ንቕዱስ ነገራት ተማስውሉዶ ኢኹም፧
1 ንቕዱስ ነገራት ነማስወሉ እንተድኣ ዄንና ምስ እንሕተት: መብዛሕትኡ ግዜ ‘እወ!’ ኢልና ንምምላስ ኣይነዕጠጥን ኢና። ገለ ካብቲ ከነማስወሉ ዘሎና ኣምላኽ ዘዳለወልና ቅዱስ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
2 ነቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና ክብ ኣቢልና እንርእዮ! እንተ ‘ቐሪብናዮ: ንሱውን ክቐርበና’ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። (ያእ. 4:8) በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይህሉ: ዋላ ሓደ ሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረክብ ኣይምኸኣለን ነይሩ። (ዮሃ. 3:16) ካብ ልቢ ብዝነቐለ ምስጋና: ነዚ ክቡር ውህበት ኣምላኽ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ንገልጽ ኢና።
3 እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ልክዕ ከም ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ንዓና ቅዱስ ኢዩ። ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንመላለስ: ማእሰር ሕውነታዊ ፍቕሪ ምስ እነደልድል: ንቲኦክራሲያዊ ስርዓት ተጠንቂቕና ምስ እንሕሉ: ከምኡውን ምስቶም መሪሕነት ዝወስዱ ምስ እንተሓባበር ነቲ ካብ የሆዋ እተዋህበና ምድላዋት ግቡእ ሞሳ ነርኢ።—1 ጴጥ. 1:22
4 በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢሉ ኣኽል-ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ይወሃበና ኢዩ። ኣብቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝውሰድ “ገበርቲ ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣኽል-ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ክንረክብ ኢና። ኣብኡ ኣብዚ እዋን እዚ ብህጹጽ ዘድልየና ኣገዳሲ መምርሒ ክንረክብን ምዉቕ ሕውነት ከነስተማቕርን ኢና። ነዚ ቅዱስ ምድላው እዚ ልባዊ ሞሳ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ቤት የሆዋ ዕሽሽ ኣይትበሉ:- ነህምያ ነቶም ግምቢ የሩሳሌም እንደገና ንምህናጽ ኣበርቲዖም ዝዓዩ ዝነበሩ እስራኤላውያን “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንሕደግ” ብምባል መዓዶም። (ነህ. 10:39) ሎሚ: “ቤት” የሆዋ ዝበሃል እቲ ንኣምልኾ ዝግበር ምድላው ኢዩ። ኣውራጃዊ ኣኼባና ክፍሊ ናይቲ ምድላው ኢዩ። ነዚ ዕሽሽ ከም ዘይንብሎ ንምርኣይ ኣብኡ ክንካፈልን ጽን ኢልና ክንሰምዕን ኣሎና: በዚ ኸምዚ ድማ ንየሆዋ ነቲ ምድላዋቱ ክብ ኣቢልና ከም እንርእዮ ነመስክር። (እብ. 10:24, 25) ነዚ ቕዱስ ኣጋጣሚ እዚ ምሉእ ብምሉእ ከም እነማስወሉ ምእንቲ ከነርኢ እንታይ መደባት ክንገብር ኣሎና፧
6 ሰለስቲኡ መዓልትታት ተኻፈሉ:- ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል ምድላው ክንገብር ኣሎና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣቐዲምካ ክትመጽን ክሳዕ ናይ ሰንበት ናይ መወዳእታ ጸሎትን ክትጸንሕዶ መዲብካ ኣሎኻ፧ እዚ መደብ እዚ ገይርካ እንተሎኻ ብዙሕ በረኸታት ክትዓጽድ ኢኻ። ኣብ ዓቢ ኣኼባ ምክፋል ኵሉ ሳዕ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዓለማዊ ስራሕካ ምትዕርራይ ንምግባር ጽኑዕ ኣቕዋም ክህልወካ የድሊ ይኸውን። ኵሉ ሳዕ ምቹእ መጓዓዝያ ኣይትረክብን ትኸውን። እዚ ረቛሒታት እዚ ግን ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ንኸይትካፈል ክዓናቕፈካ ኣይተፍቅደሉ።
7 ነዚ ብሉጽ ኣብነት ርኣዩ:- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓንቲ ምርግጋእ ዘይነበራ ኣፍሪቃዊት ሃገር ገለ ኣሕዋት ብሓባር ናብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ክጓዓዙ ከለዉ ወተሃደራት ረኸብዎም። እቶም ወተሃደራት “እንታዎት ኢኹም: ናበይከ ትኸዱ ኣለኹም፧” ኢሎም ሓተትዎም። እቶም ኣሕዋት ከኣ “ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና: ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ክንካፈል ድማ ኢና ንኸይድ ዘሎና” ኢሎም መለሱሎም። ድሕርዚ: ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ከምዚ በለ:- “ኣቱም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋላ ሓደ ነገር ኣይትፍርሁ። ኪዱ: ብዘይገለ ጸገም ከኣ ኣኼባኹም ክትገብሩ ኢኹም። እንተዀነ ግን: ብሕጂ ብዙሓት ወተሃደራት ከም ዘጋጥሙኹም ኣይትዘንግዑ። ኵሉ ግዜ ብማእከል መገዲ ጥራይ ኪዱ! እኩባት ሰባት እንተድኣ ርኢኹም: ስቕ ኢልኩም ብማእከል መገዲ ኪዱ!” ከምቲ ዝበሎም ገበሩ እሞ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ድማ ብደሓን በጽሑ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ስለ ዘርኣዩ ዓስቢ ረኸቡ።
8 ንእምነቶም ክንቀድሖ: እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ንኽንካፈል ድማ ቈራጽነት ክንገብር ከም እንኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምትዕርራያት ዘድሊ እንተድኣ ዀይኑ: የሆዋ ኣብ ብምሉኡ እቲ ፕሮግራም ንምክፋል እንገብሮ ጻዕሪ ከም ዝባርኾ ብምፍላጥ ካብኡ መምርሒ ንድለ።
9 በረኸት ዕጸዱ:- ቃል ኣምላኽ ናብ ምድሓን ከም እንዓቢ ዝገብር ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ንብህጎ ኢና። (1 ጴጥ. 2:2) ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምክፋልናን ነቲ ፕሮግራም ጽን ኢልና ምስማዕናን ንነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ቓል ድልዱል እምነት ንኽንሃንጽ ይሕግዘና: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ሰይጣን ዘውርዶ ከቢድ መጥቃዕትታት ብዝያዳ ክንጻወሮ ንኽእል። ከምዚ ብምግባርና ንየሆዋን ንዅሎም ተዓዘብትናን ንቕዱስ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ከም እነማስወሉ ከምኡውን ‘ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ክረኽቡ ዝኣምኑ እምበር: ምስቶም ንድሕሪት ዝምለሱ ከም ዘይኰንና’ ከነርኢ ኢና።—እብ. 10:39፣ 12:16፣ ምሳ. 27:11
10 ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ንመሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ መንፈሳዊ በረኸታት ብዘይልክዕ ዘፍስሰልና እዋን ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ንኽእል ኢና። (ሚል. 3:10) ኣብቲ “ገበርቲ ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ካብቲ ዓርቢ ንግሆ ዝህሉ መኽፈቲ ናይቲ ፕሮግራም ክሳዕ እቲ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መዕጸዊ ጸሎት “ኣሜን!” ኢልካ ዝውድኣሉ እዋን ንኽትካፈሉ ሸቶ ግበሩ። ከምኡ ምግባርኩም ክትሕጐስሉ ኢኹም!