ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/05 ገጽ 1
  • ስብከት ንኽንዕገስ ይሕግዘና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስብከት ንኽንዕገስ ይሕግዘና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ውድብ የሆዋ ለጊብካ ንበር
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • “ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ስብከት፡ ምጽማም ይሓትት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • “ነቲ . . . እተጻወረ ኣስተብህሉሉ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 6/05 ገጽ 1

ስብከት ንኽንዕገስ ይሕግዘና

1 ቃል-ኣምላኽ ‘በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኽንጐዪ’ ይምሕጸነና። (እብ. 12:1) ልክዕ ከምቲ ሓደ ጐያዪ ንኺዕወት ትዕግስቲ ዜድልዮ: ንሕናውን ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ክንዕገስ ኣሎና። (እብ. 10:36) ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኴንና ንኽንዕገስ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—ማቴ. 24:13

2 ብመንፈሳዊ መዳይ የበርትዓና:- ብዛዕባ እታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ዚገልጽ ዜደንቕ መብጽዓ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምእዋጅ: ተስፋና ብሩህ ኰይኑ ንኪቕጽል ዚሕግዝ እዩ። (1 ተሰ. 5:8) ኣዘውቲርና ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስ እንሳተፍ: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ሓቅታት ሰባት ከም ዚፈልጥዎ ናይ ምግባር ኣጋጣሚ ንረክብ። ንእምነትና ናይ ምጥባቕ ኣጋጣሚ ይኽፈተልና: እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ የበርትዓና።

3 ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ብዚግባእ ክንምህር እንተደኣ ዄንና: ቅድም ንገዛእ ርእስና ብንጹር ክንርድኦ ኣሎና። ነቲ እነጽንዖ ዘለና ትምህርቲ ምርምር ክንገብረሉን ከነስተንትነሉን ኣሎና። እቲ እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ ንፍልጠትና የዕሙቖ: ንእምነትና የደልድሎ: ከምኡውን ብመንፈሳዊ መዳይ የነቃቕሓና። (ምሳ. 2:3-5) ስለዚ እምበኣር ንኻልኦት ክንሕግዝ ከለና: ንገዛእ ርእስና እውን ንበራታዕ ኢና።—1 ጢሞ. 4:15, 16

4 ኣብ ኣገልግሎት ቅንኢ ዝመልኦ ተሳትፎ ምግባር: ሓደ ኻብቲ ‘ዅሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንለብሰሉ’ እንኽእል ቀንዲ መዳይ ስለ ዝዀነ: ነቲ ኻብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዚመጸና መጥቃዕቲ ንምቅዋም ይሕግዘና። (ኤፌ. 6:10-13, 15) በቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ትሑዛት ምስ እንኸውን: ኣብ ዚሃንጽ ነገራት ከነተኵርን ብናይ ሰይጣን ዓለም ከይንበላሾን ይሕግዘና። (ቈሎ. 3:2) ንሰባት ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኽንምህሮም ከለና: ንገዛእ ርእስና እውን ብቕዱስ ጠባይ ናይ ምምልላስ ኣድላዪነት ብቐጻሊ ንዘኻኸር ኢና።—1 ጴጥ. 2:12

5 ካብ ኣምላኽ ሓይሊ ምርካብ:- ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ምክፋል: ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና እዩ ዚምህረና። (2 ቈረ. 4:1, 7) እዝስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ ትውክልቲ ምምዕባል: ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንኽንዋጽኣሉ እውን ይሕግዘና እዩ። (ፊል. 4:11-13) እወ: ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ምግባር: ንኽንዕገስ ዚሕግዝ ቀንዲ ረቛሒ እዩ። (መዝ. 55:22) ስለዚ እምበኣር ዕዮ ስብከት ብብዙሕ መገድታት ንኽንዕገስ ይሕግዘና እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ