ሕቶ ሳጹን
◼ ሓደስቲ ሰባት ቅድሚ ምጥማቖም በየናይ ጽሑፋት ኢና ጽንዓት ክንገብረሎም ዘሎና፧
ሓደ ሰብ ህይወቱ ንየሆዋ ቅድሚ ምውፋዩን ምጥማቑን: ርጡብ ፍልጠት ክህልዎ ኣለዎ። (ዮሃ. 17:3) እቲ ዝደልዮ ፍልጠት ንኽልቲአን ማለት ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹርን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ብምጽናዕ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር መጀመርታ ኢያ ትጽናዕ። እቲ ጽንዓት በታ መጽሓፍ ፍልጠት እንተ ተጀሚሩ ግን: ብድሕሪኣ እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ክትጽናዕ ኣለዋ። እዚ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ትምህርትታት ብሓፈሽኡ ሒዛ ኣላ። መጀመርታ እንተድኣ ተጸኒዓ ነቲ ተማሃራይ ንየሆዋ ንኸሐጕስ ብዛዕባ እቲ ብቕዓታት መሰረታዊ መረዳእታ ትህቦ። ኣብ መወዳእታ እንተ ተጸኒዓ ኸኣ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት እተሸፈነ ትምህርቲ ከም ድግማ ትዀኖ። በዚ ይኹን በቲ: እቲ ተማሃራይ ነቶም ሓገዝቲ ጥቕስታት ከንብቦምን ከስተንትኖምን ኣተባብዓዮ። እቶም ስእልታት ኣዝዮም ኣስለጥቲ: ንምምሃር ዝሕግዙ መሳርሒታት ስለ ዝዀኑ ከተጕልሖም ኣሎካ።—ናይ 15 ጥሪ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-17 ርአ።
እቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽልቲአን ጽሑፋት ኣጽኒዑ ምስ ወድአ: ንጥምቀት ክዳሎ ኸሎ ሽማግለታት ንዘቕርቡሉ ኵሉ ሕቶታት ክምልስ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ጽንዓት ዝመርሕ ንዕቤት ናይቲ ጽንዓት ዝገብረሉ ሰብ ክግደስ እኳ እንተ ኣለዎ: ብኻልእ ጽሑፍ ገይሩ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓሉ ግን ኣየድልን ኢዩ።—ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14, 17 ርአ።