ካብዚ ዘለኻሉ ከባቢ ናይ ምግዓዝ መደብ ኣለካ ድዩ፧
ናይ ምግዓዝ መደብ እንተድኣ ኣልዩካ: ንስኻን ካልኦትን ተበግሶ ወሲድኩም ክትገብርዎ ዘድሊ ነገራት ኣለኩም። ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዋሂቡ ዘሎ መሰረታዊ ነጥብታት ብምስዓብ ኣብታ እትኸዳ ዘሎኻ ጉባኤ ከይተጋየሽካ ልሙድ ንጥፈታትካ ክትጅምር ኢኻ።
(1) እቲ እትኸዶ ኸባቢ ኣበይ ምዃኑ እንተድኣ ፈሊጥካ ጸሓፊ ናይታ ዘለኻላ ጉባኤ: ኣድራሻ ናይታ እትኸዳ ጉባኤ ኣደራሽ መንግስቲ ክረክብ ይኽእል ይኸውን ኢዩ። ኣብቲ ኸባቢ ምስ በጻሕካ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ኣደራሽ ብምኻድ ናይ ጉባኤ ኣኼባ መዓስ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ነቲ ኣደራሽ ዝጥቀማሉ ልዕሊ ሓንቲ ጉባኤ እንተድኣ ዀይነን: ኣብ ዞባ ናይ ኣየነይተን ጉባኤ ትነብር ከም ዘሎኻ ነቶም ሽማግለታት ሕተቶም። ውዓል ሕደር ከይበልካ ኣኼባታት ተኻፈልን ምስቶም ናይታ ጉባኤ ሽማግለታት ተላለን።
(2) ጸሓፍቲ ኽልቲአን ጉባኤታት: ማለት ናይዛ ሕጂ ዘለኻላን ናይታ እትኸዳን: ነቲ ናትካን ናይ ስድራቤትካን ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ ካርድ ኣብ ምትሕልላፍ ክተሓባበሩ ኢዮም። ንሽማግለታት እታ እትኸዳ ጉባኤ ናይ መሰነይታ ደብዳበ እውን ክለኣኸሎም ኢዩ። (ኣብ ናይ ለካቲት 1991 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት ሕቶ ሳጹን ርአ።) እቲ ናይታ እትኸዳ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ ንመራሒ ናይታ ንስኻ እትህልወላ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ምምጻእካ ክሕብርዎ ኣለዎም: እዚ ኸኣ ንሱ ምሳኻ ንኽራኸብን ነታ እትጽንበራ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ንኽትፈልጣ ክሕግዘካን የኽእሎ።—ሮሜ 15:7
(3) ኵሎም እቶም ኣብታ እትኸዳ ጉባኤ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ምሳኻ ናይ ምፍላጥን ምዉቕ ኣቀባብላ ናይ ምግባርን ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኣለዎም። (ምስ 3 ዮሃንስ 8 ኣረኣእዮ።) ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ኽበሃል ከሎ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓድሕዳዊ ምትብባዕን ምትህንናጽን ምእንቲ ክትገብር ኣኼባታት ክትካፈል ይግብኣካ ማለት ኢዩ።
(4) ኣብታ እትኸዳ ዘሎኻ ጉባኤ: ግራት ኣገልግሎት ንምውፋር ኵሉ እቲ ምስ ምግዓዝ ዝመጽእ ጕዳያት ክሳዕ ዝጻፈፈልካ ኣይትጸበ። ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንተድኣ ኣቐዲምካ: ኵሉ ነገራት ክዕመመልካ ኣብቲ ሓድሽ ከባቢኻ ድማ ኣይክትጋየሽን ኢኻ። (ማቴ. 6:33) ናብራኻ ምስ ተወገነ ንገለ ኣሕዋት ካብታ ጉባኤ ክበጽሑኻ እሞ ብዝበለጸ ክትላለዮም ከም እትደሊ ፍሉጥ ኢዩ።—ሮሜ 12:13ለ
ምግዓዝ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢ ፕሮጀክት ኢዩ። ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ ዝምልከቶ ሰብ ነዚ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት እንተድኣ ዓዪሉ: መንፈሳዊ ጸገም ኣይክህሉን ኢዩ። ንዅላቶም እቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ክርስትያናዊ ሕውነትና ብጽቡቕ ክጸልዎም ኢዩ።