ስብከት ንኽንዕገስ ይሕግዘና
1 ቃል-ኣምላኽ ‘በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኽንጐዪ’ ይምሕጸነና። (እብ. 12:1) ልክዕ ከምቲ ሓደ ጐያዪ ንኺዕወት ትዕግስቲ ዜድልዮ: ንሕናውን ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ክንዕገስ ኣሎና። (እብ. 10:36) ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኴንና ንኽንዕገስ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—ማቴ. 24:13
2 ብመንፈሳዊ መዳይ የበርትዓና:- ብዛዕባ እታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ዚገልጽ ዜደንቕ መብጽዓ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምእዋጅ: ተስፋና ብሩህ ኰይኑ ንኪቕጽል ዚሕግዝ እዩ። (1 ተሰ. 5:8) ኣዘውቲርና ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስ እንሳተፍ: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ሓቅታት ሰባት ከም ዚፈልጥዎ ናይ ምግባር ኣጋጣሚ ንረክብ። ንእምነትና ናይ ምጥባቕ ኣጋጣሚ ይኽፈተልና: እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ የበርትዓና።
3 ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ብዚግባእ ክንምህር እንተደኣ ዄንና: ቅድም ንገዛእ ርእስና ብንጹር ክንርድኦ ኣሎና። ነቲ እነጽንዖ ዘለና ትምህርቲ ምርምር ክንገብረሉን ከነስተንትነሉን ኣሎና። እቲ እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ ንፍልጠትና የዕሙቖ: ንእምነትና የደልድሎ: ከምኡውን ብመንፈሳዊ መዳይ የነቃቕሓና። (ምሳ. 2:3-5) ስለዚ እምበኣር ንኻልኦት ክንሕግዝ ከለና: ንገዛእ ርእስና እውን ንበራታዕ ኢና።—1 ጢሞ. 4:15, 16
4 ኣብ ኣገልግሎት ቅንኢ ዝመልኦ ተሳትፎ ምግባር: ሓደ ኻብቲ ‘ዅሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንለብሰሉ’ እንኽእል ቀንዲ መዳይ ስለ ዝዀነ: ነቲ ኻብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዚመጸና መጥቃዕቲ ንምቅዋም ይሕግዘና። (ኤፌ. 6:10-13, 15) በቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ትሑዛት ምስ እንኸውን: ኣብ ዚሃንጽ ነገራት ከነተኵርን ብናይ ሰይጣን ዓለም ከይንበላሾን ይሕግዘና። (ቈሎ. 3:2) ንሰባት ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኽንምህሮም ከለና: ንገዛእ ርእስና እውን ብቕዱስ ጠባይ ናይ ምምልላስ ኣድላዪነት ብቐጻሊ ንዘኻኸር ኢና።—1 ጴጥ. 2:12
5 ካብ ኣምላኽ ሓይሊ ምርካብ:- ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ምክፋል: ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና እዩ ዚምህረና። (2 ቈረ. 4:1, 7) እዝስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ ትውክልቲ ምምዕባል: ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንኽንዋጽኣሉ እውን ይሕግዘና እዩ። (ፊል. 4:11-13) እወ: ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ምግባር: ንኽንዕገስ ዚሕግዝ ቀንዲ ረቛሒ እዩ። (መዝ. 55:22) ስለዚ እምበኣር ዕዮ ስብከት ብብዙሕ መገድታት ንኽንዕገስ ይሕግዘና እዩ።