መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሓይሊ ርአ!
ብኸመይ፧ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ —ኣብ ናብራኻ ዘለዎ ሓይሊ ዘርእስታ ቪድዮ ካሴት (እንግሊዝኛ) ብምርኣይ ነዚ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እዚኣ ሳልሰይቲ ክፋል ናይታ ብተኸታታሊ ዝወጸት መጽሓፍ ቅዱስ —ጭብጥታትን ትንቢታትን ዝሓዘ መጽሓፍ ዘርእስታ ቪድዮ ካሴት (እንግሊዝኛ) ኢያ።
ዕዉት ሓዳር ክህልወካ ትደሊ ዲኻ፧ ጽንኩር እዋን ከጋጥመካ ኸሎ ክትሰግሮ ትደሊ ዲኻ፧ መንእሰያት: ሓላፍነት ዝስምዖም ዓበይቲ ሰባት ኰይኖም ክዓብዩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዩ፧ እዛ ቪድዮ ካሴት እዚኣ ከም እትገልጾ መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ገለ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ጽቡቕ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ክዛረቡ ከለዉ ስማዕ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ጸገማት ንኽዋጽኡሉ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ክገልጹ ከለዉ ጽን ኢልካ ስማዕ።
እዛ ቪድዮ እዚኣ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ካብ ምውዓል ዝርከብ ረብሓ ንኽርድኡ እትሕግዝ ጠቓሚት መሳርሒ ኢያ። ማሕበር ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ —ኣብ ናብራኻ ዘለዎ ሓይሊ ዘርእስታ ቪድዮ ካሴት ኣብ መኽዘን ኣለዋ። ብናይ ጉባኤኻ ናይ ጽሑፍ ኣገልጋሊ ኣቢልካ ቅዳሕ ንኽህልወካ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።