ተመሊስካ ከም እትበጽሖም ርግጸኛ ኹን!
1 “ኣየ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ዝርርብ ኢና ገይርና! ነዚ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምእንቲ ክገብረሉ ክርስዖ የብለይን” ኢልካ ክነስኻ: ድሓር ግን እቲ ሰብ ኣበይ ከም ዝነብር ህልም ዝበለካ እዋን ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ኣጋጢሙካ እንተድኣ ዀይኑ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ከም ዘይትርስዕ ርግጸኛ ክትኰነሉ እትኽእል እንኮ መገዲ ኣብ ጽሑፍ ምስፋር ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ።
2 ንዅሉ ሓበሬታ ጽሓፎ:- እቲ ምስ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ዝገበርካዮ ዝርርብ ካብ ኣእምሮኻ ከይሃሰሰ ኸሎ: ንዅሉ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ጽሓፎ። ናይቲ ሰብ እቲ ስምን ብኸመይ ከም እተለልዮን ጽሓፍ። ኣድራሽኡ መዝግብ: እንተዀነ ግን ብትኽክል ድኣ መዝግቦ እምበር ብግምት ኣይትጽሓፍ። ብዛዕባ እንታይ ከም እተዘራረብኩም: ዘንበብካሉ ጥቕሲ: ከምኡውን ዝሃብካዮ ጽሑፍ መዝግቦ።
3 ኣብ ዝቕጽል እትምልሳ ሕቶ ሓቲትካዮ እንተድኣ ዄንካ እውን ነታ ሕቶ መዝግባ። ብዛዕባ እቲ ሰብ እቲ: ስድራቤቱ: ወይ ሃይማኖቱ ዘስተውዓልካዮ ነገር ኣሎዶ፧ እንተሎ ነዚ እውን ጽሓፎ። ኣብ ዝቕጽል ክትበጽሖ ምስ ከድካ ነዚ ነገራት እዚ ምስ እትጠቅስ ብብሕቲ ከም እትግደሰሉ ከንጸባርቕ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ: ኣብ መጀመርታ እተራኸብኩምሉ ከምኡውን ክምለሰካ ኢየ ዝበልካዮ መዓልትን ሰዓትን ኣብ መዝገብካ ኣስፍር። ርጡብ መዘኻኸሪታት ምሓዝ: ብንጹር ንኽትዝክርን ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ንኸይትርስዕን ክሕግዘካ ኢዩ።—1 ጢሞ. 1:12
4 መዝጊብካ ምስ ወዳእካ ኵሉ ሳዕ ብቐሊሉ ነቲ መዘኻኸሪ ምእንቲ ክትረኽቦ ምስቲ ንኣገልግሎት እትጥቀመሉ ካልእ መሳርሒታት: ማለት ኣብቲ መጻሕፍቲ እትሕዘሉ ቦርሳ: ምስ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ): ከምኡውን ምስ ጽሑፋት ብሓደ ግበሮ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኸብካዮም ሰባት: ኣብቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎም ሰባት እትምዝግበሉ ወረቐት ዘይኰነስ: ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከሎኻ እትጥቀመሉ መዝገብ እንተ ኣስፈርካዮ ይሓይሽ። ንተመላሊስካ ምብጻሕ ጽፉፍ መዝገብ ኣብ ምሓዝ እትገብሮ ጻዕሪ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ እቲ ዝያዳ ኣድላዪ ተመሊስካ ምኻድ ኢዩ!
5 ብዛዕባ እቲ ሰብ እቲ ሕሰብ:- ናብ ኣገልግሎት ክትከይድ ክትዳሎ ከሎኻ: ተመላሊስካ ምብጻሕ እትጽሕፈሉ መዝገብካ ርአ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምኡውን ኣብ ዝቕጽል ምብጻሕ እንታይ ዓይነት ኣቀራርባ እንተ ተጠቒምካ ከም ዝሓይሽ ሕሰብ። ንተገዳስነት ናይቲ ሰብ ብኸመይ ናብ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተሰጋግሮ ሕሰብ። ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ምግባር ከም ኣገልጋሊ ናይቲ ብስራት መጠን እተፍርዮ ፍረ ከብዝሖ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ናይ ብሕትኻ ሓጐስ ይውስኽ።—ምሳ. 21:5ሀ
6 ሃየ እምበኣር: ኣብ ዝቕጽል እዋን ሰማዒት እዝኒ ምስ እትረክብ: ነቲ ዅነታት ብቐሊሉ ክዝክሮ ኢየ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ኣብ ክንድኡስ መዝግቦ: ድሓር ነቲ መዘኻኸሪኻ እንደገና ርኣዮ: ብዛዕባ እቲ ሰብ እቲ ሕሰብ: ድሕርዚ ተመሊስካ ብጽሓዮ!