መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካ.
“መብዛሕትና ንኣካላዊ ጥዕናና ንጥንቀቕ ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ: ጥዕናና ብመንፈሳውነትና እውን ይትንከፍ እዩ። እዚ ሓቂዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ማቴዎስ 4:4 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ብመንፈስ ዜድልየካ ነገራት ብኸመይ ከም እተማልእ እያ እትገልጽ።”
Feb. 8
“ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ብስራሕ ኣመና ትሑዛት ብምዃኖም: ዕረፍቲ የድልዮም እዩ። ምናልባት ምስዚ 3,000 ዓመት ይገብር እተጻሕፈ ቓላት ትሰማማዕ ትኸውን። [መክብብ 4:6 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ነቲ ዋሕዲ ድቃስ ዘምጽኦ ጸገማት ብኸመይ ከም እትፈልጦን ከም እትዋጽኣሉን ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ለካ.
“ሰባት በቲ ብስም ሃይማኖት ዚግበር ክፍኣት ይጭነቑ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ሃይማኖት ሱር ጸገማት ደቅሰብ ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ብዛዕባ እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ራእይ 18:24 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Feb. 22
“ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እንስሳታት ክፈልጡ ይደልዩ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ቤቶም እንስሳ ምሓዝ ባህ ይብሎም። [ሓሳብ ኪህብ ተጸበዮ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ገለ ኻብቲ ኣብ ቤትካ እንስሳታት ምሓዝ ዘምጽኦ ጸገማት ትገልጽ። ብዛዕባ እቲ ዅሎም እንስሳታት ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ደቅሰብን ሰላም ዚህልዎም እዋን ከኣ ትገልጽ።” ኢሳይያስ 11:6-9 ኣንብብ።