ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/96 ገጽ 3
  • ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ንቑሕ ኵን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ንቑሕ ኵን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • መንፈሳውነትና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና ኣኼባ ወረዳ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 7/96 ገጽ 3

ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ንቑሕ ኵን

1 ንእንረኽቦ ኣጋጣሚታት ንቑሓት እንተድኣ ኴንና ኣብ ኣገልግሎትና ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብዙሕ ኵነታት ኣሎና። (ቈሎ. 4:⁠5) ንኣብነት: ሓደ ሰብ “ነዚ መጽሔታት እዚ እፈትዎ ኢየ” ክብል ይኽእል ኢዩ። እዚ ናይ መጽሔት ምዝገባ ክህልዎም ወይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ክንዕድሞም ኣጋጣሚ ይህበና ኢዩ! ሓደ ካልእ ሰብ ድማ “እዛ ሕታም እዚኣ ጽብቕቲ ትመስል: ግን ገንዘብ የብለይን” ይብል ይኸውን። ኣብዚ ሓደ ሓው ተመሊሱ ክመጽእ እሞ ነታ ሕታም ሓቢሮም ከንብብዋ ክዕድሞ: ወይ ከኣ መዓስ ገንዘብ ክረክብ ከም ዝኽእል ክሓቶ ይኽእል ኢዩ።

2 ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ተገዳስነት የርኢ ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣብ እንዳ ኻልእ ሰብ ገዛ ወይ ህዝቢ ኣብ ዝርከቦ ቦታ ረኺብናዮ ንኸውን። ኣድራሻኡ ንኽንሕዝ ንቑሓት ዲና፧ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ምስ ዝኸውን: ገዝኡ ከርእየካ ዝኽእል እንተዀይኑ ሕተቶ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ዝቕረቡ ኢዮም: ግን ግዜ የብልናን ኢዮም ዝብሉ። እዚኣቶም መጽሔታት ወይ ከኣ እንተሓመቐ ትራክት ከነበርክተሎምን ሕጽር ዝበለ ናይ መልእኽትና ሓንቲ ምልእቲ ሓሳባት ገይርና ክንነግሮምን ኣጋጣሚታት ይህቡ ኢዮም። ስለምንታይ እሞ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እትጥቀመሉ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ኣቐዲምካ ክትለማመደሉ ዘይትፍትን፧

3 ብዙሓት ኣስፋሕቲ እቲ በዓል ገዛ ኣብቲ ማዕጾ ምስ መጸ ይኸብዶም ኢዩ። ይኹን እምበር: ከይተጨነቕካ ብእተቕርቦ መእተዊ ብሓቂ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክትከፍት ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “ዘይትፈልጦም ሰባት ብምርኣይካ ተገርሚካ ትኸውን። ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ጥንቁቕ ምዃን ስለ ዘድሊ ከምዚ ምዃንካ ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዝዀነ ይኹን ዘይትፈልጦ ሰብ ከም ዓርኪ ወይ ሓው ዝዀነሉ ግዜ ከም ዝመጽእ: ብዙሓት ሰባት ኣይፈልጡን ኢዮም። ነዚ ክትኣምኖ ትኽእልዶ፧”

4 ብተመሳሳሊ መገዲውን ካልኦት ልሙዳት ናይ ቤተ-ቤት ኣጋጣሚታት እነዉልካ። ሓንቲ ሰበይቲ ክዳውንቲ ትሓጽብ ትህሉ። በቲ ትሰርሖ ዘላ ንኣዳ እሞ ገለ ደስ ዘብል ነገር ክትሰምዕ ሓሙሽተ ደቒቕ ከተቋርጽ ሓሳብ ኣቕርበላ። ሓደ ወላዲ ምስ ውላዱ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን። ናይቲ ቈልዓ ዕድመ ክንደይ ምዃኑ ሕተት እሞ: እቲ ቈልዓ ምስ ዓበየ ዓለምና ከመይ ከም እትመስል ሕተቶ። ወይውን ሓደ መንእሰይ ነቲ ማዕጾ ይኸፍቶ ይኸውን። ብዛዕባ ዕድሜኡ ወይ ትምህርቱ: ኣብ ህይወት ዘለዎ ዕላማ ሕተቶ እሞ ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ መንእሰይ ሓጐስ ክረክብ ይኽእልዶ፧ ወይ ከኣ ክረኽቦ ቀሊልዶ ኢዩ፧ ዝብል ሕቶ ኣልዕል። ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብ ኣብ ገዛ የዕሪፉ ይህሉ ይኸውን። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣእምሮ ብቐሊሉ ናብ ሽግራት ገጹ ከም ዝዘዙ: ይኹን እምበር ንስኻ ናብ ዘሐጕስ ነገራት ገጽካ ከተቃንዖ ከም ዝደለኻ ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ።

5 ኣጋጣሚታት ከምልጡኻ ኣይተፍቅደሎም። እቲ በዓል ቤት ኣብ ገዛ ኣይጸንሓካን ይኸውን: ይኹን እምበር

(ናብ 2ይ ዓምዲ ይቕጽል)

ኣጋጣሚታት(ካብ 3ይ ዓምዲ)

ክትዛረቦ እትኽእል ጋሻ ይህሉ ይኸውን። ገለ ካብዞም ኣጋይሽ እዚኣቶም ካብቲ ብስራት ዘይበጽሖ ዞባታት ኢዮም ዝመጹ! ወይ ድማ ምስ ሓደ ሰብ እናተዛረብካ ከሎኻ ሓደ ካልእ ሰብ መጺኡ ይሰምዕ ይኸውን። ንኽልቲኦም ኣዛርቦም እሞ: ብድሕሪኡ እቲ በዓል ገዛ ኣየናዮም ምዃኑ ኣረጋግጽ። ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ንቑሕ ክትከውን ክሕግዘካ ናብ የሆዋ ጸሊ። ኣወንታዊ ኵን! ብብዝሒ ክትባረኽ ኢኻ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ