ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/01 ገጽ 1
  • ‘ብርሃንኩም ይብራህ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብርሃንኩም ይብራህ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ብርሃንኩም ይብራህ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንየሆዋ ምእንቲ ኸተሞግስዎ ‘ብርሃንኩም ይብራህ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • መለኮታዊ ብርሃን ንጸልማት ይቕንጥጦ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብርሃንና ብቐጻሊ ክበርህ ምሕዳጉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 1/01 ገጽ 1

‘ብርሃንኩም ይብራህ’

1 እዛ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ብስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ጸልማት ተዋሒጣ ኢያ ዘላ። ብርሃን ሓቂ ነቲ “ፍረ ዜብሉ ግብሪ” ጸልማት ይቐልዖ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ሓደገኛ መዐንቀፊ ይውገድ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ” ብምባል እተማሕጸኖም።​—⁠ኤፌ. 5:⁠8, 11

2 እቲ “ፍረ ብርሃን” ካብዚ ናይዛ ዓለም ደልሃመት ኣጸቢቑ እተፈልየ ኢዩ። (ኤፌ. 5:⁠9) ፍረ ብርሃን ንምፍራይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣነባብራና ፍልይ ዝበልና ኣብነት ብምዃን የሱስ ዝሰምሮም ሰባት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ: ንሓቂ ብምሉእ ልብና: ብቕንዕና: ከምኡውን ብውዕዉዕ ስምዒት ከም ዝሓዝናያ ከነርኢ ኣሎና። እዚ ፍረ እዚ ኣብ መዓልታዊ ናብራናን ኣገልግሎትናን ክንጸባረቕ ኣለዎ።

3 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ብርሃንኩም ይብራህ:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። (ማቴ. 5:⁠16) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ዕላምኡን ብምስባኽ ንየሱስ ክንመስሎ ኸሎና: ንብርሃን የሆዋ ነንጸባርቕ ኢና። ንሰባት ገዝኦም ብምኻድ: ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ንጐረባብትና: ወይ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ ዘበለ ዅሉ ሓቂ ክንሰብኽ ከሎና ከም ብርሃናት ንበርህ ኢና።​—⁠ፊል. 2:⁠15

4 ገሊኣቶም ብርሃን ይጸልኡ ምዃኖም የሱስ ገሊጹ ኢዩ። (ዮሃ. 3:⁠20) ስለዚ መብዛሕትኦም ሰባት “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ” ንኸይበርሃሎም ክኣብዩ ከለዉ ኣይንሕለልን ኢና። (2 ቈረ. 4:⁠4) የሆዋ ንኣልባብ ሰባት ስለ ዘንብብ ጻድቃን ዘይኰኑ ሰባት ምስ ህዝቡ ክሕወሱ ኣይደልን ኢዩ።

5 ብመገድታት የሆዋ እንተ​ድኣ ተመላሊስናን መንፈሳዊ ብርሃን እንተ​ድኣ ረኺብናን: ንኻልኦት ከነብርሃሎም ንኽእል ኢና። ኣብ ኣካይዳና “ብርሃን ህይወት” ከም ዘሎና እንተ​ድኣ ርእዮም: ንሳቶም እውን ዘድሊ ለውጥታት ብምግባር ጸወርቲ ብርሃን ንምዃን ድራኸ ክሓድሮም ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዮሃ. 8:⁠12

6 ብርሃንና ብምብራህ ንፈጣሪና ውዳሰ ነምጽኣሉ: ቅኑዓት ሰባት ንኽፈልጥዎን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡን ድማ ንሕግዞም። (1 ጴጥ. 2:⁠12) እምበኣርሲ ብርሃን ካብ ሃለወና: ካልኦት ሰባት ካብቲ መንፈሳዊ ጸልማት ወጺኦም ግብሪ ብርሃን ምእንቲ ኸፍርዩ ንምርሓዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ