ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ 5ይ ክፋል:-
ክንደይ ዚኣክል ትምህርቲ ኸም እትሽፍን ምውሳን
1 የሱስ ዓቕሚ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ግምት የእቱ ስለ ዝነበረ “ምስማዑ ብዚከአሎም መጠን” ጥራይ ይምህሮም ነበረ። (ማር. 4:33፣ ዮሃ. 16:12) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ መምህራን ቃል ኣምላኽ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ኸለዉ ኽንደይ ዚኣክል ትምህርቲ ኺሽፍኑ ኸም ዚኽእሉ ኺውስኑ ኣለዎም። እዚ ድማ ኣብ ክእለትን ኵነታትን እቲ መምህርን ተማሃራይን እዩ ዚምርኰስ።
2 ድልድልቲ እምነት ህነጽ:- ገሊኦም ተመሃሮ: ነቲ ኻልኦት ኣብ ሓደ ናይ መጽናዕቲ እዋን ብቐሊሉ ዚርድእዎ ትምህርቲ ንኺርድኦም ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ መጽናዕቲ እዋን የድልዮም ይኸውን። ብዙሕ ምእንቲ ኽንሽፍን ኢልና እቲ ተማሃራይ ንጹር ምርዳእ ከይረኸበ ኺሓልፍ ኣይንደልን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዚረኽቦ ሓድሽ እምነት ድልዱል መሰረት ኪረኽበሉ ይደሊ እዩ።—ምሳ. 4:7፣ ሮሜ 12:2
3 መጽናዕቲ ኣብ እትገብረሉ እዋን: እቲ ተማሃራይ ነቲ ዚመሃሮ ዘሎ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ኪርድኦን ኪቕበሎን ምእንቲ ኽትሕግዞ ዚኣክል ግዜ ኣሕልፍ። እቲ ተማሃራይ ካብቲ ዚመሃሮ ዘሎ ሓቅታት ምእንቲ ኺጥቀም ታህዋኽ ኣወግድ። ኣብቲ ቐንዲ ነጥብታት ንኸተተኵርን ነቲ መሰረት እቲ ትምህርቲ ዝዀነ ቐንዲ ጥቕስታት ክትመያየጠሉን ዜኽእል እኹል ግዜ መድብ።—2 ጢሞ. 3:16, 17
4 እቲ መጽናዕቲ ብዘይ ዕንቅፋት ከም ዚቕጽል ግበር:- ነቲ መጽናዕቲ ብሃወኽ ክንገብሮ ዘይንደሊ እኳ እንተዀንና: መዓንቀፊ ዚኸውን ነገራት ከነወግድ ግን ንደሊ ኢና። ሓደ ተማሃራይ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያቱ ብዙሕ ኪዛረብ ዚደሊ እንተደኣ ዀይኑ: ብዛዕባ እዚ ድሕሪቲ መጽናዕቲ ኽንመያየጠሉ ግዜ ኽንምድብ ንኽእል ኢና።—መክ. 3:1
5 ብኻልእ ሸነኽ ድማ: እቲ ኣብ ሓቂ ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት: ኣብ እዋን መጽናዕቲ ዘረባ ኸም እነንውሕ ኪገብረና ስለ ዚኽእል: ነዚ ንኽንቈጻጸሮ ብድሆ ኪዀነና ይኽእል እዩ። (መዝ. 145:6, 7) ሓድሓደ ግዜ ድማ እቲ ንእግረ መገድና እንውስኾ ነጥብታትን ተመክሮታትን ንመጽናዕትና ጠቓሚ እኳ እንተዀነ: ካብ ምብዝሑ እተላዕለ ግን እቲ ተማሃራይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ርጡብ ፍልጠት ካብ ምውሳድ ዚዓናቕጾ ኪኸውን ኣይንደልን ኢና።
6 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ: እኹል መጠን ዘለዎ ትምህርቲ ብምሽፋን: ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሎም ተመሃሮና ‘ብብርሃን የሆዋ ኺመላለሱ’ ንሓግዞም።—ኢሳ. 2:5