ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/04 ገጽ 6
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ተጠቐመሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእዶ ትፍጽም ኣሎኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • መጽሔት ንምዕዳል ዚሕግዝ ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እተዳሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ጥቕስታት ቅድሚ ምንባብካ ግቡእ መእተዊ ምግባር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 9/04 ገጽ 6

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ተጠቐመሉ

1. ነገልግሎት ክትዳሎ ኸሎኻ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧

1 ኣብ ኣገልግሎት ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጽሑፍ ነበርክት ብዘየገድስ: ነቶም ዚሰምዑና ሰባት ዜተሓሳስቦም ጥቕሲ ንኸነንብበሎም ክንዳሎ ዝበለጸ እዩ። (እብ. 4:12) እቲ እነንብበሎም ጥቕሲ ኣብቲ እንዕድሎ ዘሎና ጽሑፍ ተጠቒሱ ዚርከብ ምስ ዚኸውን ድማ ብቐሊሉ ናብቲ እንዕድሎ ዘሎና ጽሑፍ ንኽንሳገር ዚሕግዝ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ዚርከቡ ኣስፋሕቲ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ ይኹን ካብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግሉ ኸለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድካ ምሓዝ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

2. (ሀ) ዝርርብ ጥቕሲ ብምንባብ ክንጅምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ዜገድሶም ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስትታት እንታይ እዩ፧

2 ዝርርብካ ጥቕሲ ብምጥቃስ ጀምር:- ገለ ኣስፋሕቲ ነቲ ብዓል ቤት ኣረኣእያኡ ኺገልጽ ዜኽእሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ቐሊል ሕቶ ብምሕታትን ጥቕሲ ብምንባብን ኣገልግሎቶም ይጅምሩ። ከምዚ ዓይነት ኣቀራርባ እቲ ሰብ ብቕልጡፍ ናብ ቃል ኣምላኽ ከም ዜቕልብ ዚገብር እዩ። ገለ ኻብዚ ዚስዕብ መእተዊታት ኣብ ዞባኻ ኣስላጢ ዀይኑ ምረኸብካዮዶ፧

◼ “ክእለት እንተ ዚህልወካ ነይሩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ምገበርካዶ፧” ራእይ 21:4 ኣንብብ።

◼ “እዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ኣዝዩ ኽፉእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧” 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።

◼ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ዚስዕብ ነይሩ ሕብረተሰብና ብዝያዳ ምተመሓየሸዶ ትብል፧” ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ።

◼ “ደቅኻ ነቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ዅነታት ኪረኽብዎ ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧” መዝሙር 37:10, 11 ኣንብብ።

◼ “እዘን ቃላት እዚኣተን ጋህዲ ዝዀናሉ እዋን ዚመጽእዶ ይመስለካ፧” ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ።

◼ “ነቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ምምሕዳር ለውጥታት እተምጽእ መንግስቲ ትፈልጣዶ፧” ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

◼ “እዛ ሕቶ እዚኣ ንኣምላኽ ክትሓቶ ምደለኻዶ፧” እዮብ 21:7 ኣንብብ።

◼ “ነቶም ብሞት እተፈልዩና እነፍቅሮም ሰባት ዳግማይ ክንረኽቦም ዚከኣልዶ ይመስለካ፧” ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።

◼ “ምዉታት: ብዛዕባ ህያዋን ይፈልጡዶ፧” መክብብ 9:5 ኣንብብ።

3. ሰባት ነቲ ዘንበብናሎም ጥቕሲ ምእንቲ ኺርድእዎ ብኸመይ ምሓገዝናዮም፧

3 ነቲ ዘንበብካዮ ጥቕሲ ግለጾ: ኣብርሃዮ: ኣወዓዕላኡ ድማ ግለጽ:- ሓደ ሰብ ምሳኻ ኺዘራረብ ፍቓደኛ ምስ ዚኸውን ከይተሃወኽካ ግዜ ወሲድካ ነታ ጥቕሲ ምስ እትገልጸሉን እተብርሃሉን ኣወዓዕላኣ ድማ ምስ እትነግሮን ብግቡእ ኪርድኣ ይኽእል እዩ። (ነህ. 8:8) ሰባት ነቲ ቓል ኣምላኽ ዚምህሮ ነገራት ምስ ዚርድእዎን ዚቕበልዎን ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።—1 ተሰ. 2:13

4. ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ነቲ እተራእየ ተገዳስነት ኣብ ምዅስኳስ እውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ተጠቐመሉ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ ተመሳሳሊ ኣገባብ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:- (1) ዚሰማማዕ ጥቕሲ ምረጽ። (2) ምስቲ ጥቕሲ ዚተሓሓዝ ሓሳቦም ኪገልጹ ዜኽእሎም ሕቶ ሕተት: ድሕርዚ ነታ ጥቕሲ ኣንብባ። (3) ነታ ጥቕሲ ብምግላጽ ኣብርሃያ: ኣወዓዕላኣ ድማ ግለጽ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕካ እቲ ሰብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ፍልጠት ንምዕባይ ጻዕሪ ግበር። ከምዚ ምስ እትገብር ኣብ ዝሓጸረ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ