‘ብርሃንኩም ይብራህ’
1 እዛ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ብስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ጸልማት ተዋሒጣ ኢያ ዘላ። ብርሃን ሓቂ ነቲ “ፍረ ዜብሉ ግብሪ” ጸልማት ይቐልዖ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ሓደገኛ መዐንቀፊ ይውገድ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ” ብምባል እተማሕጸኖም።—ኤፌ. 5:8, 11
2 እቲ “ፍረ ብርሃን” ካብዚ ናይዛ ዓለም ደልሃመት ኣጸቢቑ እተፈልየ ኢዩ። (ኤፌ. 5:9) ፍረ ብርሃን ንምፍራይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣነባብራና ፍልይ ዝበልና ኣብነት ብምዃን የሱስ ዝሰምሮም ሰባት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ: ንሓቂ ብምሉእ ልብና: ብቕንዕና: ከምኡውን ብውዕዉዕ ስምዒት ከም ዝሓዝናያ ከነርኢ ኣሎና። እዚ ፍረ እዚ ኣብ መዓልታዊ ናብራናን ኣገልግሎትናን ክንጸባረቕ ኣለዎ።
3 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ብርሃንኩም ይብራህ:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። (ማቴ. 5:16) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ዕላምኡን ብምስባኽ ንየሱስ ክንመስሎ ኸሎና: ንብርሃን የሆዋ ነንጸባርቕ ኢና። ንሰባት ገዝኦም ብምኻድ: ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ንጐረባብትና: ወይ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ ዘበለ ዅሉ ሓቂ ክንሰብኽ ከሎና ከም ብርሃናት ንበርህ ኢና።—ፊል. 2:15
4 ገሊኣቶም ብርሃን ይጸልኡ ምዃኖም የሱስ ገሊጹ ኢዩ። (ዮሃ. 3:20) ስለዚ መብዛሕትኦም ሰባት “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ” ንኸይበርሃሎም ክኣብዩ ከለዉ ኣይንሕለልን ኢና። (2 ቈረ. 4:4) የሆዋ ንኣልባብ ሰባት ስለ ዘንብብ ጻድቃን ዘይኰኑ ሰባት ምስ ህዝቡ ክሕወሱ ኣይደልን ኢዩ።
5 ብመገድታት የሆዋ እንተድኣ ተመላሊስናን መንፈሳዊ ብርሃን እንተድኣ ረኺብናን: ንኻልኦት ከነብርሃሎም ንኽእል ኢና። ኣብ ኣካይዳና “ብርሃን ህይወት” ከም ዘሎና እንተድኣ ርእዮም: ንሳቶም እውን ዘድሊ ለውጥታት ብምግባር ጸወርቲ ብርሃን ንምዃን ድራኸ ክሓድሮም ይኽእል ኢዩ።—ዮሃ. 8:12
6 ብርሃንና ብምብራህ ንፈጣሪና ውዳሰ ነምጽኣሉ: ቅኑዓት ሰባት ንኽፈልጥዎን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡን ድማ ንሕግዞም። (1 ጴጥ. 2:12) እምበኣርሲ ብርሃን ካብ ሃለወና: ካልኦት ሰባት ካብቲ መንፈሳዊ ጸልማት ወጺኦም ግብሪ ብርሃን ምእንቲ ኸፍርዩ ንምርሓዮም።