ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/99 ገጽ 2
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ምእንቲ ክማሃሩ ንምሕጋዞም እትኸውን ሓዳስ መሳርሒት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ጽንዓት ንምጅማር ነታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ትጥቀምዶ ኣሎኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 7/99 ገጽ 2

ሕቶ ሳጹን

◼ ሓደስቲ ሰባት ቅድሚ ምጥማቖም በየናይ ጽሑፋት ኢና ጽንዓት ክንገብረሎም ዘሎና፧

ሓደ ሰብ ህይወቱ ንየሆዋ ቅድሚ ምውፋዩን ምጥማቑን: ርጡብ ፍልጠት ክህልዎ ኣለዎ። (ዮሃ. 17:⁠3) እቲ ዝደልዮ ፍልጠት ንኽልቲአን ማለት ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹርን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ብምጽናዕ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር መጀመርታ ኢያ ትጽናዕ። እቲ ጽንዓት በታ መጽሓፍ ፍልጠት እንተ ተጀሚሩ ግን: ብድሕሪኣ እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ክትጽናዕ ኣለዋ። እዚ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ትምህርትታት ብሓፈሽኡ ሒዛ ኣላ። መጀመርታ እንተድኣ ተጸኒዓ ነቲ ተማሃራይ ንየሆዋ ንኸሐጕስ ብዛዕባ እቲ ብቕዓታት መሰረታዊ መረዳእታ ትህቦ። ኣብ መወዳእታ እንተ ተጸኒዓ ኸኣ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት እተሸፈነ ትምህርቲ ከም ድግማ ትዀኖ። በዚ ይኹን በቲ: እቲ ተማሃራይ ነቶም ሓገዝቲ ጥቕስታት ከንብቦምን ከስተንትኖምን ኣተባብዓዮ። እቶም ስእልታት ኣዝዮም ኣስለጥቲ: ንምምሃር ዝሕግዙ መሳርሒታት ስለ ዝዀኑ ከተጕልሖም ኣሎካ።​—⁠ናይ 15 ጥሪ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-17 ርአ።

እቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽልቲአን ጽሑፋት ኣጽኒዑ ምስ ወድአ: ንጥምቀት ክዳሎ ኸሎ ሽማግለታት ንዘቕርቡሉ ኵሉ ሕቶታት ክምልስ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ጽንዓት ዝመርሕ ንዕቤት ናይቲ ጽንዓት ዝገብረሉ ሰብ ክግደስ እኳ እንተ ኣለዎ: ብኻልእ ጽሑፍ ገይሩ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓሉ ግን ኣየድልን ኢዩ።​—⁠ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14, 17 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ