ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/94 ገጽ 4
  • ንመጽሔታት ሓቂ ንምክፋል ተጠቐመሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመጽሔታት ሓቂ ንምክፋል ተጠቐመሎም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 5/94 ገጽ 4

ንመጽሔታት ሓቂ ንምክፋል ተጠቐመሎም

1 ኣብዚ ናይ ሎሚ ማሕበረሰብ ብምኽንያት ምግናን ናይ ንግዲ ምልክታትን ጠበርቲ ናይ ፖለቲካ መብጽዓታትን ዘታልሉ ዓለምለኻዊ ሕቶ መሰላትን ዋጋ ናይ ሓቅነት ኣዳኺምዎ ኢዩ። ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን ሓቂ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ነቲ ንሳ እተምጽኦ ዘለኣለማዊ በረኸት ክወርስ ኩሉ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝሕብራ ንሳተን ጥራይ ስለ ዝኾና ፍሉያት ኢየን።

2 ኣብ ሓንቲ ሃገር ሐደ ንቁም ነገር ናይዘን ክልተ መጽሔታት ዝተገንዘበ ናይ ዜና ሚኒስተር ክዕደላ ፍቓድ ክረኽባ ደጊፉ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንግምቢ ዘብዐኛ ሓንቲ ካብተን ዝበለጻ መጽሔታት ገይረ ኢየ ዝቕበላ፣ ክሕግዘኩም ድማ ደስ ኢዩ ዝብለኒ።” ነዘን ህይወት ዝህብ ፍልጠት ዘለወን መጽሔታት ብምዝርጋሕ ንኻልኦት ክንሕግዝ መሰልና ኢዩ። (ዮሃ. 17:​3) ነዘን ቁም ነገር ዘለወን መጽሔታት ኣብ ወርሒ ግንቦት ከመይ ጌርካ ከተበርክተን ኢኻ? ምናልባት እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።

3 ነተን ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ “ግምቢ ዘብዐኛ” ዘለዋ ናይ መእተዊ ዓንቀጻት ጌርካ እንተድኣ ቀሪብካዮም ከምዚ ክትብል ትኽእል :-

◼ “ንሰባት ብዛዕባ እታ ናይ ዓለም ዝለዓለ መሸጣ ዝረኸበት መጽሓፍ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ኣየነይቲ ምዃናስ ትፈልጥዋዶ? [መልሲ ተጸበዩ] ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝገዝእዋ ዘለዉስ ብቑዕ ምኽንያት ክህሉ ኣለዎ። እቲ ምኽንያት ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:​16 ይርከብ።” ነቲ ጥቕሲ ምስ ኣንበብኩም፣ ካብ ገጽ 6, 7 ካብታ “ተኣማንነተ ዝመልኦ መምርሒ ኣበይ ኢኻ ክትረክብ እተኽእል?” እትብል ዓንቀጽ ገለ ሓሳባት ጠቒስኩም ክምዝገብ ሕተትዎ፣ እንተ ዘይተኻእለ ድማ ክልቲኤን መጽሔት ምስ ብሮሹር ወፍይሉ።

4 ወይ ድማ ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ሒዝካ ምስ ቀረብካ ድሕሪ ሓጺር መእተዊ ከምዚ ክትብል ትኽእል :-

◼ “ሰባት ኣብ ከምዚ ኣብ ገጽ 7 ናይዛ ግምቢ ዘብዐኛ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ክነብሩ ይከኣል ኢልካዶ ትሓስብ?” (በዓል ቤት መለሲ ክህብ ፍቐደሉ) ድሓር ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ ዘሎ ናይ ገጽ 7 ቁጸሪ 1 ዘሎ ሓሳባት ኣንቢብካ ተመያየጠሉ እሞ እንተድኣ ተመዝጊቡ እዘን መጽሔታት እዚአን ብግቡእ ኣብ ቤቱ ክመጽእኦ ከም ዝኽእላ ኣብሪህካ ግለጸሉ።

5 ኣብቲ ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ መዝገብኩም ኣብ መጀመሪያ ቑሩብ ተገዳስነት ዘርኣዩ ምንም ውጽኢት ዘይብሎም ክህልዉኹም ይኽእሉ ኢዮም። ተገዳስነቶም ውሱን ስለ ዝነበረስ ተመሊስካ ምብጽሖም ኣድላይ ኮይኑ ኣይ ስማዓኩምን ይኸውን። እቲ መዝገብ ግን ነቲ ናይ መጽሔት ኣተዓዳድላ ስርዓትኩም ከተማዕብሉ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። እንተድኣ ሓንቲ ዓንቀጽ ንሓደ ሰብ ተገድሶ ኢያ ኢልኩም፣ ነቲ ሰብ ክትበጽሕዎን እታ መጽሔት ድማ ከተበርክትሉን ርግጸኛታት ኩኑ።

6 ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት:- እዚ እቲ ኣብ መጽሔታትና ተገዳስነት ዝርከበሉ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። እቲ ዓይኒ ዝስሕብ ገበሮም ብግልጺ ኣብ ዝርአ ቦታ ምቕማጦም ዝርርብ ንምጅማር እኹል ኢዩ። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ስርሓ እቶም መሳርሕታ ክትሓለለፉ ከለዉ ምእንቲ ክርእይዎ ገለ ሕታማት ኣብ ጣውላ ኣቐመጠት። ብኸምዚ ብዙሕ ክትዕድል ክኢላ ኢያ። ገለ ቅዳሓት ሒዝኩም ምኻድ ልምዲ ግበርዎ፣ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ናብ ዕዳጋ ክትከዱ ከሎኹም፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከዱ ከሎኹም፣ ብኣውቶቡስ ክትጓዓዙ ከሎኹም ወይ ድማ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸቡ ከሎኹም ከተበርክቱ ተበግሶ ውሰዱ።

7 ብሓገዝ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን ብዛዕባ የሆዋን ኣምልኾኡን ዝምስክሩ ኣገደስቲ ሕቶታት መልሲ ረኺብና ኢና። ብዝኾነ ዝከኣል መገዲ ጌርና “[የሆዋ] ኣምላኽ ሓቂ” ምዃኑ ክፈልጡ ነዘን መጽሔታት እዚአን ክንጥቀመለን ንደሊ ኢና።​—⁠መዝ. 31:​5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ