ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/02 ገጽ 1
  • ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ዘክሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ዘክሮም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንኣረጋውያን ኣገልገልቱ ይሓልየሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ነኽብሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ብግዜ እርጋን ሓጐስካ ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ ንየሆዋ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 12/02 ገጽ 1

ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ዘክሮም

1 እታ ጓል 84 ዓመት ዝነበረት ሃና መበለትን ብዕድመ ዝደፍአትን እኳ እንተ ነበረት: ‘ካብ ቤተ መቕደስ ኣይትወጽእን’ ወይ ኣይተብኵርን ነበረት። ተኣማንነታ ድማ ንየሆዋ ብፍሉይ መገዲ ንኽባርኻ ደረኾ። (ሉቃ. 2:36-38) ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣሕለፉ ኸለዉ: ከም ናይ ሃና ዝኣመሰለ መንፈስ የርእዩ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት ናይ ጥዕና ጸገማት ወይ ብሰንኪ እርጋን ዝመጽእ ሽግራት ከጋጥሞም ከሎ: ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ክቘርጹ ይኽእሉ እዮም። ከነተባብዖምን ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ንኽህልዎም ክንሕግዞምን እንኽእለሉ ገለ ግብራዊ መገድታት እስከ ንርአ።

2 ኣኼባታትን ኣገልግሎትን:- ኣስፋሕቲ ብፍቕሪ ተደሪኾም ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ሰባት ናብ ኣኼባ ዝጓዓዙሉ መጓዓዝያታት ምስ ዘዳልዉሎም: ብቐሊሉ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ክካፈሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ነዞም ንነዊሕ ግዜ ብተኣማንነት ዘገልገሉ ሰባት ብመንፈስ ይሃንጾም: ነታ ጉባኤ እውን ረብሓታት የምጽኣላ። ኣብዚ ሰናይ ተግባር እዚ ግደ ኣሎካዶ፧​—⁠እብ. 13:16

3 ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣሎም እዩ። ብዕድመ ዝደፍኡ ዀኑ ዝሓመሙ ግን ከምዚ ምግባር የጸግሞም እዩ። ሓደ ኻብዞም ፍቑራት ሰባት ኣብ ገሊኡ መዳይ ምስክርነት ‘መዓይይቲ’ ክዀኑኻ ዝኽእሉሉ መገዲ ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧ (ሮሜ 16:3, 9, 21) ምናልባት ምሳኻ ኣብ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ክካፈሉ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብሩ: ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሑ ኽትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ነቶም ካብ ቤቶም ክወጹ ዘይክእሉ ዘበሉ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ ኣብ ገዝኦም ወሲድካ መጽናዕቲ ኽትመርሓሉ ትኽእልዶ፧

4 መጽናዕትን ምሕዝነትን:- ሓድሓደ ግዜ ገሊኣቶም ኣሕዋት ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ወይ ብሕማም ዝሳቐ ኣስፋሒ ኣብ ቤቶም መጺኡ ኣብ ናይ ስድራቤቶም መጽናዕቲ ንኽካፈል ይዕድሙ: ወይ እውን ኣብ ቤቱ ብምኻድ መጽናዕቶም ይገብሩ። ሓንቲ ኣደ ንኽልተ ንኣሽቱ ደቃ በታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ገይራ መጽናዕቲ ንምምራሕ ናብ ቤት ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ትወስዶም ነበረት: ኵላቶም ከኣ በዚ ሕብረት እዚ ተተባቢዖም እዮም። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ናብ ምሳሕ: ድራር: ወይ ናብ ካልእ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ምስ ዝዕደሙ ይሕጐሱ እዮም። ብሰንኪ ጥዕና ምስኣን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምብጻሕ ክትገብረሎም ዘይከኣል እንተ ዀይኑ: ተሌፎን ክትድውለሎም ወይ ከኣ ኣሕጽር ኣቢልካ ምእንቲ ኸተንብበሎም: ምሳታቶም ምእንቲ ኽትጽሊ: ወይ ሃናጺ ተመክሮ ምእንቲ ኽትነግሮም ሕጽር ዝበለ ምብጻሕ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።​—⁠ሮሜ 1:11, 12

5 የሆዋ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮም። (እብ. 6:10, 11) ንሕናውን ንዖኦም ዘሎና ኣኽብሮት ብምርኣይን ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማዳት ክህልዎም ብምሕጋዝን ክንመስሎ ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ