መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ.
“ገለ ሰባት ኣብ ኣምላኽ ንምእማን ግድን ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ክትከውን ከም ዘየድልየካ እዩ ዚስምዕም። ከምዚ ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ዝነበሮ ርክብ: ንኣምላኽ ብሓቂ ምምላኽ ማለት ድማ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እያ እትገልጽ።” ዮሃንስ 4:24 ኣንብብ።
Awake! June 8
“መብዛሕትኦም ሰባት ብጽምዋ ይብልዑ: ካብ ካልኦት ከም እተገለሉ ዀይኑ ድማ ይስምዖም። እዝስ ዜሳቒ ኣይመስለካንዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መዝሙር 25:16 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ንጽምዋ ብኸመይ ክትቃለሶ ኸም እትኽእል ግብራዊ ሓሳባት ትህብ እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ.
“ኣብዚ ግዜና ንውሉዳት ምስልጣን ሃልኪ ኣለዎ እንተ ዝበሃልሲ ኣይምተሰማማዕካሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ወለዲ ዕዉታት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እተዋህበ መረጋገጺ እሞ ኣስተብህለሉ። [ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ወለዲ ነዚ ሃልኪ እዚ ኺዋጽእሉ ዜኽእል ግብራዊ ሓሳባት ትህብ እያ።”
Awake! June 22
“ገሊኦም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣብ ስነ-ፍልጠት ዘይተመርኰሰ ዀይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር: ገለ ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዜረጋግጽ እዩ ኸም ዚብሉ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! ኣብዚ መደምደምታ ንኺበጽሑ ኻብ ዝገበሮም ገለ መርትዖ ትምርምር እያ።” ሮሜ 1:20 ኣንብብ።