ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
ንየሆዋ ኣምላኽ ፍቕርናን ምሉእ ተወፋይነትናን ከም ዝግብኦ ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር: ዓለም ምስኡ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ንኸይንዕቅብ ከተስድዓና ትፍትን ኢያ። (ዮሃ. 17:14) ኣብ የሆዋ ዘሎና ፍቕርን ነቲ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ንምቅዋም ዘሎና ክእለትን ምእንቲ ክድልድል: እዚ ኣብ ናይ 2001 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዝውሰድ ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም “ንኣምላኽ ደኣ እምበር ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይተፍቅሩ” ዝብል ኣርእስቲ ክህልዎ ኢዩ።—1 ዮሃ. 2:15-17
ንየሆዋ ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ ብዛዕባኡ ምስክርነት ንኽንህብ ይድርኸና ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ኣገልግሎት ምኻድ ቀሊል ኣይኰነን። ካብቲ “ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ኣገልግሎትና ይድርኸና” ዘርእስቱ ክፍሊ ብዙሓት ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክካፈሉ ንዝነበሮም ሕንክን ካልእ መሰናኽላትን ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ተማሃር።
እዚ እናንቈልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ኢዩ ዝጸልወና ዘሎ፧ ቀደም እከይ ዝበሃል ዝነበረ ተግባራት ሕጂ ግን ከም ንቡር ገይርካ ይርአ ኣሎ። እቲ “ንየሆዋ ዘፍቅሩ እከይ ይጸልኡ” ዘርእስቱ ዝርርብን “ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕትን ነቲ ካብ እኩይ ባህግታት ንምርሓቕ ዝገበርናዮ ውሳነ ከደልድሎ ኢዩ።
ኣብነት ዝኸውን ናይ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ኣብቲ ፕሮግራም ክህሉ ኢዩ: ኣብታ ሰሙን እቲኣ ናይ እትውሰድ ግምቢ ዘብዐኛ ጽማቝ ሓሳባት እውን ክቐርብ ኢዩ። እቲ “ብፍቕርን እምነትን ንዓለም ምስዓር” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ህዝባዊ ዝርርብ ንዓለማዊ ጸቕጥታት ኣብ ምጽዋር ንየሱስ ክንመስሎ ከተባብዓና ኢዩ። (ዮሃ. 16:33) ንጽንዓታትካ ምዕዳም ኣይትረስዕ። ዝዀነ ይኹን ክጥመቕ ዝደሊ ሰብ ዘድሊ ምድላዋት ምእንቲ ክግበር ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ከፍልጥ ኣለዎ።
የሆዋ ኣብዚሑ ምእንቲ ክባርኸና ንመን ከነፍቅር ከም ዘሎና ምእንቲ ከነተኵር እዚ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ክሕግዘና ኢዩ። ሃየ እምበኣር ገለ ካብኡ እውን ይኹን ከየምልጠካ!