ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ነማዕብል
1. ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ልማዳ እንታይ እያ ኣስተውዒላ፧
1 ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ “ንዝሓለፈ 20 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ናብ ኣኼባታት ብምኻድን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብምስታፍን ጥራይ ኣብ ሓቂ ኽጸንሕ ክኢለ እየ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ግን “እዚ ነገራት እዚ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ኣብ ጽንኩር ኵነታት ግን እዚ ንበይኑ ጸኒዐ ንክቕጽል ከም ዘየኽእለኒ ደምደምኩ። . . . ንየሆዋ ናይ ብሓቂ ምእንቲ ኽፈልጦን ከፍቅሮን: ነቲ ወዱ ዝሃበና ኸኣ ምእንቲ ኸማስወሉ: ኣተሓሳስባይ ከዐሪ: ትርጕም ዘለዎ ናይ መጽናዕቲ መደብ ድማ ክገብር ከም ዘሎኒ ኣስተውዓልኩ” በለት።
2. ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ምምዕባል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
2 ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምምዕባል ጻዕሪ ይሓትት። ነቲ ኻብቲ ብልምዲ እትፍጽሞ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ንላዕሊ ዝሓትት እዩ። ናብ የሆዋ ኣዘውቲርና ዘይንጽሊ እንተደኣ ዄንና: ድሕሪ ግዜ ኸም ሓደ ምዝራቡ ዘቋረጽና እንቐርቦ ዝነበረ ዓርክና ክኸውን እዩ። (ራእ. 2:4) ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ጸሎትን ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ንኸነማዕብል ብኸመይ ከም ዝሕግዘና እስከ ንርአ።—መዝ. 25:14
3. ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብኸመይ ክንገብር ኣሎና፧
3 ጸሎትን ምስትንታንን ኣገዳሲ እዩ:- ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብሓቂ ጠቓሚ ንክኸውን ነቲ ኣብ ዝጽናዕ ጽሑፍ ዝርከብ ቀንዲ ነጥብታት ምስማርን ጥቕስታት ገንጺልካ ምንባብን ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ መገድታትን ስርዓታትን ባህርያትን ኣምላኽ እንታይ ይገልጸልና ኢልና ኸነስተንትነሉ ኣሎና። (ዘጸ. 33:13) ንመንፈሳዊ ነገራት ምስ እንርድኦ ንስምዒትና ይትንክፎ: ብዛዕባ ህይወትና ንኽንሓስብ እውን ይድርኸና። (መዝ. 119:35, 111) ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና: ንየሆዋ ንኽንቀርቦ ኻብ ዝብል ዕላማ ተበጊስና ክኸውን ኣለዎ። (ያእ. 4:8) ብግቡእ ዝግበር መጽናዕቲ ግዜን ምሹእ ኵነታትን ዝሓትት ኰይኑ: ኣዘውቲርና ኸምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ንምግባር ከኣ ርእስና ኽንግስጽ የድልየና። (ዳን. 6:10) ዋላ እውን ስራሕ ዝበዝሓካ እንተ ዀንካ: ነቲ ዘደንቕ ባህርያት የሆዋ ንኸተስተንትነሉ መዓልታዊ ግዜ ትምድብ ዲኻ፧—መዝ. 119:147, 148፣ 143:5
4. ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርና ምጽላይ: ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ንኸነማዕብል ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
4 ካብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ትርጕም ዘለዎ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንልብና ኸለዓዕሎን “ንኣምላኽ ብዘሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና” ንኽንመላለስን: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ የድልየና። (እብ. 12:28) ስለዚ: መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርና: የሆዋ መንፈሱ ንኽህበና ኽንልምኖ ኣሎና። (ማቴ. 5:3) ንቕዱሳት ጽሑፋትን ነቲ ማሕበር የሆዋ ዘዳለወቶ ንመጽናዕቲ ዝሕግዝ ጽሑፋትን ከነስተንትነሉ ኸለና: ልብና ኢና ንየሆዋ እንኸፍተሉ። (መዝ. 62:8) በዚ ኸምዚ መጽናዕቲ ምግባር: ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት እንገልጸሉን ምስኡ ዘሎና ጥብቂ ርክብ እነማዕብለሉን መዳይ ኣምልኾና እዩ።—ይሁ. 20:21
5. መዓልታዊ ንቓል ኣምላኽ ከነስተንትነሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
5 ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣብ ምሉእ ህይወትና እናደልደለ ንክኸይድ: ከምቲ ምስ ካልኦት ንዘሎና ርክብ እንገብሮ: ክሕብሐብ ኣለዎ። እምበኣር: ንኣምላኽ ምስ እንቐርቦ: ንሱውን ስለ ዝቐርበና መዓልታዊ ነዚ ዝኸውን ግዜ ንዓድግ።—መዝ. 1:2, 3፣ ኤፌ. 5:15, 16