ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/05 ገጽ 1
  • ከይተሓለልካ ስበኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከይተሓለልካ ስበኽ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስባኽ ቀጽል!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “ስም የሆዋ ወድሱ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ‘ኣስኣሰሩ ስዓብ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 4/05 ገጽ 1

ከይተሓለልካ ስበኽ

1 ኣብ ጽንኩር እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ከም እኒ ውግእ ሓድሕድ: ቀቢላዊ ውግእ: ባህርያዊ ዕንወት: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዜርዕድ ፍጻመታት ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ሰባት ከም ሎሚ ገይሩ ብስራት ኣድልይዎም ኣይፈልጥን። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘይምግዳስ ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ክትረኽቦም ኣሸጋሪ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ጽን ኢሎም ዚሰምዑና ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ዚደልዩ ሰባት ምርካብ እውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን እምበር: ብስራት እታ ድሮ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ከይተሓለልና ኽንሰብኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—ማቴ. 24:14

2 ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ:- ስብከትና የሆዋ ንሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዜንጸባርቕ እዩ። የሆዋ ‘ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይፈቱን እዩ።’ (2 ጴጥ. 3:9፣ ህዝ. 33:11) ስለዚ ድማ እዩ ኸምቲ የሱስ ዝበሎ “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” ኢሉ ዝኣወጀ። (ማር. 13:10 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣምላኽ ንሰባት ካብቲ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚወርድ ፍርዲ ምእንቲ ኼምልጡ: ናብኡ ኺምለሱ ጻውዒት የቕርብ ኣሎ። (ዮኤ. 2:28, 29, 32፣ ጸፎ. 2:2, 3) የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተልናስ: መማሰውቲ ኽንከውን ኣይግብኣናንዶ፧—1 ጢሞ. 1:12, 13

3 ናይ 2004 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ጸብጻብ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም 6,085,387 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተመርሐን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ብገምጋም 5,000 ዚኣኽሉ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኸም እተጠመቑን እዩ ዚሕብር። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ህይወቶም ንየሆዋ ዚውፍዩ ሓደስቲ ሰባት ኪርከቡ እተኻእሉ: የሆዋ ነቲ ኣስፋሕቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ እተመደቡሉ ዞባ ዚርከብ ሰብ ንምዝርራብ ዝገበርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ስለ ዝባረኾ እዩ። እዚ ንጉባኤታት ዓብዪ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡለን። ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ እዚ መዓይይቲ ኣምላኽ ኴንና ኽንዓይስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ!—1 ቈረ. 3:5, 6, 9

4 ስም ኣምላኽ ምውዳስ:- ንየሆዋ ብጋህዲ ንኽንውድሶን ንስሙ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቅሰብ ንኽንቅድሶን ኢና ኸይተሓለልና እንሰብኽ ዘለና። (እብ. 13:15) ሰይጣን ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ንሽግራት ደቅሰብ ኪፈትሕ ዓቕሚ የብሉን: ንስቓይ ደቅሰብ ግዲ ኣይገብረሉን እዩ: ወይ ኣምላኽ የልቦን ኢሎም ከም ዚድምድሙ ብምግባር “ንብዘላ ዓለም” የስሕታ ኣሎ። (ራእ. 12:9) ስብከትና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ሰማያዊ ኣቦና ዚምልከት ሓቂ ኽንምህር የኽእለና። ሃየ እምበኣር: ንስም ኣምላኽ ሕጅን ንዘለኣለምን ንወድስ።—መዝ. 145:1, 2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ