ንሰባት እቲ ጽሩይ ቋንቋ ንምሃሮም
1 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ እተፈላለየ “ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” እተኣከቡ እኳ እንተዀኑ: ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ስለ ዘለዎም ሓድነት ኣለዎም። (ራእ. 7:9) ኣብዛ ምክፍፋል ዝበዝሓ ዓለም እዚ ዘደንቕ እዩ። እዚ ግን ብኸመይ እዩ ክኸውን ክኢሉ፧ ምኽንያቱ “ጽሩይ ከናፍር” ወይ ጽሩይ ቋንቋ ተዋሂቡና እዩ።—ጸፎ. 3:9
2 ዘደንቕ ጽልዋ:- ጽሩይ ቋንቋ ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ዝገልጽ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ብዝግባእ ምርዳእ እዩ: እዚ ኸኣ ብፍላይ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ሓቂ እዩ። ከምቲ የሱስ እተነበዮ እዚ ሓቂ እዚ በቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝርአ መትረብ: ማለት በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እዩ ዝዝርጋሕ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ” እተዋጽኡ ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይቕበልዎ ኣለዉ።—ማቴ. 24:45፣ ዘካ. 8:23
3 ሰባት ጽሩይ ቋንቋ ምስ ዝመሃሩ: ህይወቶም ምስ ስርዓታት የሆዋ ንኸሰማምዑ ይድረኹ። ‘ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ንኽጋጠሙ’ ይመሃሩ። (1 ቈረ. 1:10) ብዘይካዚ መለኮታዊ ትምህርቲ ብፍላይ ነቲ ብስራት ብምንጋር ዝመጸ ጽቡቕ ባህርን መንቅብ ዘይብሉ ጥዑይ ዘረባን ንኸፍርዩ የኽእሎም። (ቲቶ. 2:7, 8፣ እብ. 13:15) እዚ ዘደንቕ ለውጥታት ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ።
4 ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይ እቲ ብስራት ክንገሮ ኸሎ ብዙሕ ሕቶታት ነበሮ: ኵሉ ሕቶታቱ ኸኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመለሰሉ። በቲ ዝሰምዖ ውሽጡ ስለ እተተንከፈ: ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ መጽናዕቲ ኽገብርን ኣብ ኣኼባታት ክርከብን ጀመረ። ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ተኣከብቲ ኻብ እተፈላለየ ዓሌት ዝመጹ እኳ እንተ ነበሩ: በቲ ዝገበሩሉ ጽቡቕ ኣቀባብላ ተገረመ። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ህይወቶም ለውጢ ብምግባር ተጠምቁ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ብዙሓት ኣባላት ስድራቤቱ ዝርከብዎም 40 ዝዀኑ ሰባት ንየሆዋ ንኸገልግሉ ሓጊዝዎም እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜውን ስንክልና እኳ እንተለዎ: ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ጀሚሩ ኣሎ።
5 ንኻልኦት ምምሃር:- ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘጋጥም ዘሎ ፍጻመታት ንሓያሎ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣተሓሳስባኦምን ህይወቶምን እንደገና ንኽምርምሩ ይድርኾም ኣሎ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንኽንሕግዞም ልክዕ ከም የሱስ ባህጊ ኽሓድረና ኣለዎ። ብዝግባእ ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምግባር: ንቕኑዓት ሰባት ጽሩይ ቋንቋ ንኽንምህሮም ዘኽእለና ቐንዲ መገዲ እዩ።
6 ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከሎኻ ብእተፈላለየ ነገራት ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት ምስ ዘጋጥሙኻ: መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝጽናዕ ኣሕጽር ኣቢልካ ምግላጽ ውጽኢታዊ ዀይኑ እዩ ተረኺቡ። (km 5/02 ገጽ 1) ነዚ ፈቲንካዮዶ ትፈልጥ፧ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ክትዳሎ ኸሎኻ: ካብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ነቲ እትበጽሖ ሰብ ዝሰማማዕ ኣቀራርባ ኣዳሉ። ኣብታ እታው ዝርከብ መብዛሕትኡ ኣቀራርባታት በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ በታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ምይይጥ ናብ ምግባር ዝመርሕ እዩ። ነቲ መእተዊኻ ምስ ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ጽሑፋት ዝርከብ ሕጡብ ጽሑፍ ብምትሕሓዝ ነቲ ኣቀራርባ ተለማመዶ። ካብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት መሪጽካ ኣንብቦን ተመያየጠሉን: ኣብ መወዳእታ እትሓቶ ሕቶ ድማ ኣዳሉ። እዚ ኸኣ ናብታ ኣብ ዝቕጽል ምብጻሕ እትመያየጡላ ሕጡብ ጽሑፍ መሰጋገሪ ክዀነካ እዩ።
7 ህዝቢ የሆዋ ጽሩይ ቋንቋ ብምፍላጦም ብዙሕ በረኸታት እዮም ዝረኽቡ ዘለዉ። ስለዚ እምበኣር: ካልኦት ሰባት ‘ንስም የሆዋ ኽጽውዑን ምሳና ሓቢሮም ከገልግሉን’ ምእንቲ ክኽእሉ ተጊህና ንሓግዞም።—ጸፎ. 3:9