ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/00 ገጽ 1
  • “ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንክርስትያን ኣንስቲ ደግፈን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንደቂ ኣንስትዮ ኸምቲ የሆዋ ዚሕዘን ጌርካ ዲኻ እትሕዘን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ኣኽቢርካ ዝርኣያ ንየሆዋ ዘምልኻ እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣሓት ኪመጣጠራ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 2/00 ገጽ 1

“ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ”

1 ጳውሎስ ብዛዕባ እተን ኣብ ጉባኤ ሮሜ ዝነበራ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ዝበሃላ ክልተ ጻዕራማት ኣሓት ክገልጽ ከሎ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ተጠቕመለን። ብዛዕባ እታ ጰርሲስ እትበሃል ካልእ ሓብቲ ድማ “ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዐረት” በለ። ንፌቤን እውን ‘ንብዙሓት ደጋፊት’ ብምባል ብጽቡቕ ኢዩ ኣልዒልዋ። (ሮሜ 16:⁠2, 12) ዶርቃስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት” ተባሂላ ኢያ ተገሊጻ ዘላ። (ግብ. 9:⁠36) መንፈሳውያን ደቂ ኣንስትዮስ ንጉባኤ ኣየ ከመይ ዝበላ በረኸት ኰን ኢየን!

2 ነተን ኣብ ጉባኤና ዘለዋ ጻዕራማት ኣሓት ነማስወንዶ ኢና፧ ኣብ ዕዮ ስብከት እቲ ዝበዝሐ ክፋል ይዓያ: ንመብዛሕትኡ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓ: ከምኡውን ንብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ይሕግዛ ኢየን። ውሉዳት መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብሩ ኣብ ምሕጋዝ እውን ብዙሕ ግዜ የሕልፋ ኢየን። ክርስትያናት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጉባኤ መንፈስ ናይ ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ከምኡውን ቅንኢ ንምስፋን እጃመን የበርክታ ኢየን። ሰብኡተንን ካልኦት ኣባላት ስድራቤተንን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ንኽዓዩ ብብዙሕ መገዲ ይሕግዛኦም ኢየን።

3 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዋ ኣሓት:- ካብተን ብጐይታ ዝጽዕራ ደቂ ኣንስትዮ እተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ዕዮ ስብከት ኣብ ምድንፋዕ ዝካፈላ ሚስዮናውያን ኣሓት ይርከባአን። ኣንስቲ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ድማ ኣብተን ሰብኡተን ዘገልግሉለን ጉባኤታት ንዝርከባ ኣሓት ብምትብባዕ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ትሑዛት ኢየን። እተን ንማሕበር የሆዋ ንምድጋፍ ብቕንኢ ቅዱስ ኣገልግሎት ዝፍጽማ ኣብ ቤትኤል ዘለዋ ኣሓት ሸለል ክበሃላ የብለንን። እተን ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይነን ዘገልግላ ኣሓትና እውን ንኣምላኽ ንምውዳስ ብዝገብራኦ ቀጻሊ ጻዕሪ ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ሓቂ ብምምሃር ይሕግዛኦም ኣለዋ።

4 እዘን እሙናት ደቂ ኣንስትዮ እዚኣተን ርእሰ⁠-​መስዋእቲ ዝሓትት ዓይነት ናብራ ስለ ዝነብራ ብዙሕ ዕግበት ይረኽባ ኢየን። (1 ጢሞ. 6:⁠6, 8) ነዚኣተን ብእተኻእለናን ብእተፈላለየ መገድን ክንእደን: ከነተባብዐን: ከምኡውን ክንድግፈን ዝግባእ ኢዩ።

5 ክርስትያናት ደቂ ኣንስትዮ ብተኣማንነት ብምግልጋል ንዅሉ ሰብ በረኸት ስለ ዘምጽኣ: ንማሕበር የሆዋ ክቡር ንብረት ኢየን። ነዘን “ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ” ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣሓት ብቐጻሊ ነማስወን: የሆዋ ንኽባርኸን ከኣ ንጸልየለን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ