ምብጽጻሕ መጽሔት ክትገብር ከሎኻ “ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ምዝራእ”
1 ኣብታ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዘላ መዝሙር ቍጽሪ 133 “ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ምዝራእ” ዝብል ኣርእስቲ ኣለዋ። እዛ መዝሙር እዚኣ ኣብቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምስቲ ዘርኢ ምዝራእ ብምምስሳል እተዛረቦ ምሳሌ እተመስረተት ኢያ። (ማቴ. 13:4 -8፣ 19-23) ናይታ መዝሙር ቃላት ከምዚ ይንበብ:- “ካብቲ እትዘርኦ ክንደይ ዝኣክል ኣብቲ ጽቡቕ ምድሪ ከም ዝወድቕ/መብዛሕትኡ እዋን ብዓቢኡ ኣባኻ እተመርኰሰ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ውጽኢት ከነዕብዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ካብቲ መገድታት ምብጽጻሕ መጽሔት ብምጅማርን ቀጻሊ ከም ዝኸውን ብምግባርን ኢዩ።
2 መጽሔት ብምብጽጻሕ ንገለ ሸቶታት ክትበጽሖም ትኽእል ኢኻ። (1) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ምስቲ ተገዳሲ ስለ እትራኸብ: ጽቡቕ ዕርክነት ክትምስርት ትኽእል። (2) ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዘሎ ህይወት ዘድሕን ፍልጠት ብቐጻሊ ከም ዝረክብ ትገብሮ። (3) በቲ እትዛረቦ ነገራት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንኽረክብ ባህጊ ከም ዘሕድር ትገብሮ: እዚ ባህጊ እዚ ኸኣ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።—1 ጴጥ. 2:2
3 ምብጽጻሕ መጽሔት ብኸመይ ከም እትጅምር:- ሓደ ሰብ ተገዳስነት እንተድኣ ኣርእዩ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብሉጽ ዓንቀጻት ከም ዝወጽእን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ከተብጽሓሉ ኸኣ ፍቓደኛ ምዃንካን ግለጸሉ። ምስ ተፈላለኹም ናይቲ ሰብ ስምን ኣድራሻን: ዝረኸብካዮ መዓልቲ: ዕለት ናይቲ ዝሃብካዮ ሕታማት: እተዛራረብኩምሉ ኣርእስቲ: ከምኡውን እቲ ሰብ ብፍላይ እተገደሰሉ ኣርእስትታት መዝግብ።
4 ምብጽጻሕ መጽሔት ብሒደት ሰባት ጥራይ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ካልኦት መጽሔት እትዕድሎም ሰባት ብምውሳኽ ከተስፍሖ ጽዓር። እናሰፈሐ ምስ ከደ: ንምሽፋኑ ምእንቲ ክቐለካ ናብ ዞባታት ክትመቓቕሎ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ኣየናይ መጽሔት ከም ዝሃብካን መዓስ ከም ዝሃብካዮን ተጠንቂቕካ መዝግቦ። ብተወሳኺ: ብዛዕባ እንታይ ከም እተዘራረብካ: ኣብ ዝቕጽል ምብጻሕ እቲ ሰብ ኣብ ሓቂ ንዘርኣዮ ተገዳስነት ንኸተዕብዮ እንታይ ከም እትገብር መዝግቦ።
5 ንነጋዶን ሰብ ሞያን ኣብ ግምት ኣእትዎም:- መብዛሕትኡ ግዜ: ወነንቲ ድኳናትን ሰብ ሞያን ብቐጻሊ መጽሔታትና ይቕበሉ ምዃኖም ካብ ተመክሮ ተራእዩ ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ንኸንቲባ ናይታ ዝነብረላ ከተማ እውን ከይተረፈ መጽሔት የብጽሓሉ ነይሩ ኢዩ። ሓደ ኣስፋሒ ንወዲ 80 ዓመት ወናኒ ናይ ሓደ መሳርሒታት ህንጻ ዘከፋፍል ኩባንያ ንዓሰርተ ዓመታት መጽሔታት ብተኸታታሊ ከብጽሓሉ ምስ ጸንሐ ጽንዓት ጀሚሩሉ ኢዩ!
6 ሓንቲ ፓይነር ሓብቲ ኣብ ሓደ ድኳን ምስ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ተራኸበት። ንሳቶም ግን ጽቡቕ ገይሮም ኣይተቐበሉዋን። ይኹን እምበር: መጽሔታት ስለ እተቐበልዋ: ኣብቲ እትገብሮ ምብጽጻሕ መጽሔት ከተእትዎም ወሰነት። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን: ጽቡቕ ገይሮም ስለ ዘይቅበልዋ: ርእይቶኦም ክገልጹ ምስ እትሓቶም እውን ከይተረፈ ብዙሕ ስለ ዘይምልሱላ: ምኻድ ከተቋርጽ ደለየት። እታ ሓብቲ ግን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸለየት እሞ ኣብ መወዳእታ ንዘለኣለም ምንባር እትብሃል መጽሓፍ ኣበርከተትሎም። እታ ሰበይቲ ምስ ኣንበበታ “ኣብ መወዳእታ: ነታ ሓቂ ረኺበያ!” በለት። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ እሞ: ድሕሪ ገለ ግዜ ተጠምቁ። ናይታ ፓይነር ዘይምሕላል ብርግጽ ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ።
7 ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር:- ሓድሽ መጽሔት ምስ መጸካ: ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ኣንብቦ። ነቶም መጽሔት እተበጻጽሓሎም ሰባት ንነፍሲ ወከፎም ከለዓዕሎም ዝኽእል ነጥብታት ድለ። ድሕርዚ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከንብብ ከለኹ: ንዓኻ ብኸመይ ከም እተገድሰካ እሓስብ ነይረ።” እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ኣስፋሕቲ መጽሔት ኣብ ምብጽጻሕ ደስ ኢልዎም ክካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ንእሽቶ ቈልዓውን ከይተረፈ ከምዚ ክብል ይኽእል:- “እንደገና ስለ ዝረኸብኩኻ ደስ ኢሉኒ። ሓደስቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሕታማት መጺኡልካ ኣሎ። ከም ዝመስለኒ እዛ . . . ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀጽ ባህ ትብለካ ኢያ።”
8 “ኣብታ እትቕጽል ሕታምና” ኣብ ዝብል ሳጹን ቈላሕታ ከም ዝገብር ገይርካ ኣብ እትቕጽል ሕታም ንዝወጽእ ዓንቀጻት ንኸንብብ ሃንቀውታ ከም ዝሓድሮ ግበር። ተኸታታሊ ዝወጽእ ዓንቀጻት ምስ ዝህሉ ብዛዕብኡ ንገሮ: ዋላ ሓንቲ ክፍሊ ንኸይሓልፎ ኸኣ ኣተባብዓዮ። ነቶም መጽሔት እተበጻጽሓሎም ሰባት መጽሔት ክትወስደሎም ከሎኻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኢልካ ክትቈጽሮ ከም እትኽእል ኣይትረስዕ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ሸቶና ነዞም ሰባት እዚኣቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ምግባር ክንመርሖም ምዃኑ ኣይትረስዕ።
9 ነቶም መጽሔት እተበጻጽሓሎም ሰባት ብቐጻሊ ብጽሓዮም:- እቲ ምብጽጻሕ መጽሔት ምስ ኵነታትካ ኣብ ዝቃዶ ግዜ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዘሎ መዓልቲ ንግሆ: ድሕሪ ቐትሪ: ኣብ ኣጋ ምሸት: ወይ ከኣ ቀዳመ-ሰንበት ካብ ቤት ናብ ቤት ኣገልጊልካ ምስ ወዳእካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ብምኽንያት ሕማም ወይ ዕረፍቲ ነቲ ምብጽጻሕ መጽሔት ክትገብሮ እንተ ዘይከኣልካ: ኣብ ስድራቤትካ ወይ ጉባኤኻ ዘሎ ካልእ ኣስፋሒ ነተን ምብጽጻሕ ክገብረልካ ሕተቶ። ከምዚ ምስ እትገብር: እቶም ሰባት መጽሔታቶም ብዘይምቍራጽ ኣብ ግዜኡ ክበጽሖም ኢዩ።
10 ዘርኢ እታ መንግስቲ እትዘርኣሉ ሓደ መገዲ: ነቶም መጽሔት እተበጻጽሓሎም ሰባት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብቐጻሊ ምውሳድ ኢዩ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ምስ መሃርካዮም: ነቲ ቃል ናይታ መንግስቲ ክርድእዎ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምሳኻ ሓቢሮም ፍረ ናይታ መንግስቲ ከፍርዩ ኢዮም።—ማቴ. 13:8, 23