ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/96 ገጽ 1
  • ብምሉእ ነፍስኹም ዕየዩ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብምሉእ ነፍስኹም ዕየዩ!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ነቲ ብምሉእ ነፍስኻ እትገብሮ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ብምሉእ ነፍሰይ ንየሆዋ አገልግሎ እየ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽትምስክር ትኽእል ኢኻ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ንየሆዋ መዓልታዊ ወድሶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 5/96 ገጽ 1

ብምሉእ ነፍስኹም ዕየዩ!

1 ንየሆዋ ኣመስገንቲ እንዀነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። እዚ ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበረልና: ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ ዝገብረልና ዘሎ: ጌና ድማ ንዝመጽእ ዝገብረልና ዘጠቓልል ኢዩ። ምስጋናና እንታይ ንምግባር ኢዩ ከለዓዕለና ዘለዎ፧ ናይ ዳዊት መዝሙር ከምዚ ብምባል መልሲ ይህብ:- “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ: ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ።”​—⁠መዝ. 34:⁠1

2 መጽሓፍ ቅዱስ ክንሰብኽ ከም እተኣዘዝና ብንጹር ይገልጸልና ኢዩ። እዚ ‘ብምሉእ ነፍስና ንየሆዋ’ እንገብሮ ዕዮ ኢዩ። (ቈሎ. 3:​23 ትሓዓ ) ብሓቂ ብምሉእ ነፍስና እንተድኣ ዓይና ኣብቲ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧ ነቲ የሆዋ ምእንታና ኽብል ዘርኣዮ ፍቕሪ ምስ እንሓስበሉ: ብርግጽ ኣልባብና ንኻልኦት ብዛዕብኡን ብዛዕባ እቲ ክቡር ዕላማታቱን ኣብ ምንጋር ውፉይ ተሳታፍነት ንኽህልወና ከለዓዕለና ኢዩ! እቲ እንኽእሎ ክንገብር ክንለዓዓል ኢና።

3 ሓደ ብምሉእ ነፍሱ ዝዓዪ ሰብ: ቈላሕታኡ ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎት ከተኵር ድል​የት ክህልዎ ትጽቢት ክግበረሉ ምኽንያታዊ ኢዩ። እቲ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ዝነበሮ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ አሎኹ።” (መዝ. 119:164) እቶም ከም ናይዚ ጸሓፍ መዝሙር ዝመስል ስምዒታት ዘለዎም ሰባት: ንዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ንየሆዋ ንምውዳስ ክጥቀምሉ ኢዮም ዝደልዩ። ኵነታቶም ከም ዘፍቅዶ: ክሳዕ ዝከኣሎም ብቕንኢ ኢዮም ዘገልግሉ።

4 ንየሆዋ ንኽንውድሶ ኣጋጣሚታት መሊኡና ኢዩ:- ነቲ ብስራት ንምስባኽ ኣብ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ክሳዕ እንካፈል ምጽባይ ኣየድልየናን ኢዩ። መሳርሕትና: መማህርትና: ኣዝማድና: ከምኡውን ኣዕሩኽና ኵሎም ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ክሰምዑ የድልዮም ኢዩ። ክንገይሽ ከሎና ንናይ ሆቴል ኣካየድቲ: ንናይ ቤት መግቢ ሰራሕተኛታት: ናይ መዐደል ነዳዲ ሰራሕተኛታት: ወይ ንሰብ ታክሲ ክንምስክረሎም መገዲ ዝኸፍተልና ዕላላት ክንጅምር ንኽእል ኢና። ኣብ ቤትና እውን እንተዀነ: ንጐረባብቲ ወይ ነቶም ኣብ ቤትና ብምምጻእ እተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝህቡና ሰባት ክንምስክረሎም ንኽእል ኢና። ሆስፒታል እንተድኣ ኣቲና ድማ: ብናይ እግረ⁠-​መገዲ ስብከት ገይርና ክንሰብከሎም እንኽእል ኣለይቲ ሕሙማት: ሓካይም: ከምኡውን ካልኦት ሕሙማት ኣለዉ።

5 ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ፍረ ኣለዎ:- ሓደ መዓልቲ ክልተ መሰኻኽር ኣብ ሓደ መናፈሻ ዘወር ይብሉ ነበሩ: ምስ ሓደ ውላዱ ሒዙ ዝዛወር ዝነበረ መንእሰይ ሰብኣይ ድማ ዕላል ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ መንእሰይ ሰብኣይን በዓልቲ ቤቱን ሓቂ ተቐበሉ። ጸኒሑ እቲ መንእሰይ ሰብኣይ: ነቶም ክልተ መሰኻኽር ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ ምርካቡ ኣቐድም ኣቢሉ ‘እንተድኣ ኣሊኻ: በጃኻ ክፈልጠካ ኣፍቅደለይ’ ብምባል ናብ ኣምላኽ ከም ዝጸለየ ገለጸ። ነቲ ኣብቲ መናፈሻ ዘጋጠሞ ነገር ናይቲ ንየሆዋ ዘቕረቦ ጸሎት መልሲ ገይሩ ወሰዶ።

6 እቶም ንኻልኦት ብመንፈስ ንምሕጋዝ ኣብ ዘለዎም ባህጊ ብምሉእ ነፍሶም ዝዓዩ ሰባት ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። ከምዚ ዝበለ “ብምሉእ ልቢ:” ዝግበር ኣገልግሎት ንየሆዋ ሓጐስ ከም ዘምጽኣሉ ይፈልጡ ኢዮም።​—⁠1 ዜና. 28:⁠9 ትሓዓ 

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ