ኣብ ዞባኻ ንዘለዉ ጸማማት ንምርካብ ትኩር ኩን
1 የሆዋ ‘ዝደለየ ይምጻእ: ማይ ህይወት እውን ብኸምኡ ይውሰድ’ ብምባል ጻውዒት የቕርብ ኣሎ። (ራእ. 22:17) ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸማማት ከኣ ነዚ ጻውዒት እዚ ይቕበሉዎ ኣለዉ። ከም ውጽኢት ናይዚ: ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ብዙሓት ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ቈይመን ኣለዋ።
2 ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ቀንዲ ናይ ስብከት ንጥፈታተን ንጸማማት ንምርካብ እኳ እንተዀነ: ኣብዛ ሃገር እዚኣ ግን ገና ዘይተመስከረሎም ብዙሓት ጸማማት ኣለዉ።
3 ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሰባት ናይ ምልክት ቋንቋ ኽጥቀሙ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ካብ ኣባላት ስድራቤቱ ጸማም ሰብ ዘለዎ መሳርሕቲ ወይ መማህርቲዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ጸማማት ንምርካብ ትኩር ኩን። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ግን ብኸመይ ምስክርነት ክወሃቦም ይኽእል፧ ኣብ ጉባኤኻ ወይ ጥቓኹም ኣብ እትርከብ ጉባኤ ምልክት ቋንቋ ዝኽእል ኣስፋሒ እንተልዩ በጃኻ ሓብሮ።
4 ኣብ ከባቢኻ ንዝርከቡ ጸማማት መንፈሳዊ ሓገዝ ክህብ ዝኽእል ሰብ እንተ ዘይተረኺቡኸ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ንምንታይ ባዕልኻ ዘይትሕግዞም፧ እንደገና ብምኻድ ክሰምዕ ንዝኽእል ዝዀነ ኣባል እታ ስድራቤት ስለምንታይ ዘይተዘራርቦ፧ ንተገዳስነት ናይቲ ጸማም ንምልዕዓል ናይ ምልክት ቋንቋ ቪድዮ ኽርኢ ዓድሞ። ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ንጸማማት ብግቡእ ምእንቲ ኽሰብኩሎም ምልክት ቋንቋ ተማሂሮም ኢዮም። (ግብ. 16:9, 10) እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ብናይ ኣመሪካ ምልክት ቋንቋ ኣብ ቪድዮ ተዳልየን ኣለዋ። ካብዘን ካሴታት ኣብ መኽዘንና እተወሰነ ኣሎና። በዚ መሳርሒታት እዚ ገይርካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ብዙሕ ኣወንታዊ ፍረ ተረኺብሉ ኢዩ።
5 ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ጸማማት ንምርካብ ትኩር ብምዃን: ማይ ህይወት ብኸምኡ ንኽወስዱ ኣጋጣሚ ኽትከፍተሎም ትኽእል ኢኻ።—ማቴ. 10:11፣ ራእ. 7:9