እንታይ ክንገብር እዩ ዚምሕጸነና፧
5 ኰይኑ ግና፡ ሸለልተኛታት ክንከውን የብልናን። ነቲ ቕድሚ ጥምቀት እንገብሮ ዝነበርና ኸቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ሓደግናዮ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ተግባርና ኺመልሰና ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ግና ተጊህና ኽንርሕቕ ኣሎና። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧ ጳውሎስ፡ “ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡ ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ” ዚብል ምላሽ ሂቡና ኣሎ። (ሮሜ 12:2) ስለዚ፡ ክልተ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ቀዳማይ፡ በዛ ዓለም እዚኣ ‘ደጊም ክንቅረጽ የብልናን።’ ካልኣይ፡ ንኣእምሮና ብምሕዳስ ‘ክንልወጥ’ ኣሎና።
6. ካብቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 12:43-45 እተዛረቦ ቓላት እንታይ ንምሃር፧
6 እቲ ጳውሎስ ኣብዚ ዝጠቐሶ ለውጢ፡ ደጋዊ ለውጢ ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንዅሉ እንታይነትና ዚትንኪ እዩ። (“ተለዊጥናዶ ወይስ ኣምሲልና፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ንኣእምሮና ኽንሕድሶ፡ ማለት ንውሽጣዊ ኣረኣእያናን ስምዒትናን ዝንባለታትናን ክንሕድሶ ኣሎና። ስለዚ፡ ኵላትና ገዛእ ርእስና፡ ‘እቲ ክርስትያን ንምዃን ዝገበርክዎ ለውጥታት ናይ ቈርበት ለውጢ ጥራይ ድዩ ወይስ ካብ ውሽጠይ ክርስትያን እየ ዝኸውን ዘለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። እዚ ኣገዳሲ እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 12:43-45 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላቱ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ሓቢሩ እዩ። (ኣንብብ።) እዚ ቓላት እዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፍ፦ ግጉይ ሓሳባት ምውጋድ ጥራይ እኹል ኣይኰነን፣ ንኣእምሮና ብኣተሓሳስባ ኣምላኽ ክንመልኦ ኣሎና።
“ብኣተሓሳስባኹም . . . ተሓደሱ”
7. ንውሽጣዊ እንታይነትና ኸመይ ጌርና ኽንልውጦ ንኽእል፧
7 ንመሰረታዊ ዝንባለና ወይ ንውሽጣዊ እንታይነትና ኽንልውጦ ንኽእል ዲና፧ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ይምልሰልና፦ “ብኣተሓሳስባኹም ከኣ ብቐጻሊ ተሓደሱ፣ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና ድማ ልበሱ።” (ኤፌ. 4:23, 24) እወ፡ ንውሽጣዊ እንታይነትና ኽንልውጦ ንኽእል ኢና፣ ግናኸ፡ ቀሊል ኣይኰነን። ንግጉይ ትምኒታትናን ተግባራትናን ካብ ምዕባጥ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ‘ንኣተሓሳስባና’ ኽንቅይሮ ኣሎና። እዚ ድማ ንትምኒታትናን ንዝንባለታትናን ንውሽጣዊ ድራኸታትናን ምልዋጥ የጠቓልል። ከምኡ ንምግባር፡ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።
8-9. ተመክሮ ሓደ ሓውና፡ ካብ ውሽጥና ኽንልወጥ ከም ዘሎና ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧
8 ንሓደ ተባኣሲ ዝነበረ ሓውና እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። መስተን ባእስን ምስ ሓደጎ፡ ኪጥመቕ ዜኽእሎ ብቕዓት ረኸበ፣ እዚ ድማ ነቲ ዚነብረሉ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ምስክርነት ኰነ። ካብ ዚጥመቕ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ሓደ ምሸት ዘይተጸበዮ ፈተና ኣጋጠሞ። ሓደ ሰኽራም ናብ ቤቱ መጺኡ ኺብኣሶ ደለየ። ኣብ መጀመርታ፡ እቲ ሓውና ነቲ ንምብኣስ ዝነበሮ ድሌት ተቘጻጸሮ። እቲ ሰብኣይ ንስም የሆዋ ምስ ጸረፈ ግና፡ እዚ ልዕሊ ዓቕሙ ዀኖ። ካብ ቤቱ ወጺኡ ነቲ ሰብኣይ ቀጥቀጦ። እቲ ጸገም እንታይ እዩ ነይሩ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ባእሲ ዝንባለታቱ እኳ እንተ ዓበጦ፡ ንኣተሓሳስባኡ ግና ኣይቀየሮን ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ውሽጣዊ እንታይነቱ ኣይተቐየረን ነይሩ።
9 ይኹን እምበር፡ እዚ ሓውና እዚ ኣይተሓለለን። (ምሳ. 24:16) ብሓገዝ ሽማግለታት፡ ብቐጻሊ ጽቡቕ ዕቤት ገበረ። ኣብ መወዳእታ፡ ሽማግለ ንምዃን ዜኽእሎ ብቕዓት ረኸበ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ምሸት፡ ኣብ ጥቓ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከምቲ ቕድሚ ዓመታት ዘጋጠሞ ዓይነት ፈተና ኣጋጠሞ። ሓደ ሰኽራም ንሓደ ኻልእ ሽማግለ ኺወቕዖ ደለየ። እሞኸ ሓውና ሽዑ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ብህድኣትን ብትሕትናን ነቲ ሰኽራም ሰብኣይ ኣዘራረቦ፡ ነቲ ውጥረት ከም ዚፈኵስ ገበረ፡ ነቲ ሰንከልከል ዚብል ዝነበረ ሰኽራም እውን ናብ ቤቱ ኣብጽሖ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር ክኢሉ፧ ሓውና ንኣተሓሳስባኡ ኪቕይር ክኢሉ ነይሩ እዩ። ውሽጣዊ ስብእናኡ ናብ ሰላማውን ትሑትን ሰብ ተለዊጡ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ውዳሰ ኣምጺኡሉ እዩ!
10. ነዚ ለውጥታት እዚ ንምግባር እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
10 እዚ ለውጥታት እዚ ብሓንሳእ ኣይከውንን እዩ፣ ብፍጥነት ወይ ብዘይ ጻዕሪ እውን ኣይከውንን እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ‘ብትግሃት ክንጋደል’ የድልየና እዩ። (2 ጴጥ. 1:5) “ኣብ ሓቂ” ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምጽናሕና ጥራይ እውን እኹል ኣይኰነን። ንውሽጣዊ እንታይነትና ንምልዋጥ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ነዚ ለውጢ እዚ ንምግባር፡ ገለ መሰረታዊ ስጕምትታት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንገሊኡ እስከ ንመርምሮ።
ንኣተሓሳስባና ብኸመይ ንልውጦ፧
11. ንኣተሓሳስባና ንምልዋጥ፡ ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
11 ጸሎት ቀዳማይ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝበሎ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ ዝዀነ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ኣንብር” ኢልና ኽንጽሊ ኣሎና። (መዝ. 51:10) ፈለማ፡ ኣተሓሳስባና ኽንልውጥ ከም ዜድልየና ኽንኣምን ኣሎና፣ ካብ የሆዋ ድማ ሓገዝ ክንልምን ኣሎና። የሆዋ ነቲ ለውጢ እቲ ኽንገብር ከም ዚሕግዘና ብኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧ በቲ የሆዋ ነቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ተሪር ዝልቦም እስራኤላውያን ዝኣተወሎም ቃል ኽንተባባዕ ንኽእል ኢና፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ፡ “ሓደ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ እውን ኣብ ውሽጦም ከንብር እየ፣ . . . ልቢ ስጋ [ማለት፡ ንመምርሒ ኣምላኽ ቅልጡፍ ምላሽ ዚህብ] ኸኣ ክህቦም እየ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 11:19፣ እ.ጽ.) የሆዋ ነቶም እስራኤላውያን ኪልወጡ ንምሕጋዝ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ፣ ንዓና ንምሕጋዝ እውን ፍቓደኛ እዩ።
12-13. (ሀ) ብመሰረት መዝሙር 119:59፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኸነስተንትን ዘሎና፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢኻ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ዘሎካ፧
12 ምስትንታን ካልኣይ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። መዓልቲ መዓልቲ ናብ ቃል ኣምላኽ ኣተኲርና ኽንጥምት ከለና፡ እንታይ ሓሳባትን ስምዒታትን ክንልውጥ ከም ዘድልየና ንምስትንታን ወይ ኣዕሚቝና ንምሕሳብ ግዜ ኽንወስድ ኣሎና። (መዝሙር 119:59 ኣንብብ፣ እብ. 4:12፣ ያእ. 1:25) ናብ ሰብኣዊ ፍልስፍናታት ዚስሕበና ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ኸነለሊ ኣሎና። ድኽመታትና እንታይ ምዃኑ ብቕንዕና ኽንእመን፡ ንምውጋዱ እውን ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና።
13 ንኣብነት፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ኣብ ልበይ ዋላ እውን ንእሽቶ ቕንኢ ኣሎዶ፧’ (1 ጴጥ. 2:1) ‘ብድሕረ ባይታይ፡ ብትምህርተይ፡ ወይ ብገንዘበይ ብእተወሰነ እዕበ ድየ፧’ (ምሳ. 16:5) ‘ከም ናተይ ንዘይብሎም ወይ ካብ ካልእ ዓሌት ንዝዀኑ ሰባት ኣትሒተ እርእዮም ድየ፧’ (ያእ. 2:2-4) ‘እቲ ናይ ሰይጣን ዓለም እተቕርቦ ይስሕበኒ ድዩ፧’ (1 ዮሃ. 2:15-17) ‘እቲ ብዕልግናን ዓመጻን ዝመልኦ መዘናግዒ ይስሕበኒ ድዩ፧’ (መዝ. 97:10፣ 101:3፣ ኣሞ. 5:15) ነዚ ብሕታዊ ሕቶታት እዚ እትህቦ መልሲ፡ ነቲ ኽትዓይየሉ እትኽእል መዳያት ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ልብና “ጽኑዕ ዕርዲ” ሰሪሑ ዘሎ ሓሳባት እንተ ስዒርና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ባህ ከነብሎ ንኽእል ኢና።—መዝ. 19:14።
14. ጥዑያት ኣዕሩኽ ምምራጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
14 ጥዑያት ኣዕሩኽ ምምራጽ ሳልሳይ ኣድላዪ ስጕምቲ እዩ። ንፍለጦ ወይ ኣይንፍለጦ ብዘየገድስ፡ ብኣዕሩኽና ብዙሕ ንጽሎ ኢና። (ምሳ. 13:20) ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ከነማዕብል ዘይሕግዙና ሰባት ኢና እንኽበብ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ግና ብሉጻት ዓይነት ኣዕሩኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብኡ ኸኣ ኢና “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” እንነቓቓሕ ወይ እንለዓዓል።—እብ. 10:24, 25፡ እ.ጽ.።
“ብእምነት ጽንዑ”
15-16. ከመይ ገይሩ እዩ ሰይጣን ንኣተሓሳስባና ኺልውጦ ዚጽዕር፧
15 ሰይጣን ንኣተሓሳስባና ኺልውጦ ኸም ዚጽዕር ኣይንረስዕ። ነቲ ቓል ኣምላኽ ዜሕድሮ ጽልዋ ንምብርዓን፡ ኵሉ ዓይነት ሓሳባት ይጥቀም እዩ።
16 ሕጂ እውን ሰይጣን ከምቲ ንሄዋን ኣብ ገነት ኤደን፡ “[ከምዝን ከምትን] ኢሉዶ ኣምላኽ ኣዚዙ እዩ፧” ኢሉ ዝሓተታ ዓይነት ሕቶ እዩ ዚሓትት ዘሎ። (ዘፍ. 3:1) ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ጥርጣረ ኺፈጥር ዚኽእል ሕቶታት ንሰምዕ ኢና፦ ‘ኣምላኽ ንመውስቦ ሕደ ጾታዶ ኣይቅበሎን እዩ፧ ኣምላኽ፡ በዓል ልደተ ክርስቶስን ዕለተ ልደትናን ከነብዕልዶ ኣይደልን እዩ፧ ኣምላኽ ንምምሕልላፍ ደም ክንኣቢዶ ይጽበየና እዩ፧ ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ምስ እተወገዱ ሰብና ኸይንቀራረብዶ ትጽቢት ይገብረልና እዩ፧’
17. ንእምነትና ዚብድህ ሕቶታት ምስ ዜጋጥመና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ እቲ ውጽኢት እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእልከ ኣብ ቈሎሴ 2:6, 7 ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧
17 ንእምነታትና ኻብ ልብና ኽንኣምነሉ ኣሎና። ዘይተመለሰ በዳሂ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮና እንተ ኣልዩ፡ ናብ ጥርጣረታት ኪቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ጥርጣረታት ከኣ ንኣተሓሳስባና ኺጠውዮ፡ ንእምነትና እውን ኬጥፍኣ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ “እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ መርሚርና ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ንኣእምሮና ኽንልውጦ ኸም ዘሎና እዩ ቓል ኣምላኽ ዚነግረና። (ሮሜ 12:2) ስሩዕ መጽናዕቲ ብምግባር፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ሓቅታት መርሚርና ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና። ስርዓታት የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኽንኣምነሉ ንኽእል ኢና። ሽዑ፡ ከምታ ድልዱል ሰራውር ዘለዋ ኦም ብምዃን ሱር ክንሰድድን ‘ብእምነት ክንጸንዕን’ ኢና።—ቈሎሴ 2:6, 7 ኣንብብ።
18. ነቲ ናይ ሰይጣን ዓለም እተሕድሮ መርዛም ጽልዋ ንምብርዓን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
18 ካልእ ሰብ ንእምነትካ ጽንዕቲ ኺገብራ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ብኣተሓሳስባኻ ብቐጻሊ ተሓደስ። ኣዘውቲርካ ጸሊ፣ የሆዋ መንፈሱ ኺህበካ ለምን። ብዕምቈት ኣስተንትን፣ ንኣተሓሳስባኻን ንውሽጣዊ ድራኸኻን ወትሩ መርምሮ። ጥዑያት ኣዕሩኽ ምረጽ፣ ንኣተሓሳስባኻ ኽትልውጥ ብዚሕግዙኻ ሰባት ተኸበብ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ዓለም እተሕድሮ መርዛም ጽልዋ ኸተበርዕኖ፡ “ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ልዕል ዝበለን” ድማ ከተፍርስ ኢኻ።—2 ቈረ. 10:5።
መዝሙር 50 ጸሎት ወፈያ
a ኣተሓሳስባና ብድሕረ ባይታናን ብባህልናን ብትምህርትናን እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ይጽሎ እዩ። ገሊኡ ግጉይ ኣረኣእያታት ግና ኣብ ስብእናና ጽኑዕ ዕርዲ ይሰርሕ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ዘማዕበልናዮ ግጉይ ዝንባለታት ከመይ ጌርና ኽንቈጻጸሮ ኸም እንኽእል ከተርእየና እያ።