ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/04 ገጽ 4
  • ነጠቓቕማ ግዜኻ ብጥንቃቐ ተመልከት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነጠቓቕማ ግዜኻ ብጥንቃቐ ተመልከት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምቹእ ግዜ ብኸመይ ከም ዝዕደግ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ክጻወትዶ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ምዕዳግ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 1/04 ገጽ 4

ነጠቓቕማ ግዜኻ ብጥንቃቐ ተመልከት

1. ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት እንታይ ጸገማት እዩ ዘጓንፎም ዘሎ፧

1 ኣብዚ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ዝቝጥብ መሳርሒታት ዘለዎ ዘመን: ሓያሎ ሰባት ክገብርዎ ዘለዎም ነገራት እናበዝሐ ክኸይድ ከሎ: ነዚ ንምግባር ዝኸውን ግዜ ግን እናሰኣኑ ይኸዱ ኣለዉ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ክህልወካ ኣጸጋሚ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ ነገልግሎት ዝያዳ ግዜ እንተ ዝረክብ ኢልካ ትምነዶ፧ ንግዜና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧​—⁠መዝ. 90:12፣ ፊል. 1:9-11

2, 3. ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ እንታይ ጸገማት እዩ ዘለዎ: ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ኽንምርምር እን​ኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

2 ነቲ ግዜ ዘባኽን ነገራት ኣለልዮ:- ኵላትና ንግዜና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ በብግዜኡ ኽንምርምር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ብምባል ይምዕደና። (ኤፌ. 5:​15, 16) ኣብ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ እተገብረ ምዕባለ ዘምጽኦ ጸገማት እስከ ንርአ። ኮምፕዩተራትን ካልእ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ክጠቕመና ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነጠቓቕማ ግዜና ብጥንቃቐ ዘይንምልከት እንተደኣ ዄንና ግን መፈንጠራ ክዀነና ይኽእል እዩ።​—⁠1 ቈረ. 7:​29, 31

3 ነፍሲ ወከፍና ንርእስና እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክንሓትት ኣሎና:- ‘መዓልታዊ ነቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ኢ⁠-​መይል ከንብብ ወይ ክምልስ ግዜ አሕልፍ ድየ፧ ጢጥ ቅሚጥ ብዛዕባ ዝዀነ ነገራት ብተሌፎን ኣብ ምውራይ ወይ ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ መልእኽቲ ኣብ ምስዳድ ብዙሕ ግዜ አሕልፍ ድየ፧ (1 ጢሞ. 5:13) ብዘይ​ ገለ ዕላማ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንዝቐርብ ዘበለ ዅሉ እምእርር ድየ: ወይ ከኣ ተለቪዥን ክርኢ ኸለኹ ብዘይ​ ገለ ምኽንያት እተፈላለየ መደባት ፈነወ እቐያይር ድየ፧ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ብዙሕ ግዜ ስለ ዘጥፍእ: ቃል ኣምላኽ ንምጽናዕ ዝጥቀመሉ ግዜ ኽወስደለይ ጀሚሩ ድዩ፧ ኣብ እንዳ ሻሂ ወይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዝማደይ ብምዕላል ብዙሕ ግዜ አጥፍእ ድየ፧’ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከይተፈለጠና ንመንፈሳውነትና ኸዳኽሞ ይኽእል እዩ።​—⁠ምሳ. 12:11

4. ሓደ መንእሰይ እንታይ ምትዕርራይ እዩ ዝገበረ: ስለምንታይከ፧

4 ግዜኻ ብጥበብ ምጥቃም:- ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ግዜናን ኣቓልቦናን ይስሕብ እዩ። ሓደ ንጸወታታት ኮምፕዩተር ኣጸቢቑ ዝፈቱ ዝነበረ መንእሰይ “ሓድሓደ ግዜ ናብ ኣገልግሎት ወይ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ቕድሚ ምኻደይ እንተ ተጻዊተ: ኣቓልቦይ እዩ ዝስረቕ። ዳርጋ ዅሉ ሳዕ ናብ ገዛ ተመሊሰ ነቲ ኣብቲ ጸወታ ዘጋ​ጠመኒ ግድል ብኸመይ ከም ዝፈትሖ እየ ዝሓስብ። ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ሓመቕኩ። ንየሆዋ ብምግልጋል ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓጐስ ክንኪ ጀሚሩ ነይሩ” ብምባል ተኣመነ። ለውጥታት ክገብር ከም ዘድልዮ ስለ ዘስተውዓለ: ንዅሉ እቲ ጸወታታት ኮምፕዩተር ደምሰሶ። ብዛዕባ እዚ ተግባር እዚ ኸኣ “እዚ ብሓቂ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ካብቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ንላዕሊ እየ በዚ ጸወታታት እዚ ተወሊፈ ነይረ። ንጥቕመይ ኢለ ኸም ዝገብርክዎ እፈልጥ ብምንባረይ ግን ዓብዪ ዓወት ከም ዝረኸብኩ እዩ ተሰሚዑኒ” ብምባል ተዘክሮኡ ገለጸ።​—⁠ማቴ. 5:29, 30

5. ንመንፈሳዊ ነገራት ብኸመይ ኢና ግዜ ኽንዕድግ እንኽእል: ከምዚ ምስ እንገብርከ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

5 ምትዕርራይ ክትገብረሉ ዘድልየሉ መዳያት እንተሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምትታት ክትወስድ የድልየካ ይኸውን። ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ ኻብ ኣገዳሲ ዘይኰነ ንጥፈታት ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ግዜ ኽትዕድግ ትኽእልዶ፧ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ዓመት ንምንባብ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ጥራይ እዩ ዘድልየካ። እዝስ ብመንፈሳዊ መዳይ ከመይ ዝበለ ብዙሕ ዓስቢ ዀን እዩ ዘምጽኣልካ! (መዝ. 19:7-11፣ 119:97-100) ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣኼባ ንምድላው: ከምኡውን ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን እተወሰነ ግዜ መድብ። (1 ቈረ. 15:58) ከምዚ ምስ እትገብር: ነቲ ግዜኻ ዘባኽን ነገራት ንኽትቈጻጸሮን “ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ” ንኸተስተውዕልን ክሕግዘካ እዩ።​—⁠ኤፌ. 5:17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ