የሆዋ ምስጋና ይግብኦ ድራር ጐይታ 16 ሚያዝያ ኽበዓል እዩ
1 ናብ 16 ሚያዝያ 2003 እናቐረብና ኽንከይድ ከሎና ብዝያዳ ኢና ሃንቀው እንብል። በታ ምሸት እቲኣ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ብጾትና ሓቢርና ነቲ ንስም የሆዋ ዘኽብር ዝኽሪ ሞት የሱስ ከነብዕል ኢና። የሆዋ ነዚ ዘደንቕ በጅነት ብምድላዉ ምስጋና ይግብኦ። በዚ በጅነት እዚ ኣቢሉ ንእዙዛት ደቅሰብ ብዙሕ በረኸት ከፍስሰሎም እዩ። እምበኣር ምስቲ ጸሓፊ መዝሙር ሓቢርና ብምሉእ ልብና “እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ: ምስጋና ይግብኦ” ብምባል ንኣውጅ።—መዝ. 145:3
2 እዚ ወቕቲ እዚ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ሰናይን “ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ” ዝስምዓና ሞሳን እነስተንትነሉ እዋን እዩ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) ንድራር ጐይታ ምኽባርና: የሆዋ “መሓርን ርሕሩሕን . . . ብሳህሊ ዓብይን” ምዃኑ እዩ ዘስርጸልና። (መዝ. 145:8) ብሓቂ እምበኣር በጅነት: የሆዋ ንዅሎም ደቅሰብ ዘርኣዮ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሩ እዩ። (ዮሃ. 3:16) ንፍቕሪ ኣምላኽን ነቲ የሱስ ብተኣማንነት ዝሓለዎ ንጽህናኡን ከነስተንትነሉ ኸሎና: ንየሆዋ ንኸነመስግኖ ንድረኽ ኢና። ስለታ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ምድላው ብምግባር ዘርኣየና ዘይተኣደነ ፍቕሩ ንዘለኣለም ክንውድሶ ኢና።—መዝ. 145:1, 2
3 ካልኦት ንየሆዋ ንኸመስግኑ ሓግዞም:- ነቲ ሓለፍ ዝበለ ውህበት በጅነት ዘሎና ሞሳ: ካልኦት ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ ንኸመስግኑ ንኽንዕድሞም ይድርኸና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ተደሪኹ “መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ ኼውርዩ: ብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 145:7) ዓሚ ጥራይ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ስብከት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፎም እዮም። እዚ ጻዕርታት እዚ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብገምጋም ልዕሊ 5,100 ውልቀ-ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ብጥምቀት የርእዩ ነበሩ። ኣብ በዓል ዝኽሪ 15,597,746 ተኣከብቲ ብምንባሮም: ካብዚኣቶም እውን ልዕሊ 9 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ብምዃን ንየሆዋ ኸመስግንዎ ስለ ዘይጀመሩ: ገና ብዙሕ ወሰኽ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ! ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ነቲ ብስራት ናይ ምንጋር ከምኡውን ልቢ ኻልኦት ናብ የሆዋን ወዱን መንግስቱን ናይ ምስሓብ ዕዮና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።
4 ሓደ ኻብቲ ኻልኦት ንየሆዋ ኽብሪ ንኽህብዎ ኸነተባብዓሉ እንኽእል መገዲ ምሳና ሓቢሮም ድራር ጐይታ ንኸብዕሉ ብምዕዳም እዩ። ነቶም እዚ በዓል ዝኽሪ ዝበዓለሉ መዓልትን ሰዓትን ከተዘኻኽሮም እትደሊ ሰባት ስሞም መዝጊብካዮምዶ፧ ንዅሎም እቶም ዝመዝገብካዮም ሰባት ዓዲምካዮምዶ፧ ከምዚ እንተ ዘይጌርካ: ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ዓድሞም። ዕላማ ናይቲ በዓል ኣረድኣዮም። ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ንኣጋይሽ ሰላም በሎም። ፍዅስ ከም ዝብሎም ግበር: ምስ ካልኦት ኣላልዮም: ኣብኡ ብምምጽኦም ከኣ ነኣዶም።
5 ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብ ንሓደስቲ ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብሩ ኸለዓዕሎም ይኽእል እዩ። ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ጭንቀት ሓዲርዎ ነበረ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ እኩባት ሰባት ዘለዉዎ ክኸይድ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣከበ። ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ዘለዎ ሓሳብ ምስ ተሓትተ: “ካብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት ምሸት እያ ነይራ: ኣነውን ኣብኡ ተኣኪበ ነይረ” በለ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኻብ ኣኼባታት በዂሩ ኣይፈልጥን።
6 ድሕሪ በዓል ዝኽሪ:- እቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንየሆዋ ዝውድሱ ምእንቲ ክዀኑ ንምሕጋዞም እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ሽማግለታት ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ሓደስቲ ሰባት ከቕልቡሎም ከምኡውን ድሕሪ በዓል ዝኽሪ ኸይደንጐዩ ነቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ዘዘኻኽርዎም ብቕዓት ዘለዎም ኣስፋሕቲ ንኽበጽሕዎም ክምድቡሎም እዮም። ገሊኣቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመረሎም ይደልዩ ይዀኑ። ኣዘውቲርካ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ፍልጠት ከስፍሖ ስለ ዝኽእል: ናብ ኵሉ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽመጹ ዕድመ ክቐርበሎም ኣለዎ።
7 ንዅሎም እቶም ኣብ ኣኼባ ስርዓታውያን ኰይኖም ዘይመጹን ዝዛሕተሉን ንምትብባዕ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ንሓደ ዝዛሕተለ ሰብ እንደገና ኣገልግሎት ንኽጅምር ክትሕግዞ ብሽማግለታት እንተ ተመዲብካ: ንምድጋፍ ፍቓደኛ ኹን። ነሕዋትና ከምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ምርኣይ: ምስቲ ጳውሎስ “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ብምባል ዝሃቦ ምሕጽንታ ዝሰማማዕ እዩ።—ገላ. 6:10
8 ኣብ 16 ሚያዝያ ኵላትና ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ንኽንእከብ ፍሉይ ጻዕሪ ንግበር። እዚ ንየሆዋ ንምምስጋን ዘኽእለና ኣዝዩ ቕዱስ ኣጋጣሚ ኽሓልፈና ኣይንደልን ኢና። እወ: ስለቲ ዓብዪ ግብሩ ንየሆዋ ሕጅን ንዘለኣለምን ነመስግኖ!—መዝ. 145:21