ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/04 ገጽ 3
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “ነቲ . . . እተጻወረ ኣስተብህሉሉ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • ምስ ውድብ የሆዋ ለጊብካ ንበር
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ክሳዕ መወዳእታ ክትጽመም ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 3/04 ገጽ 3

ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ

1 ጐይታና እቶም ደቀ መዛሙርቱ መከራ ኸም ዜሕልፉ ተነብዩ ነይሩ። (ማቴ. 24:9) ንፈተናታት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ጸበባ ኽንዕገስ ንኽእልዶ፧ ኣብ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት ዚውሰድ ናይ ወረዳ ኣኼባ ነዚ ሕቶታት እዚ ኺምልሰልና እዩ። ቀንዲ ኣርእስቱ “ብተስፋ ተሓጐሱ: ብጸበባ ተዓገሱ” ዚብል እዩ።​—⁠ሮሜ 12:12

2 ክልተ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ:- እቲ ቐዳማይ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ “ብትዕግስቲ ፍረ ፍረዩ” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዀይኑ: ፍረ እንፈርየሉ መገድታት ዚገልጽ እዩ። ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ንዚሰብኩን ንዚምህሩን እተወሰኑ ኣስፋሕቲ ቓለ⁠-​መጠይቕ ኪግበረሎም እዩ። ወለዲ ነቲ ንደቆም ብኸመይ ኬረድእዎም ከም ዚግባእ ዚምህር “የሆዋ ክቐጽዓና ኸሎ” ዘርእስቱ ኽፍሊ ፍሉይ ቈላሕታ ኺገብሩሉ ኼድልዮም እዩ። እቲ ኣብቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ኽፍሊ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ተዛራባይ: እዛ ዓለም እዚኣ በብቝሩብ ንኸይትጸልወናን ዘይንፈሪ ንኸይትገብረናን ከመይ ጌርና ንርእስና ኽንከላኸል ከም እንኽእል ኪገልጽ እዩ።​—⁠ማር. 4:19

3 ኣርእስቲ እቲ ኻልኣይ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ “ኣብቲ ቕድድም ብትዕግስቲ ጕየዩ” ዚብል እዩ። ኣብዚ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ እዚ ህይወትና ከም ቅድድም ዝዀነሉ ምኽንያት ንጹር ኪዀነልና እዩ። ከምቲ ሕጉ ጌርና ኽንጐዪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ንዅሉ እቲ ዚኸብደና ኸነርሕቕን ኣብቲ ቕድድም ህይወት ከይሰልከና ኽንጐዪን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ ኣብኡ ዚቐርብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ እዋናዊ ማዕዳ ንዅላትና ብትዕግስቲ ንኽንጐዪ ኺሕግዘና እዩ።

4 ትዕግስቲ ስምረት ኣምላኽ የምጽእ:- እቶም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዜቕርብዎ ዝርርባት: ነቶም ነቲ ማዕዳ ሰሚዖም ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ እምነቶም ኬደልድለሎም እዩ። ሓደ ኻብቲ እቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዜቕርቦ ዝርርባት: “ትዕግስቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ንኽንረክብ ተኽእለና” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዎ። እቲ ህዝባዊ ዝርርብ ከኣ ‘ኣህዛብ ብስም መን እዮም ተስፋ ኺገብሩ ዘለዎም: እዚኸ እንታይ ዜጠቓልል እዩ፧’ ንዚብል ሕቶታት መልሲ ኺህበሉ እዩ። እቲ “ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም” ዘርእስቱ ናይ መደምደምታ ዝርርብ: የሱስ ነቲ ዝወረዶ ግፍዒ ኸይተመረረ ብኸመይ ከም እተዓገሶ ኺገልጸልና እዩ።

5 ነታ ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት ዘርእስታ ጽሕፍትን ኣብታ ሰሙን እቲኣ እትጽናዕ ግምቢ ዘብዐኛን ምምላእ ኣይትረስዑ። ብኣትኵሮ ምእንቲ ኽትሰምዕን ንመጻኢ መወከሲ ምእንቲ ኪዀነካን መዘኻኸሪ ጽሓፍ። ካልእ ግዜ ኣብ ጉባኤ ነዚ ኣኼባ እዚ እንደገና ኽንመያየጠሉ ኢና።

6 የሆዋ ባዕሉ መንፈሳዊ ድግስ ኣዳልዩልና ኣሎ። ንዑ! ንብላዕ! ኣብዚ ኣኼባ እዚ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብምእካብ እንተ ተኻፊልና ብሓጐስ እልል ክንብል ኢና።​—⁠ኢሳ. 65:14

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ