ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/01 ገጽ 1
  • “ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ምስ ውድብ የሆዋ ለጊብካ ንበር
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ምስቲ ሕጉስ ኣምላኽ ተሓጐስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ብስርዓታዊ ልማድ እናዓቤኹም ቀጽሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 6/01 ገጽ 1

“ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ”

1 ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ክትከውን ከሎኻ ሰናይ ነገር ኢኻ ገይርካ። ሕጂ ግን ኣብዚ ጽንኩር ግዜ እዚ ንነብር ስለ ዘሎና ብቐጻሊ ‘ሰናይ ምግባር’ በዳሂ ኢዩ። (ገላ. 6:⁠9) ጻዕሪ ዝሓትት እኳ እንተ​ዀነ: ክትገብሮ ግን ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧

2 ከም ናይ የሱስ ዓይነት ሓሳብ ኣማዕብል:- ኣብ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ​ድኣ ኣተኲርካ: ከም የሱስ ፈተናታት ክትጽመም ትኽእል ኢኻ። (እብ. 12:⁠2, 3) የሆዋ ኸም ዘፍቅረካን ዕዉት ክትከውን ከም ዝደልን ርግጸኛ ኹን። (2 ጴጥ. 3:⁠9) ከም ዝድግፈካ እምነት ብምሕዳር ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ተወከል። (1 ቈረ. 10:⁠13) ጸሎት ኣዘውትር: ንኽትጽመም ክድግፈካ ድማ ለምኖ። (ሮሜ 12:⁠12) ብትዕግስትኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ክትረክብ ስለ እትኽእል ተሓጐስ። (ሮሜ 5:⁠3-5) ‘ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ገይርካ ሓደ ሓሳብ ንምሕሳብ’ ብተኣማንነት እትገብሮ ጻዕሪ: ብሕታዊ ዕግበት የምጽኣልካ: ንልቢ የሆዋ ድማ የሐጕሶ።​—⁠ሮሜ 15:​5፣ ምሳ. 27:⁠11

3 ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ:- ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ሰናይ ነገራት ንምግባር ምእንቲ ኸይስልክዩ ኢሉ ዝገበረሎም ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ። ቃል ኣምላኽ ናይ ምንባብ ከምኡውን እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዘዳለዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ናይ ምጽናዕ ልምዲ ይሃሉኻ። ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተዳሊኻ ንምኻድ: ንምክፋል: ከምኡውን ንምስታፍ ቈራጽነት ግበር። ቅድሚ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ድሕሪኡን ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ተቐራረብ። ኣብ ኣገልግሎትካ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ምእንቲ ኽትገብርን ነቲ ብስራት ንኻልኦት ናይ ምንጋር ክእለትካ ምእንቲ ኸተመሓይሽን ምስ ዓቕምኻ ዝመጣጠን ሸቶ ኣውጽእ።

4 በዚ ኸምዚ ንሰናይ ግብሪ ኣይትስልክን: ብዙሕ ሓጐስ ድማ ትረክብ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓደ ኣብ ኢጣልያ ዝነብር ሓው ከምዚ በለ:- “ንየሆዋ ኸገልግል ውዒለ ምሸት ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ: ልክዕ ኢዩ ድኻም ይስምዓኒ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ሕጉስ ኢየ: ዋላ ሓደ ኽምንዝዓኒ ዘይክእል ሓጐስ ስለ ዝሃበኒ እውን ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ።” ንስኻውን ከምኡ ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ: ሓጐስ ድማ ኽትረክብ ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ