ንኻልኦት ናይ ሓቂ ሓልዮት ብምርኣይ ንየሆዋ ምሰልዎ
1 ንኻልኦት ናይ ሓቂ ሓልዮት ብምርኣይ ዝመጸ የሆዋ እቲ ዝዓበየ ኣብነት ኢዩ። ኣድማሳዊ ልዑል ከም ምዃኑ መጠን: ናይ ሰብኣዊ ፍጥረቱ ድሌታት ይፈልጥን ይግደስን ኢዩ። (1 ጴጥ. 5:7) የሱስ ንሰዓብቱ ባህርያት ናይቲ ንጻድቃንን ሓጥኣንን ጸሓይ ዘብርቕ ከምኡውን ዝናብ ዘዝንብ ኣቦኡ ከንጸባርቑ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። (ማቴ. 5:45) ንነፍሲ ወከፍ ዝረኸብካዮ ሰብ ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ከተካፍሎ ድልው ብምዃን—ንኻልኦት ናይ ሓቂ ሓልዮት ብምርኣይ ንየሆዋ ክትመስሎ ትኽእል ኢኻ። ምስቶም ኣብ ሓምለ ንኣገልግሎት እንጥቀመሎም ብሮሹራት ኣጸቢቕካ ብምልላይ: ንኻልኦት መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ ድሉው ክትከውን ኢኻ። እዞም ዝስዕቡ ርእይቶታት ኣብ ቀዳማይ እግርኻ ክትበጽሖም ከሎኻ ብኸመይ ከም እትዳሎ: ብድሕሪኡ ድማ ንተገደስቲ ሰባት እዋናዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ብኸመይ ክትከታተሎም ከም እትኽእል ገለ ሓሳባት ክህቡኻ ኢዮም።
2 ነታ “ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ እዩ፧” (እንግሊዝኛ) እትበሃል ብሮሹር ከተበርክት ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣምላኽ ብዛዕባ ሰባት ብሓቂ ዝግደስ እንተድኣ ዀይኑ ስለምንታይ ንኽሳቐዩ ይፈቅድ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ ነዚ ሕቶ እዚ ዘዕግብ መልሲ ኣብ ርእሲ ምሃባ: ነቲ ሰብ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ እዛ ምድራዊት ቤቱን ዘምጽኦ ዕንወት ኣምላኽ ከልግሶ ከም እተመባጽዐ ከተርእየካ ኢያ።” ኣብ ገጽ 27 ንቝጽሪ 23 ኣንብባ። ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣርእዮ እሞ: ካብ ቍጽሪ 22 ንመዝሙር 145:16 ኣንብበሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክታ። ነታ ብሮሹር እንተድኣ ተቐቢሉዋ: ኣብ ካልኣይ እግርኻ ክምለስ ዝኽእል “ኣምላኽ ንወድሰብ ንምብራኽን ንምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥን ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ከም ዝፍጽሞ ክትፈልጥ ምደለኻዶ፧” ዝብል ሕቶ ሕተት።
3 ናብቶም “ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧” እትበሃል ብሮሹር ዘበርከትካሎም ሰባት ክትምለስ ከሎኻ: በዚ ዝስዕብ ገይርካ ካልእ ምይይጥ ክትጅምር ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ክበጽሓካ ከሎኹ ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባና ከም ዝግደስን ነቲ ሰብ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ እዛ ምድራዊት ቤቱን ዘምጽኦ ዕንወት ከልግሶ ምዃኑ ከም እተመባጽዐን ተዘራሪብና ነይርና።” ናብቲ ኣብ ገጽ 2-3 ናይታ ብሮሹር ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ብምግንጻል ከምዚ በል:- “ንዝርርብና በታ ኣምላኽ ንወድሰብ ንምብራኽን ንምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥን ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ክፍጽሞ ኢዩ፧ እትብል ሕቶ ደምዲምናዮ ነይርና። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧” መልሲ ተጸበ። ናብ ገጽ 17 ገንጽል ቍጽሪ 2 ከምኡውን ዳንኤል 2:44 ኣንብብ። ብድሕሪኡ ኣብ ገጽ 18 ቍጽሪ 12 ኣንብብ። እቲ በዓል ቤት ንኽፍሊ 9 ናይታ ብሮሹር ምሳኻ ኰይኑ ክርእያ ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ ሕተቶ። እንተድኣ ተሰማሚዑ ምስኡ ኴንካ ኣጽንዓያ።
4 ነታ “እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ኸሎ” (እንግሊዝኛ) እትበሃል ብሮሹር ከተበርክት ከሎኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል መእተዊ ኣብዚ እንሆ። ነቲ ገበራ ኣርእዮ እሞ ከምዚ በል:-
◼ “ሎሚ እዛ ነቶም ፍቑራቶም ብሞት ዝሰኣኑ ሚልዮናት ምጽንናዕን ተስፋን ዝሃበት ብሮሹር ንዕድላ ኣሎና። ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እንታይ ተስፋ ከም ዘለዎም ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ሂቡና ዘሎ ተስፋ ትንሳኤ ኣነጺሩ ይዛረብ ኢዩ።” ንዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብበሉ። ነታ ብሮሹር ብምግንጻል ነቲ ኣብ ገጽ 28 ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ከምኡውን ኣብ ገጽ 31 ናይ መጀመርታ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ነጥብታት ሓሳባት ሃበሉ። ነቲ ምስኡ ዘሎ ስእላዊ መግለጺታት ኣርእዮ። ነታ ብሮሹር ኣበርክታ። “ኣብ መወዳእታ ሞት ፈጺሙ ከም ዝውገድ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧” ኢልካ ብምሕታት ንተመላሊስካ ምብጻሕ መገዲ ክትከፍት ትኽእል ኢኻ።
5 ኣብቲ “እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ኸሎ” እትበሃል ብሮሹር ዘበርከትካሉ ቦታ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: ነዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ክትጥቀም ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ክንዘራረብ ከሎና ብዛዕባ ዘደንቕ ተስፋ ትንሳኤ ተመያይጥና ነይርና። እታ ዝገደፍኩልካ ብሮሹር ሞት ኣብ መወዳእታ ፈጺሙ ከም ዝጠፍእ ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል ትገልጽ ኢያ። ናይ ኣምላኽ መብጽዓ ዘጸናንዕን ርግጸኛን ኰይኑዶ ረኺብካዮ፧” መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ናብ ገጽ 31 ናይታ ብሮሹር ብምኻድ ንኻልኣይን ሳልሳይን ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ራእይ 21:1-4 ወሲኽካ ኣንብቦ። ነቲ ፈጺምና ከይሞትና ህይወት ናይ ምስትምቓር ዘሎና ተስፋ ኣጕልሓዮ። ነቲ እተራእየ ተገዳስነትን ሽዑ ዝህሉ ኵነታትን ኣብ ግምት ብምእታው: ብመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ወይ ፍልጠት ገይርካ ጽንዓት ክትገብሩ ክትዕድሞ ትኽእል ትኸውን ወይ ድማ ተወሳኺ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር መገዲ ዝኸፍት ካልእ ሕቶ ሕተት።
6 ነታ “ናይ ምዉታት መናፍስቲ” እትበሃል ብሮሹር ከተበርክት ከሎኻ ነዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ብዙሓት ሰባት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ስለምንታይ ክፍኣት እናበዝሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ይገርሞም ኢዩ። ኣምላኽ: ሓንቲ ሰይጣን ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ምዃና ዝገልጽ ዘደንቕ መብጽዓ ከም ዝሃበ ትፈልጥዶ ነይርካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብዚ ስእሊ እሞ ርአ።” (ነታ መናፍስቲ እትበሃል ብሮሹር ኣብ ገጽ 28 ብምግንጻል ነቲ ትሕዝቶኣ ግለጸሉ። ግዜ ዘፍቅድ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ጥቕሲ ኣንብቦ። ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ገጽ 29 ከምኡውን 30 ዘለዉ ንኡስ ኣርእስትታት ኣርእዮ እሞ ነታ ብሮሹር ኣበርክታ።)
7 “እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ” እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ብጽቡቕ ክትጥቀመላ ይከኣል ኢዩ። ነዚ ኣቀራርባ እዚ ንሕብረኩም:-
◼ “ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዙሓት ሰባት ንበዓል ትንሳኤ ከም የሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ዝተንስኣሉ ግዜ ገይሮም ኣብዒሎምዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: ሕጂ የሱስ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ዝሓስቡ ሰባት ብዙሓት ኣይኰኑን። ብሓገዝ ናይ ሒደት ውሑዳት ስእላዊ መግለጺታት ገይረ ሕጂ የሱስ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጸልካ ምፈቶኹ። (ገጽ 12 ከምኡውን 13 ናይታ ብሮሹር ገንጽል። ኣብቲ ኣብ ገጽ 12 ኣብ ካልኣይ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ንማርያም እተዋህባ ናይቲ መልኣኽ መግለጺ ሓሳባት ክትህብ ትኽእል ኢኻ: ብድሕሪኡ ናብቲ ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእልታት ብምምልካት ነታ ኣብቲ ገጽ ዘላ ናይ መወዳእታ ምልእቲ ሓሳባት ኣንብባ።) ካብዛ ብሮሹር እዚኣ ብዛዕባ የሱስ ከም ንጉስ መጠን ዘለዎ ግደ ብዙሕ ደስ ዘብል ነገራት ክትማሃር ትኽእል ኢኻ።” ንገጽ 21 ገንጺልካ ኣርእዮ። ነታ ብሮሹር ኣበርክተሉ: ኣብ ዝመጽእ ግዜ ድማ ነቲ ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ትንቢት ከም እትገልጸሉ ሓሳብ ኣቕርበሉ።
8 ኣገልግሎትና ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ‘ናብ [“ርጡብ” ትሓዓ ] ፍልጠት ሓቂ ኪመጹ’ ክንሕግዞም ዘሎና ልባዊ ባህጊ ከንጸባርቕ ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:4) ስለዚ: ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት መደብካ ንነፍሲ ወከፍ ብሮሹር ዝዓደልካዮ ሰብ ክትምለሶ ግዜ ፍለ። ንዓኣቶም ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምርኣይካ: ነቶም ኣብ ማእከል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዝግበር ጽያፍ ዝጕህዩን ዝትክዙን ሰባት ንኽድሕኑ ዝሕግዝ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ህዝ. 9:4, 6) ንኻልኦት ናይ ሓቂ ሓልዮት ብምርኣይ ንየሆዋ ትመስሎ ከም ዘሎኻ ብምፍላጥ ዝርከብ ሓጐስን ዕግበትንውን ከተስተማቕር ኢኻ።—ምስ ፊልጲ 2:20 ኣረኣእዮ።